ባይቶ እስራኤል (ክነሰት) ንሓተቲ ዑ&#4
نشر من قبل omaal في 06:56 صباحا - 18 02 1433 هـ (12 01 2012 م)

Eritrean Peopls Movement 1.jpg

ባይቶ እስራኤል (ክነሰት) ንሓተቲ ዑቕባ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ክእሰሩ ሓጊጉ።

 


تفاصيل الخبر

Eritrean Peopls Movement 1.jpg

ባይቶ እስራኤል (ክነሰት) ንሓተቲ ዑቕባ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ክእሰሩ ሓጊጉ።

ብክነሰት ዝፍለጥ 120 ዝኣባላቱ በዓል ሓደ ካመራ ዝኮነ ባይቶ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ብዘይፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ክእሰሩ ዘሳጥሕ ሕጊ ኣጽዲቑ። ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብደቀቕቲ ነገራት ኣመሳሚስካ ንዝተናውሓ ግዜ ብዘይፍርዲ ምእሳር ምስ መሰል ደቒ ሰባት ዝጻረር ኣረመናዊ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀዩን ናይ ኣእምሮ ጸገም ፈጢሩ ንሞት ከሳጥሖም ከምዝክእል ፍሉጥ እዩ። መንግስቲ እስራኤል ንኣብያተ ማእሰርትን ፖሊስን እውን ነዚ ዕማም ናይ ምእሳር ክዳለዉ መምርሒ ሂቡ ጥራሕ ዘይኮነ ልዕሊ 160 ሚልዮን ዶላር ንመስርሒ ቤተ- ማእሰርትን ሓጹርን ሰሊዑ ምህላዉ ፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ:: መንግስቲ እስራኤል እቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምኳኖም ፍሉጥ እንዳሃለወ ከሎ ከም ናይ ቑጠባ ጸገም ከምዘለዎም ኣምሲሉ ንዓለም ከረድእ እውን ይፍትን ምህላዉ ካልእ ኣሰንባዲ ጉዳይ እዩ። ኣብ እስራኤል ልዕሊ 25 ሽሕ መንእሰያት  ኤርትራውያን ኣለዉ።

እቶም ነዚ ሕጊ እዚ ዝተቓወሙ ኣባላት ባይቶ እስራኤል እዚ ሕጊ እዚ ሐደገኛን: ዘይዲሞክራስያዊን ዘይቕዋማዊን ከም'ኡውን ተጻይ ኩሉ መሰል ደቒሰባት  ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ እስራኤል ዝኣተወቶ ዓለምለካዊ መሰል ደቂሰባት ውዕል ዝረግጽ ምኳኑ ይገልጹ። እዚ ሰኑይ ምሸት ዕለት 9ተ ጥሪ ዝጸደቐ ሕጊ ንኩሎም ኣብ እስራኤል ዝቅመጡ ኤርትራውያንን ካልኦትን ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ። እዚ ማለት እስራኤል ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዓመታት ክትኣስሮም ተክእሎ ኣሎ።  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ (ኤህም) እስራኤል ዝኣተወቶ ውዕል ዓለምለካዊ መሰል ደቒሰባት ከተክብርን ዝምድና ህዝብታት እስራኤላውያንን ኤርትራውንን ኣብ ግምት ኣእትያ ከም እቲ ንእስራኤላውያን ብሂትለራዊ ጀርመን ዘጋጠሞም ሂልቒት: ኤርትራውያን ብመንግስቶም የጋጥሞም ከምዘሎ ተገንዚባ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብፍላይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ክትገብረሎም ዓለምለካዊ ሓላፍነታ እዩ።

መወከስ

1. http://www.haaretz.com/news/national/knesset-passes-bill-that-could-put-asylum-seekers-in-jail-without-trial-1.406351

2. http://www.haaretz.com/print-edition/news/israeli-government-tells-police-prisons-to-gear-up-for-more-migrant-workers-1.405159

3. http://www.knesset.gov.il/history/eng/eng_hist.htm

ጥሪ 12፡ 2012

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ኤህም