ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 05:46 صباحا - 02 07 1433 هـ (22 05 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 44 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 44 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኤረትራ ደም ትነብዕ ኣላ

ተዋሪዳ ብለያቡ ምሕደራ ዕዋላ

from Ber.jpg

ንሰላማዊ ሰልፊ ንዳሎ

ንሕጊ ኣልቦ የኣኽለካ ክንብሎ

ኤረና ኩሑሎ ለብዘበን ሓዲኡሎ

ንኣረመናዊ ስርዓት ንደምስሳ

ንበገስ ንንብዓት ኣደታት ክንሕብሳ

ያኣክል ባርነት

ስመር ንዳግማይ ሓርነት

ህዝብና ክረክብ ቅሳነት

ድሕሪ 21 ዓመት

ክነስተማቅሮ ንነጻነት…

ዕላማ ስዉኣትና ክክበር

ንሕበር ኣብ ሓደ መስመር

ሓቢርና ሕቆ ህግደፍ ንስበር

ዝደቀሰ ሕጂ ይግባእ ክባራበር…

ንዳሎ ንሰላማዊ ሰልፊ

ነታ ክብርቲ ማዓልቲ ክንጽንብላ

ነታ ብሸፋቱ ሳሕል ተባሒታ ዘላ

ክነእውየላ

ወላዲት ጀጋኑ ዝተበደለቶ ይኣኽላ

ኣብ ቅርዓት ወጺና ኡይ ንበለላ…

ን24 ግንቦት ክነኽብራ

ኣይውክሉናን ንበሎም ንጭፍራ

ናይ ኤረትራ ውድባትን ሰልፍታትን

ምጥምማት የኣክል ስመራ

ቅድም ድሕነት ህዝቢ ኣውራ

ንህግደፍ ኣሊኽን ኣብ ኤረትራ

ኣብ ስልጣን ክትዋዳደራ

ንዳሎ ንሰላማዊ ሰልፊ

ስመሩ ብህዝቢ ክትከብሩ

መንእሰያት ሰሚርኩም ነድሩ

እንቢ ንምልኪ ኢልኩም ጨድሩ

ንጭፍራ ህግደፍ ክተባርሩ

ደቂ ሃገር ምስ ዝሓብሩ

ጸላእቶም የባርሩ

ሓቢርና ንህግደፍ ነሕጽሮ ዕምሩ…

ኩሉ ወዲ ሃገር

እጃሙ ይግበር

ጉጅለ ኢሰያስ ክባረር

ዓቢ ምስ ንእሽቶ ንስመር

ሎሚ ዘይሰመረ

ኣይብቑሊ ኣይፍረ

እንዳ ረኣየ ዝዓወረ

ምስ ወግሔ

ዝመደር እንተ መደረ

የሎን ዝብለሉ ይቅረ..

ዓመት ማለት 12 ወርሒ

ደጊም ተጣዒሱ ፍርሒ

ደለይቲ ፍትሒ

ይስስኑ ኣለዉ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ

ፎእ ተባሂሉ ናይ ህግደፍ መምርሒ

ናይ ህግደፍ መራሒ

ሓንሳብ ሞይተ ሓንሳብ ኣለኹ

ይብል ኣሎ ተዋሒጡ ብፍርሒ…

ንዳሎ ንሰላማዊ ሰልፊ

ገዛ ስመር ጥርናፊት ናይ ኩሉ

ብገዛ ስመር ጉሒላ ሳሕል ተጸሊሉ

ኩሉ ፈሊጥዎ ተግባሩ ኣመሉ

ተረዲእዎ ሕጂ ህዝቢ ቆጽሊ

ከም ዘይ ኣንበረሉ

ኣብ ገዛ ስመር

ሑቡእ ምስጢሩ ተበሊሉ

ዘገርምዩ ኣብ ዓመትስ እዚ ኹሉ

ገዛ ስመር

ህግደፍ ሕቑኡ ሰራቶ

መሬት ብቀትሩ ጸልሚታቶ

ቀሪቡዩ ውድቀትካ ጽላእ ፍቶ

ኣውሊዔይ ባንደራ

ክትንበልብል ኣብ ፍርቶ

ንቋዕ እዚ ራኣና

ኑኡስና ዓቢና ተኣኻኺብና

ተወዲብና ሰሚርና

ንጃንዳ ኣርኢድና

ስመርርር ኮይኑ ጭርሖና

እተን ዋዕሮታት ኣብ ጎድንና

ንናይ ድያስፎራ ህግደፍ መኪትና

ዉዑይ ደም ዘለዎም መንእሰያትና

ኣብ ቅድመና ኣብ ሞንጎና

ጭርሕና ፎእ ንህግደፍ ሰብ ደምና…

ወይለኦም እቶም

ክሳብ ዕርብቱ ንኺድ ዝብሉ

ሕጂ እንተ ዘይሓሰብሉ

ምስኡ ይኽንበሉ

ገመል ሓዋይ ከም ቀደሙ ነቂሉ

ኣብ ጎኒ ደለይት ፍትሒ ደው ኢሉ

ወይለኹም ኣቱም ንሕና ንሱ ትብሉ

ክንዲ ጭፍራ ትከላኸሉ

ቀሪብና ኢና ክንብል ንኹሉ

እንቋዕ ኣርከብናሉ…

ንዳሎ ንሰላማዊ ሰልፊ

ንጃንዳ ዕምሮም ክሓጽሩ

ምስ ሳዓብቶም ተዃሉ

ሩሑቅ ኣይኮነን ኩሉ

ወደባት ንሃገሩ ዝምለሰሉ

ሩሑቅ ኣይኮነን ህዝብና ባዕሉ

ይኾነና ዝበሎ ዝመርጸሉ

ሩሑቅ ኣይኮነን

ኤረትራ ንኤረትራዊያን ትኾነሉ..

ዓወት ንኣመላእ ዓለም ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት

ዓወት ንኮንፈረንስ ዋሽንቶን ዲሲን ዓወትን፣EYS,EYSC

//ንምትሕንፋጽ እተካይድዎ ሰሚናር ድማ ዓወት እምነየልኩም//

//ዓወት ንሓነትታዊን ፍትሓዊን  እነካይዶ ቃልስና//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን