ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 05:05 صباحا - 12 05 1433 هـ (03 04 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 35 ክፋል

From Brhe Ok 00.jpg

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 35 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

]]ኤረትራ ብስርዓት ኢሰያስ ደም ትነብዕ ኣላ ምስ ህዝባ]]

ሓደ ተባዕ አቦ አብ ኩርባርያ ብጎዞሞ

     ንጃንዳ ህግደፍ መኪቶሞ መኪቶሞ

ደሞም ኣፍሲሶ ንመንእሰይ ኩርባርያ አድሒኖሞ

ኦ.ህዝቢ ኤረትረያ ንስርዓት ኢሰያስ መክቶ ህጀሞ

ከም ዞም ተባዕ ኣቦ በሎ አብ ቲ ዘሕምሞ

ሸሞንተ አውራጃታት ሰሚርኩም በልዎ ጨልግምዎ

ንህዝን መንእሰይን ኤረትራ ክርህዎ ክርህዎ…

(ቅሳነት የለን እዚ እከይ ጉጅለ ካብ ሱሩ ከይተነቐለ)

ንኤረትራ ከማሓዳድርዎ ዋናታታ

ጸረ ዲክታቶር ይመዘዝ ጉራደ ምስ ዋልታ

ንሃገርና ክቅንጠጥ ማዓታ ማዓታ

<<ኣደታት ኣብ ጎኒ ደቅኽን ክተታ ክተታ<<

ጭርሖ ሰብዓታት

ኣብ ከብደይ ዝኣጎለ 

ከም ዓባይ ሰዓለ ሰዓለ

ይጨንጓዕ ይጸረግ ካብ ቅድመይ ይተኣለ

}}}ቅሳነት የለን እዚ እከየ ጉጅለ ካብ ሱሩ ከየተነቐለ}}}

ገለ ካብ  መጽነትና ክፈልጦም ህዝብና

ከየምለጡ ክንሕዞም ይግባዓና

<< ሽግርና ክፍታሕ ኣብ ሓጹር ነእትዎም ቀልጢፍና<<

From Brhe Ok 00.jpg

ፎእ ንበላ ጨንያ ናይ ህግደፍ ዒባ

ንሓምራ ላምና ኣዛብእ ኢሰያስ  ኣጥፊኦምላ ቀልባ

ማልና ስለ ዝለበማ ኣብየን ክሕለባ

ደቂ ህግደፍ እንዳ ሰተይዎ ናተን ጸባ

ይቃለሳ ኣለዎ ህዝቢ ክወጽእ ካብ ጸበባ

ንኤረትራ ወጊሑላ ክርእያ ምስ ህዝባ

ይጽበያ ኣለዋ ኣብ ውድቀቱ ጭፍራ ደስ ኢልወን ክሕለባ፣

እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ንሃገሩ ዝተኻላኸለ

የኽፈኣሉ ዶ ሕጂ ውን እንቢ ንምልኪ እንተበለ

ሃየንታ ኣለዎ ኤረትራዊ በዚኦም እንተተበደለ

ይብል ኣሎ መንእሰይ ስርዓት ማፍያ ብሓይሊ ይተኣለ፣

From Brhe Ok 01.jpg

እዚኦም ኣይኮኑን ነበርቲ

ደላይ ፍትሒ ዩ ተዓዋቲ

ወይለኦም ናይ ጃንዳ ኣገልገልቲ

ንሓደ ሰብኣይ ኣምለኽቲ ሰገድቲ

<<ዘንጊዖም ልእላውነትና ከም ዝተራጋገጸ ብመስዋእቲ<<

ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ.ስ ኣየስረረንን

ደለይቲ ፍትሒ ኣይንርከክን ኣይንብርከክን

ንህግደፍ  ተዳሊና ኢና  ከጋልጸክን

ሕጂ እንተ ዘይተናሳሕክን

መረባዕ ኣስሪሓና እንዳበልክን

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ተጣቓዓ ዘለኹም ዘለኽን

ጭርናዕክን ጥሪትክን

<<ኢሰያስ ዝነብር ከይመስለኩም ከይመስለክን<<

እኖሆለይ ፍረስ እኖሆለይ ሜዳ

እረትራዊ ኣደ እንታይዩ ጉዳ

ብጃንዳ እንዳ ተቐንጸለ ውላዳ

እቲ ዘውጸኦቶ ካብ ከብዳ

ክንዲ ዓገብ ተዓኒዳ

<<ተማዕርግ ኣብ ዳሶም ጭፍራ ከይዳ<<

እንተ ንሕና ንሕና

ክንቃለስ ኢና ገና ገና

ኣይተተግበረን ሕድሪ ሰማእታትና

መሰሉ ኣይትሓለወን ህዝብና

ሓርነት ኣይነገሰን ኣብ ሃገርና

<ህግደፍ ምስ ተማሕዉ እዩ ዝድምደም ቃልስና<

ንስልጣን ኣይኮነን ቲ ነካይዶ ቃልሲ

ክኸብር ሸኽ ምስ ፈላሲ

ሃገርና ክትማሓዳደር ብደሞክራሲ

ብሕጊ ክኽሰስ እቲ ሃገር መፍረሲ፣

ወዱ ጓሉ ኩሉ

ጸረ ኢሰያስ ተላዒሉ

ንዝየርኢ ክርዳድ ካብ ሱሩ ነቂሉ

ደሞክራስያዊ ስርዓት ተኺሉ

ኤረትራዊ ከማሓድድር ሃገሩ ባዕሉ

ሹዑ ንሓርነት ዝተቃለሱ ይብሉ

ጻማና እንቋዕ ረኣናዮ

ከይተሓለልና ንዓመታት ዝተጸበናዮ

መንእሰይ መተካእታ ኮይኑ ካብ ራኣናዮ

ሕጂ ኢና ሕድሪ ሰማእታትና ዘራጋጊጽናዮ፣

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህይቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን