ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 05:44 صباحا - 16 06 1433 هـ (07 05 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል  41  ክፋክ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል  41  ክፋክ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ክትስሕና ኢኻ እታ ሓዊ

ኣየናይ ዲክታቶር ካብ ህዝባዊ ባርዕ ምስ ኣምለጠ

ተሓቢእካ ኣይንበርን ኣብ ውሻጠ…

VIC 2012.jpg

ዓጋታይ የብሉን ህዝባዊ ባርዕ

ማዓልቱ ቆጺሩ ንኹሉ የባርዕ

ቦታ የብሉን ዘይናቱ ዝበልዕ

ድምጺ ህዝቢ ይሕይል ካብ መድፍዕ…

ዝዃዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ እተዋ

ኤረትራ ምስ ህዝባ ክርህዋ

ሓንቲ ማዓልቲ ኣላ

ተሓቢእካ ኣይንበርን ኣብ ጉድጓድ ኣንጭዋ…

ዘደናገርካ እንተ ኣዳናገርካ

ዝሓሰኻ እንተ ሓስኻ

ሞይተ ተንሲኤ እንተበልካ

ካብኣ ዘበት ኣምሊጥካ

ዝኳዓትካያ ጉድጓድ ትኣትዋ ባዕልኻ…

እወ ንሱዩ እቲ ሓቂ

ንሓዋሩ ደቅስ ህዝብና ክቐስን

ሓላው ወሰን ሕጂ ወስን

ኤረትራዊያን ክንስስን

ህዝቢ ኤረትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን…

መራሒ ህግደፍ ሓኽሊ ድሙ

ብሰንክኻ መንእሰይ ካብ ዓዱ ሃዲሙ

ሃገር ኣጽኒትዋ ክዝሙ

ኛው ክብል ዝሓድር ከም ደማሙ

ቢኢዱ ነጊሱ ስልጣን ንህዝቢ ከይህብ ኣዲሙ

ኣማን ብኣማን ሓኽሊ ድሙ…

ትኽስ ድሙስ መዘንግዒ ኣናጹ

መራሒ ህግደፍ ሓዊ ወሊዑ ዝድቅስ

ኣቦን ወድን ዘባእስ

ንሕና ክንዲ ንከሶ ተመሊሲ ንሱ ይኸስስ

ክሳብ ማዓስ ደምና ከፍስስ

ከም ድራኩላ ብለይቲ ድም ሰትዩ ቀትሪ ዝድቅስ…

ዝዃዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ

ዕላማ ህዝብና ዝጠምዘዘ

ዘይሰድድ ንኺሱ ምስ ሐዘ

ህዝቢ ኣጥምዩ ወትሩ ምስ ደቀሰ…

ዝዃዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ

ትንቢቱ ሰሚሩሉ

ደቂሱ ዝሓድር ጀጋኑ ቀቲሉ

ስለ ዝዓሸናሉ

ይነብር ኣሎ ደቀባት መቓቒሉ

ደቂ ኤረይ ሃየ ሕጂ  ተላዓሉ

ዝዃዓታ ጉድጓድ ክኣትዋ ባዕሉ…

ክሳብ ማዓስ ትም ሕጂ ንለብብም

ምጥምማት እንታይ ይጠቅም

ቀሪቡዩ ህግደፍ ክብል ግስም

ተቃውሞና ንጃንዳ ኣርዒድዎም

ስመር ገዛና ሕጂ ግርም ሕጂ ግርም…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን