ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:30 صباحا - 06 04 1433 هـ (28 02 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 29 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 29 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሕጅስ ንህዝቢ የለን ዘዕሽዎ

ይባሃል ኣሎ በልዎ በልዎ

ንመራሒ ጭፍራ ኣሰር ዓርኩ ኣስዕብዎ

ተጋሊጾም እቶም ዝተዋፈሩ ከድሕንዎ።

ሕጂ የለን ምሽክንክን

ከምዘይ ጸናሕካ ንህዝቢ ክትሃድን..

Afwarkey Josse.jpg

ትኽ እንተበሉ ከም ማዕጺድ

እንዳ ራኣይዎ ህዝብና ብህግደፍ ይዎረድ

ዘቃራርብ ገዲፉ ዘራሓሕቅ የዋድድ

ካብ ቀዳምይካስ ዳሕራይካ ይገድድ።

ሓሳዊት መልሓስኩም ንመን ክተዳንግሮ

ተፈሊጥኩም ሕጂስ ምዃንኩም መንሽሮ

ኮንዶ ሓሲብኩምና ዘይብልና ኣእምሮ

ንህዝቢ ኤረትራ ብበትሪ ገርኩምዎ ደንቆሮ

ነጻነቱ ተመንጢሉ ብጭፍራ ቁንጣሮ

ሕርር ኩምትር ኢሉ ከላእ ትሕረሮ

ያኣክልና ሕጂስ ደቂ ኤረይ ዕምሩ ነሕጽሮ።

ብውሽጢ ንሱ ብደገ ንሳቶም

ኣለውዎ ተዋፊሮም

ዘይስቆሮም ኣውያት ህዝቦም

ሎሚ እሞ ተጋሊጾም

ዘንጊ ሓቂ ተሰራ አብ ዝባኖም።

ዋህዮ ህግደፍ መዳናገሪ

ሓሶት ዘብዝሕ ዘይብሉ ግብሪ

ከናውሕ ናይ ዲክታቶር ዕምሪ

ኣብ ደበንገረ ተከዊሉ መዳሪ።

ሕጂስ ህዝቢ ፎእ ኢሉኩምዩ

መንእሰይ ኣብ ኑኡስ ዕድሚኡ ተቖጽዩ

ንፍትሒ ብዙሕዩ ተጸብዩ

ሕጂ ግን ተበጊሶም ሕነ ክፈድዩ

ሰሚሮም እዮም

ም ነቶም ነጻተትና ዝቖጸዩ

ወይልኦም እቶም ንህዝቢ ዘድመዩ

ክጸርግዎ

ካብ እንቆቖሖ ተመን ርግቢት ዝጽበዩ።

መንእሰያት ንፍርሒ ጥሒሶም

ምዝራብ ጀሚሮም ናይ ልቦም

ሰሚሮም ተበጊሶም

ንህግደፋዊያን ኣርዒዶም

ወይልኡ ዝጸንሕ ኣብ ቅድሚኦም።

ካብ ሰመርና ንውረድ ኣብ ባይታ

ንጃንዳ ኣባሪርና ክንረክብ ኡፎይታ

ውድባትን ሰልፍታትን ክተታ

ንኤረትራ ከማሓዳድርዋ ዋናታታ

ንኤረትራ ቢሄራታ እየን ምስቲያታ

ንፍትሒ ንሓርነት የብሉን መተካእታ።

ኣጆኹም ንበሎም ንባይቶ

ክንጽህዮ ናይ ግራትና ካኺቶ

ሕብሮም ዝቐያይሩ ከም ነፋሒቶ

ንዝሓበረ ሓይሊ የለን ዝዓግቶ።

መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ

ህዝቢ ብጃንዳ ረኺቦ ጋዶ

ሕጂ ግና ሰሚዕኩምዶ

ንኢሰያስ ደንበ ስመር ከም ዘሰንበዶ

ይሕርን አሎ  ምስ ጃንዱኡ ክፈርዶ።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም