ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎ&#4
نشر من قبل omaal في 12:17 مساء - 27 04 1433 هـ (20 03 2012 م)

 ሰላማዊ ሰልፊ

 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

 ሰላማዊ ሰልፊ

  ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን 

ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት (March) 2012 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መድሓኔ ዓለም ፍራንክፎርትን ካልኦትን ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው ደው ንከብል ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ተቓውሞና እነካይደሉ ካብ ባንሆፍ ኒደራድ (መዓርፎ ባቡር ምድሪ ኒደራድ) ስዓት 12፡00 (ፍርቂ መዓልቲ) ክጅምር እዩ።

ዲክታቶርያውያን ገዛእቲ ህግደፍ፡ ንሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮ ንምእታው ዘይተጠቕምዎ ብልሓታት ከም ዘይህሉ ከም እትፈልጥዎ፡ ንዚኵሉ ተግባራት ብምፍሻልን ኣብ ጐኒ‘ቲ ዝጭቘንን ዝግፋዕን ዘሎ ኤርትራዊ ሎሚ‘ውን ከም ቀደም ቃልስና ዝነዓቕ ከም ዘይኰነ ንምርኣይን ናይ ቃልሲ ሸውሃትን ሞራልን ህዝብና ከም ዝዓዝዝ ንምግባርን፡ ከካብ ዘሎናዮ ብብዝሒ ከም ንመጽእ ንምግባር ተዓጢቕክንን ተዓጢቕኩምን ከም ዘሎኻትኩም ንኣምን።

ካብ‘ዚ ብምንቃል ድማ ነፍሲ ወከፍና፡ ተቓውሞና ንምስማዕ ካብ ዘዘሎናዮ ከተማታትን ዓድታትን ኣቓልቦናን መደብናን ናብ ኒደራድ ባንሆፍ ፍራንክፎርት ንምምጻእ ክኸውን ንላቦ።

ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ክሳዕ ተወሳኺ ስልኪ ቍጽሪ ዝርከብ 015 772 599 572 ኣሎኩም።

ሽማግለ  ሰላማዊ ሰልፊ

ማሕበራት ደቀንስትዮን መንእሰያትን

በርጌሳውያንን ፖለቲካውያንን ውድባትን ኤርትራ

ኣብ ሃገር ጀርመን

ካርልስሩሀ 18.03.2012