ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኤርት&#4651
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 08:39 ΥΘΗΝΗ - 03 07 1433 εά (23 05 2012 γ)

ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

 


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

 

ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ ብሰላማውን ዓመጻውን ኣገባብ ን50 ዓመታት ዝኣክል መሪር ቃልሲ ብምክያድ፡ ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ከፊሎም፡ 24 ግንቦት 1991 ሃገራዊ ነጻነቶም ክጭብጡ ስለዝበቕዑ፡ ኣብ ታሪኽና ዓቢ ምዕራፍ ዝሕዝ ኩሉ ግዜ ዘንጸባርቕ ተርኽቦ’ዩ። ይኹን ደኣምበር ብኢደ-ወነኑ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ህግደፍ፡ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ባህርን ዓላማን ዝወነነ ስለዝኾነ፡ ሃገራዊ ነጻነትና ተራን ስማዊትን ኮይና በርዒና፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ናይ ህዝብታትና ተጋሂሱ፡ ፖለቲካዊ ጭቆናን ቁጠባዊ ምዝመዛን ብዝኸፍአ መልከዖም ተጋሂዶም፡ ሕቶ ደሞክራስን ልምዓትን ተዓጊቱ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ መሊኡ ቅሂሙ፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ትሕቲ ኩለ-መዳያዊ ሓሳረ-መከራ ብምዃን ኢና መዓልቲ ሃገራዊ ነጻነትና ንመበል 21 ዓመት ነኽብራ ዘለና።

ሃገራዊ ነጻነትና እዞም ዝተጠቕሱ መሰላትን ጠቕሚታትን ብምሕራምን ብምስኣንን ጥራሕ ኣይኮናን  እንዝክራ ዘለና። እንታይ ደኣ ብስእነትን  ድኽነትን እናተሳቐና፡ ዋሕዚ ስደት ከም ህዝብን ሃገርን  መለለይና ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት፡ ጊላዊ ምዝመዛን ንግዲ ደቂ-ሰባትን ኣብ ዝነገሰሉ፡ ኣማንን ደጋፍን ስኢና ኣብ ናይ ተንጽሎ ታኼላ ዝተሸመት ሃገር ኮይና ብሓደ ገጽ፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣህጉራዊ ተነጽሎን ተደጋጋሚ ማዕቀብን ኣጋጢምዎ፡ ናብ ዓቕሊ ጽበታዊ ኩነታት ተሳጢሑ፡ መንግስታዊ መሓውራቱ ጠስጢሱ፡ ውሽጣዊ ውህደትን ርግኣትን ኣጥፊኡ፡ ኣብ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቁሩቁስ ተጸሚዱ፡ ብሰንኪ ተዂታዂ ተግባራቱ ዘንጸላልዎ ዘሎ ናይ ግብረ-መልሳዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዑል ጭንቀትን ራዕድን ኣትዩ እንዳተሓቑነ፡ ብስም “ሃገራዊ ምክልኻል” ዝብል ዝበለየ ጭርሖ ዘየቋርጽ ናይ ግፋ ማዕበል እናካየደ፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ምርጭኡ ኣብ ዝዛየደሉ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ኣዝዩ ጽልሙትን  ኣሰካፍን ኩነታት ኮይና’ውን ኢና ንዝክራ ዘለና።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ነዛ ብከቢድ ቃልስን መስዋእትን ዘረጋገጽናያ ክብርቲ ዕለት ከነኽብር እንከለና፡ ብጭቆናን ምዝመዛን መከራን ተኸቢብና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ጭቆናን ምዝመዛን ኩለ-መዳያዊ መከራን ንምልቓቕ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ሰውራዊ ቃልሲ እናካየድና፡ ተቓዋሚ ሓይልታትና ካብ ካልእ ግዜ ብዝሓሸ ውህደትን ውዳበን ተስፋ ብዝህብ ኣገባብ ኣንጻር ጸላኢ እናተቓለሰ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህግደፍ ከቢድ ፍርሕን ራዕድን ፈጢሩ፡ መላኺ ስርዓት ብምውጋድ ዝተማለአ ነጻነትን ደሞክራስያዊ ለውጥን ንምምጻእ ዝገበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ዝሕግዝ፡ ኣወንታዊ ስጉምትን  ምዕብልናን ኣብ ዘርእየሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘይተፈልዮ ውድዕነት ኮይና ነኽብራ ብምህላውና፡ ዓወት ዕላማታትና ኣብ ዘመላኽትን  ንቐጻሊ ቃልሲ ዘተባብዕን ኩነታት ኮይና ኢና እነኽብራ ዘለና። ስለዝኾነ ናይ ጭቆና ኣርዑት ኣብ ሓጺር ግዜ  ብምስባር፡ ዝተማለአ ሃገራዊ ዓወት ንምርግጋጽ ክንበቅዕ፡ ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተሳትፎኹም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣዕዚዝኩም ክትቃለሱ ደሞራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/  በዛ ታሪኻዊት ዕለት ናይ ቃልሲ ጻዊዒታ ተቕርብ።

ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ! ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ ብምውጋድ፡ ሰላምን ምርግጋእን  ደሞክራስን ፍትሕን ልምዓትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና፡ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ተሳትፎን ተራ ናይ ቃልስን ካብ ናይ ዝሓለፈ መስርሕ ቃልሲ ብዝምድናዊ ዝሓሸ ውዳበን  ምውህሃውድ ብምፍጣር፡ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ቃልሲ እጃም፡  ኣወንታውን ዘተባብዕን ምዃኑ፡ ንዝኾነ ኣካል ክኽወል ዘይከኣል ሓቂ’ዩ።

ይኹን ደኣምበር፡ ምስ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ናይ ምንቁልቋል ውድቀትን ምብትታንን  ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ግን፡ ኣዝዩ ንኡስ ዘገምታውን ዘየዛንን ተራን ንጥፈታትን’ዩ። ናይ’ዚ ተርእዮ’ዚ ጠንቂ ድማ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ግጉያት ሓሳባት /ትምክሕትን ጽበትን/ ብምብጋስ ውልቃውን ጉጅላውን ፖለቲካዊ ሕሳባትን ጠቕምን ናይ ምርግጋጽ ድሌትን ፈተነን ልዑል ቦታ ሒዙ ብምህላው፡ ናይ ስራሕ ተጎላባነትን ምቅጻጽን ሕድሕድ ምጥርጣርን ምንጽጻግን …ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘይሓገዝቲ ባህሪያትን ድሑራት ፖለቲካዊ ባህልታትን ህልዋት ብምዃኖም ዝፍጠር ዘሎ መሰረታዊ ጸገማት ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ካብ’ዚ ግጉይን ሓላኽን ተርእዮ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ቶም ብቓልሲ ዝመስረትናዮም ናይ ምሕዝነታዊ ቃልሲ መሳርሒ ዝኾኑ ግንባራትና ብስም ሓድነትን ካልኦት ወድዓውነት ዘይብሎም ፖለቲካዊ ምስምሳት ብምንጽብራቕ፡ ካብ ህዝብታትና ግዝያዊ ደገፍን ተፈታውነትን ንምርካብ ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ፡ ግንባራት ኣፍሪስካ፡ ናብ ሓደ ናይ ምጽማቕ ባዕላዊ ከንቱ ፈተነታትን …ወዘተ ተደማሚሮም፡ ተቓወምቲ ሓይልታትና ካብኣቶም ዝጥለብ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ብከም’ቲ ዝድለን ትጽቢት ዝግበረሉን መጠን፡ ለጠቕ ክብል ዝድርኽ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ህልዊ ስለዝኾነ’ዩ። 

እዚ ተርእዮ’ዚ ንደምበ ተቓዋማይ ሓይልና ቀይዱ ብመሓዝ ክለምስ ዝገብር ዘሎ ድኽመትን ጸገማትን  ብቃልሲ ከይፈታሕና፡ ህዝባዊ ቃልስና ብምዕዋት ናይ ህብዝታትናን ሃገርናን ሽግርን ክንፈትሕ በፍጹም ኣይንኽእልን ኢና። ስለዝኾነ ኣብ ውልቀ ውድባትናን ሕድሕድናን ዘለው ጸገማት፡ ድኽመታት ንምውጋድ እናተቓለስና ነብስ-ወከፍ ምልካዊ ስርዓት ብምውጋድ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ፡ ጉጅለ፣ ውድብ፣ ምንቅስቓስ፣ ስቪክ ማሕበር፣ ግንባራት …ወዘተ ተወሃሂድና ተደጋጊፍናን ናይ ቃልሲ ዓቕምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚ ደግሓኤ ናይ ቃልሲ ጻዊዒታ እናቕረበት፡ ነዞም ኣገደስቲ ናይ ቃልሲ ዕማማት ንምዕዋት ተራኣ ክትጻወት ምዃና ቅሩብነታ ትገልጽ።

ውጹዓት ተቓለስቲ መንእሰያት ኤርትራ! ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ከም ኩሎም ውጹዓት ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ጭቆናን ምዝመዛን  ከም ዘለዎ ኮይኑ፡  ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ከኣ ብፍላይ፡ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን፡ ታሪኻውን ማሕበራውን ሓላፍነት ናይ ምስካም ዕድሉ ንምቑጻይ ዝዓለመ ዘስካሕክሕ ጊላዊ ምዝመዛ እናተኻየደሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህብ እናተገደደ፡  ግዳይ ነጋዶ ሸየጥቲ ደቂ-ሰባትን ማፍያታትን እናኾነ፡ ንስደትን ናይ ስደት ጸገማትን ተሳጢሑ፡ ማሕበራዊ ሰረቱ ከም ዝዛባዕ እናተገብረ ኣብ ዘይጻሒ ጸገማት ኮይኑ’ዩ ን24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትና ንመበል 21 ዓመት ዘኽብራ ዘሎ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ተቓለስቲ መንእሰያት ኤርትራ ንዝወርዶም ዘሎ ሓፈሻውን ፍሉይን ጭቆናን ምዝመዛን ስቅያትን ንምውጋድ ኣብ ቀጽሪ ሓርነታዊ ቃልስና እናሰፍሐን እናሓየለን ዝኸይድ ዘሎ፡ ልዑል ናይ ቃልሲ እጃም የካይዱ ምህላዎም ዘየካትዕ ዝተጨበጠ ሓቂ’ዩ።

ስለዝኾነ ተቓለስቲ መንእሰይትና ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ደልዲሉ፡ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ምዕዋት ልዑል ተራ ከበርክት መታን ክበቅዕ፡ መንእሰያትና ካብ ስምዒታውን ሓፈሻውነትን ዘይተፈልዮ ቃልሲ ምክያድ ተናጊፎም፡ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታትን መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብን መሪሕነትን ብምውናን ክቃለሱ ምስ ዝበቕዑ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ነዞም ኣገደስቲ ናይ ቃልሲ ዕላማትን መትከላትን መሳርሕን  ጨቢጦም ናይ ቃልሲ ተርኦም ኣበሪኾም ክቃለሱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ እናተባበዐት፡ ምስ መንእሰያትን ምንቅስቓሳትን  ውደባታትን  ናይ መንእሰያት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሓቢራ ክትቃለስ ቅርብቲ ምህላዋ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክትገልጽ ትፈቱ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ! ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ክብርቲ ዕለት ግን ከኣ፡  ብሰንኪ ህግደፍ ዝበርዓነት ሃገራዊ ነጻነት ንመበል 21 ዓመት ከተኽብራ ከለኽን እቲ ኣብ ልዕሌኽን ዝተጻዕነ ዝተለምደ ድርብ ወጽዓ በሪኹ፡ ከም ሕ/ሰብክን ናብ ጊላ ተቐይርክን ነቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዘገልግሉ ህጻናት ወሊድክን ንጊላዊ ኣገልግሎት ከተበርክታ ተፈሪድክን “ኣደ ኩሉ ነገር’ያ፡ መን ከም ኣደ” ዝብል ሸሓጢ ፕሮፖጋንዳ እናተቓላሓልክን በቶም በቲ ስርዓት ተጨውዮም ናይ ዝጠፍኡ ሰብኡትክን ደቅኽን ..ወዘተ ስውር ሓዘን ማሲንክን ብስእነትን ድኽነትን እናተሳቐኽን መዓልቲ ነጻነት ተኽብራ ምህላውክን ብሓደ ገጽ፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኽንን ልዕሌኽንን ዝበጽሕ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ጭቆናን  ምዝመዛን ተቓዊምክን ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንምውጋድ ኣብ መቓብሩ ክስረት ዝድለ ዘሎ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምላስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ እተበርክታኦ ዘለኽን ኣንጸባራቒ እጃም ንዓኻትክን ሰብ ቤት ናይ’ቲ ኣበርክቶን ቃልስን ዝኾንክን ምርዳእ ዘየድሊዮ ግሉጽ ሓቂ’ዩ።

ይኹን ደኣምበር ዝያዳ ልዑል ናይ ቃልሲ ተራ ክትጻወታ ንኽትበቕዓ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስውር፡ ኣብ ወጻኢ/ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ቃልሲ ፎሮማትን ሓውሲ ውዳበን ውዱብ ምንቅስቓሳትን ብምጥቃም ተካይዳኦ ዘለኽን ቃልሲ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ንምሕያል፡ ዝተጸንዐ ዕላማታትን ዝተወደበ ውድብን መሪሕነትን ብምውናን  ብብቕዓት ናብ ክትቃለሳሉ እትኽእላ ኩነታት ከተሰጋግራኦ ዝጠልበክን ኩነታት ህልዊ ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክጥቀስ ዝግበኦ ጉዳይ’ዩ። ስለዝኾነ ደግሓኤ ዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ብምጭባጥ ከቃልሰክን ዝኽእል ውድብ ብምውናን ክትቃለሳ እናተባበዐት፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምሳኻትክን ሓቢራ ንምቅላስ ድልውቲ ምዃና፡ በዛ ታሪኻዊት ዕለት ክትገልጽ ትፈቱ።

ውጹዓት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን /ህዝብታት/ ኤርትራ! ብሄራትን ብሂረ-ሰባትን ኤርትራ መንግስቲ ህግደፍ መወዳድርቲ ብዘይብሉ ደርባውን ብሄራውን ጭቆና ኣብ ልዕሌኹም እናካየደ፡ ናብ ህልቂትን ምብትታንን ዝደፍእ ኩነታት ብምስጣሕ፡ ነቲ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ጀሚሩ ዝኸሓዶ ብሂራዊ ህልውናን መሰልኩምን ከም ዝጸንሖ እናሃለወ፡ “ባህሊ ብሄራት ኤርትራ” ብምባል እናሓጨጨ ሎሚ ዓመት’ውን ብኸምቲ ዝተለምደ ንባህልኹምን ቋንቋኹምን  ብዝጥዕሞ ብምጥቃም ነዛ ብሰንኩ ስምን ታሪኽን ሒዛ ዘላ መዓልቲ ነጻነትና መመሳመሲ ብምጥቃም ንዝተረመሰን ዝተዛበዐን መንግስታዊ ህልውንኡ ንምሽፋን’ዩ ዝጥቀመልኩም ዘሎ። 

ብተወሳኺ ባዕሉ ብዝሰኣሎም ናይ ግዳም ጸላእቲ ዝብሎም ኣስማት ደጋጊሙ ብምጥቃስ ኣብ ንጹህ ሃገራዊ ስምዒት ብምሕባእ /ብምብላጽ/ “ወራር የንጸላልወና ኣሎ ንምፍሻሉ ክተት ተሰልፍ” ዝብል ናይ ፈጠራ ፕሮፖጋንዳ እናነፍሐ፡ ዕድመ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ሃልኪ እናካየደ’ዩ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ነጻነት ዘኽብራ ዘሎ። ይኹን’ምበር ፖለቲካውን ስነ-ጥበባውን ጎስጓሳት ክንዲ ዝተደጋገመ እንተተደጋገመ፡ ኩለ-መዳያዊ ጸገማትኩምን ወጽዓኹምን ክኸብድን ዕድመ ክቕጽል ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ዋላ ብዝነኣሰ ደረጃ ዝግለጽ’ውን ይኹን ኣወንታ ስለዘይብሉ ክንኩንኖን ክንቃለሶን’ዩ ዝህልወና።

 

ስለዝኾነ ውጹዓት ተቓለስቲ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ነጻነትና ከም መሐየሊ ህዝባዊ ቃልስና ብምጥቃም፡ እናሻዕ ዝዝውተር ዘሎ መደናገሪ ፖለቲካዊ መናፍሓት ብምምካት ብዘይክኡ ካልእ ጸላእን ዓማጽን ከምዘይብልና፡ ብልበ-ምሉእነት ገምጊምና፡ ሓደሽ ወነን ሞራልን ብምስናቕ ኣብ መቓብር መንግስቲ ህግደፍ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት ሃገራዊ ዓቕምናን ትሕዝቶናን ኣብ ቃልሲ ብምውዳድ ጸኒዕና ንቃለስ ዝብል ደግሓኤ ናይ ቃልሲ ጻዊዒታ ተቕርበልኩም።

 

ብህግደፍ ስምን ታሪኽን ጥራሕ ሒዛ ዝተረፈት ነጻነት መሊኣ ሂወት ንምልባስ ንቃለስ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

( ደግሓኤ)

24 ግንቦት 2012