ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:45 صباحا - 16 04 1433 هـ (09 03 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 30 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

AWATE200020112050 3.jpg


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 30 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

AWATE200020112050 3.jpg

ሎምስ ኣይግድን ደቅኻ ዓዋተ

ምጥምማት ኣብዚሖም ህዝቢ እንዳ ጸነተ

ሃገርካ እንበር ኮነት መፍተት ስርዓት ገበተ፣

ይበሃል ከምዘይ ነበረ ኣብ ዝባን ቛሓይቶ

ንተጋድሎ ርኤዮም ርኤዮም

ደቂ ኤረ ወዶም ጓሎም ጀጋኑ እዮም

ወዮም ባዓል ሹማይ መንዩ ዝሕርሶም፣

ሕጂ ደኣ ኣብይ ከይዶም ኣበይ ከይዶም

ጀጋኑና ጸኒቶም ድዮም ኩሎም

ብደገን ብውሽጥን ተዛረብቲ ተሪፎም

ኣብ ሃገርና ኣትማን ነጊሶም

ኣብ ዝጽንሑ ጸኒሕም

ዕስራ ዓመት ኮይኑ ክገብሩ ደስ ከም ዝበሎም 

ኣበይ ኣለዉ ጀጋኑና ወዶም ጓሎም

ሓመድ ተነጺፎም ደንጎላ ተተርኢሶም

ደቀባት ኩዉን ዝገበሩ ንነጻነት ሃገሮም

ደሞምን ኣዕጽምቶምን ክስኪሶም

ቀያሕት ጸለምትን ዝተበጀዉሎም

ጭፍራ ኢሰያስ ዝመራሒኦም

 ኣብ ሃገርና ደቂ ወሰን ነጊሶም።

**እዚዩ ነሩ ጭርሖ ንሕናን ዕላማናን**

ዕላምኦም ንሕና ዝይንመርሓ ኤረትራ ዋላ

ከምቲ ናይ ኣድጊ ምስላ ሳዕሪ ኣይትቆላ

ደም ዝቐለቦም ከም ድራኩላ

እዚኦም ከይተኣለዩ ሃገርና ዘብት ክሕልፈላ

ብሰንኮም ኤረትራ ብኹላ

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ደም ትነብዕ ኣላ

ብ.ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ዕዋላ፣

ከም ህዝቢ ኤረትራ መን ኣሎ

ንመግዛእቲ ኢሰያስ ዝተቀበሎ

ንወደባት ካብ መቦቆል ዓዱ እንዳ ፈናቐሎ

ትም ኢሉ ይርኢ እንዳ ቀተሎ

ንደቂ ረሺኑ ሓምሳ ሽሕ ይኽፍሎ

ኤረትራዊ ብሕጊ ኣልቦ ይጸንት ኣሎ ይጸንት ኣሎ፣

ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም ኣብ ስደት ዘለና

ብ.ዓይንና እንዳ ራኣና

ብ.እዝንና እንዳ ሰማዕና

ብኢሰያስ ይጸንት ህዝብና

ኤረትራዊያን እንታዩ ሽግርና

ትም ዘምረጸና ተወዲኡድዩ ንያትና፣

እቶም ደለይቲ ፍትሒ

እንታዩ ዘየስምረና ዘሎ

ክሳብ ማዓስ ክንተሓላሎ

ንህዝብና እንዳ መቃቐሎ

ሳኣን ሓደ ምዃን ህዝቢ ይጸንት አሎ

ሒመታ በዚሑ ግብሪ ዝጎደሎ

ምቅላል ነውሪ ነቲ ዝሰርሕ ዘሎ

ደቂ ኤረይ ሃየባ ንሕጉ ኣልቦ ሓሕ ንበሎ።

ንውድባትና ሓላፍነትናዩ ክንሓቶም

እንታይዩ ሽግሮም ሽግሮም

ዘይሓናፍጹ ኣሃዱታቶም

ብማዕዶ ዝጥምቱ እንዳ ጸነተ ህዝቦም

ሃየባ ዘረባ ገዲፍና ትጽዕኖ ንግበረሎም

እንቢ እንተ ኢሎም እንተ ኢሎም

መሰል ኣሎና ኣይትውኩሉናን ክንብሎም።

ኣይትዘንግዕ ዕላማኻ

ዘክር ኣብ ምድረበዳ ዝተረፈ ዓርክኻ

ዘክር ኣብ ውቅያኖስ ዝጠሓለ መተዓበይትኻ

ነትማን ሳሕል መክት ሓቢርካ

ነቶም ካብ ዓድኻ ሃጽዘበሉኻ

ዝቖጸዩ ሕልምኻ

ኣቦታትካ ኣያታትካ ኣኽቢርካ

ኣብርኮም ነቶም ሰብ ደምካ፣

ደንበ ስመር ንደቀሱ ኣባራብሩ

ንደንበ ተቃውሞ በልዎም ሕበሩ

ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ

ጸላኢኦም ይባርሩ

ደቂ ኤረይ ሕበሩ ስመሩ

ስርዓት ማፍያ ክስበር ማሓውሩ፣

ህዝቢ ክድሕን ካብ ናይ ህግደፍ ጨንገር

ውፈር ውፈር ብሓደ መስመር

መስርት ሓደ ኤረትራዊ ማሓበር

ያኣክል ዘረባ ቁምነገር ንግበር

ንስርዓት ሸፋቱ ነበረያ ነበረ ክንገብር።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን