ህ.ሽ.ሃ.ባ. በይ ኤርያ
نشر من قبل omaal في 06:15 صباحا - 27 07 1433 هـ (16 06 2012 م)

 ህ.ሽ.ሃ.ባ. በይ ኤርያ

ምስ ደራሲ ረድኢ መሓሪ ህዝባዊ ሰሚናር የዳሉ

 


تفاصيل الخبر

 ህ.ሽ.ሃ.ባ. በይ ኤርያ

ምስ ደራሲ ረድኢ መሓሪ ህዝባዊ ሰሚናር የዳሉ

ህዝባዊ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ በይ-ኤርያ ተመስሪቱ ኣብ ስራሕ ካብ ዝዋፈር ካልኣይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንደራሲ ረድኢ መሓሪ ኣብ ወርሒ ሰነ ዕለት 30 ንተቐማጢ በይ-ኤርያ ከቕርበሉ ኣብ ምድላዋት ይርከብ። ደራሲ ረድኢ፡ ኣቀራርብኡ ከመይ ከምዝኸውን? እዚ ሰሚናር እዚ ንረብሓ ቃልስና ከመይ ጌርና ክንጥቀመሉ ንኽእል? ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ኣርእስትታት ምስቶም ክዛረበሎም ሰሪዕዎም ዝነበሩ ኣጀንዳታቱ ኣቐሚጡ ንኽመያየጥ፡ እቲ ህዝባዊ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኦክላንድ ተኣኪቡ ውዒሉ።

እዚ ሰሚናር እዚ መንቀሊ ኣርእስቱ ብዛዕባ ረድኢ ዝደረሳ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ዝሽማ መጽሓፍ፡ መግለጺ ንምሃብ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ህዝባዊ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ፡ ምስ ደራሲ ኣፍ ንኣፍ ተራኺብና ብዛዕባ ቁምነገርን ዕላማን መጽሓፉ ንኽንዛረብን ንኽንሓትትን፡ ምስ እዚ ዘሎናዮ ፖለቲክዊ ኩነታት ኣዛሚድና ክንምሃርን፡ ንሽግራት ቃልስና መፍትሒ ከነናድን፡ ዓቢ ዕድል ከቕርበልና ምድላዉ የመስግኖ።

ሓያሎ ክፋል ናይታ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታማ በብምዕራፍ ኣብ ወብ-ሳይታት ተዘርጊሓ ስለዝነበረት፡ ነቲ ኣብዚ ሰሚናር እዚ ክካፈል ዝመጽእ ዜጋ ሓጋዚ ክኸውን እዩ። ብዝያዳ ከኣ ኣብ በይ-ኤርያ ተዘርጊሓ ስለዘላ ኣኼባኛ ብምልእታ ኣንቢቡዋ ምስ ዝመጽእ፡ ንትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ኣገዳስን ዝሃብተመን ክገብሮ ይኽእል። ኣብቲ መጽሓፍ ዘይተረዳእናዮ ታሪኻት ወይ ነጥብታት እንተሎ ክንሓትትን ዝያዳ ክንድህስስን፡ ምሉእ ዕድል ክንረክብ ስለዝኾና ከኣ፡ ንተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብዚ ሰሚናር እዚ ምክፋል ዓቢ መኽሰብ እዩ።

ረድኢ መሓሪ ሽሕኳ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተኾነ፡ ካብቲ ባህርያት ናይ ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር ወጺኡ፡ ተገቲሩ ንምልኪ ምቅልዑን ብድሆ ምባሉን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ኣሎ እብል። ካብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሰዱ ተጋደልቲ ህ.ግ. ነበር እዚ ባህርያት እዚ፡ ኣብ ቁንጣሮ ሰባት ጥራይ ተወሲኑ ምትራፉ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ጎዲእዎ ኣሎ። ዘገረምን ዘይእመንን እዩ!! ካብ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ሎሚ ንምሉእ ሂወቱ ብምልኪ ዝተደግደገ ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር፡ ብውሽጢ ልቡን ሕልናኡን ጸረ-ምልኪ ኾይኑ ሕርቃኑ ንዓመታት ኣብ ኩርምቱ ነኺስዋ እኳ ይነብር እንተሃለወ፡ ኣሽሓት ማይልስ ካብ ዓዱ ምስ ዝርሕቕ፡ ኣንጻር ምልኪ ምቅላስ እኳ እንተተረፎ፡ ነቲ ዘሕለፎ ታሪኽ ዓው ኢሉ ከድግም ትብዓት ኣይረኸበን። ብሓጺሩ ከም ህዝቡ ተጸባይ ለውጢ ኾይኑ ክተርፍ መሪጹ።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ነቲ ንኡስ ወለዶ ኣብነት ክኾኖ ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ዝኸፍኣ ዘስዓቦ ጉድኣት፡ እቲ ናይ ሱቕታን ስዩማዊን ዝምባሌኡ ነዚ ወለዶ እዚ ኣመሓላሊፉ ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ብምድዋዩ እዩ። ተባዕ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡ ነቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሳይናይ ጅሆ ዝተታሕዙ ጸገሞም ንኸቃልሕ እሞ ረዲኤት ንኽረኽቡ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘጋጠሞም ውልቃዊ ሽግራት ንኽገልጹ ይሽገሩን ይፈርሑን ከምዝነበሩ ካብቲ ቃለ-መጠይቕ ንርዳእ። ተቓወምቲ እንዕዘቦ ካብኡ ዝገደደ ሕማቕ ትርኢት ከኣ ኣሎ። እቲ ዝወረዶም ኩነታት ሳዕቤን ኣስካሕካሒ ጭቆናን ዓመጽን ስርዓት ኢሳያስ ከም ምዃኑ ፍሉጥ ክነሱ፡ ጸረ-ጭቆና ደው ክብሉ እዮም ዝብል ትጽቢት እንዳተነብረሎም እንከሎ፡ ገጾም ጎልቢቦም ተሳኢሎም ክንርእዮም እንከሎና ንምርኣዮም ብሕፍረት ተዋሒጥና ገጽና እንዳኸወልና ኣብ ጽፍርና ክንኣቱ ንደሊ።

እዚ ኹሉ ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረዶም ግፍዒ ዘኸተሎ ሳዕቤን ንምንእኣስ ወይ ከኣ ነቲ ንምሉእ ዕድሜኡ ተጋዲሉ ነጻነት ዘምጽአ፡ ስለምንታይ ሕጂ ኸ ከም እንደገና ዘይተበጀኻ? ስለምንታይ ኣብነት ዘይኮንካ? ብማለት ንምንቃፉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ተሰዲዱ ንምልኪ ብቓልዕ ዝብድህ ዘሎ ብኣጻብዕ ዝቑጸር ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር ዓቢ ኣኽብሮት ከም ዘሎኒ ንምግላጽ እዩ። ረድኢ መሓሪ ንዕላማ ስውእት ብጾትና ኣይንጥለም እንዳበለ ንምልኪ ኢሳያስ ብድሆ ዝብል ዘሎ ዜጋ ስለዝኾነ ከኣ ከማኻስ ይብዝሑ እብሎ።

ካብኡ ተሪፉ ኣብ ሃገር ስደት ብውልቀ ይኹን ብውድባት ተጣራኒፍና ብዘየገድስ፡ እቲ ዝጥለብ ዘሎ ስራሕን ለውጥን፡ ማለት ንስርዓት ኢሳያስ ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምድርባይ፡ ጻዕርን መስዋእትነትን ዝሓትት ካብ ኮነ፡ “ባዕሉ ዝፈራረስ ዘሎ ስርዓት፡ ንስኻ እንታይ ዝገበርካዮ ነገር ኣሎ?” ንዝብል ሕቶ፡ ክምልሶ ዝኽእል ዜጋ ወይ ውድብ ስለዘየለ፡ መን እዩ እሞ ንመን ክሓምዮ? መን እዩ ኸ ንመን ክነቅፍ መሰል ዘለዎ? ምኽንያቱ፡ ኣብ መሬት ስደት ኮይኑ እቃወም ኣለኹ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ውልቀ-ሰቡ ይኹን ውድባቱ ናይ ቀምሸ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ ሓሓድሽ ፖለቲካዊ ምኽኒታት በብመድረኹ እንዳመሃዘን እንዳቐያየረን፡ ተጸባያይ ለውጢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ክሳብ ዕለት ሎሚ ንኢሳያስ ጽንጽያ ዓይኑ ከንፍረሉ ኣብ ስራሕ ዝተበገሰ ኣይረኣኹን።

ስለዚ ሱቕታ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር ካብቲ ኣብ መሬት ስደት ኮይኑ እቃወም ኣለኹ ዝብል ባእታ ወይ ውድባት ዝፈልዮ የብሉን። ብዝያዳ እኳ ድኣ እቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ስለዝኾነ፡ እቲ ማዕበል ለውጢ ድማ ዘገም እንዳበለ ምትስኡ ስለዘይተርፎ፡ እዚ ተርእዮ እዚ ምስ ተቐልቀለ፡ እቲ ዝበዝሐ ተጋዳላይ ነበር ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለዘሎ፡ ካብ ስቚታኡ ወጺኡ ነቲ ለውጢ ብወሳኒ ደረጃ ከምዝሕወሶ ጥርጥር የብለይን።

ረድኢ መሓሪ ንሃገራዊ ነጻነት ዓጢቑ ብሂወቱ ዝኣተወ ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዓመጽ ስርዓት ኢሳያስ ብቐጥታ ዝሰሓኖ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዓይነ-ምስክራዊ ትዕዝብትን ተሞክሮን ዘዋህለለን ብምዃኑ እዚ ሰሚናር እዚ ኣገዳሲ እዩ። ታሪኽ ንዘለናዮ ኩነታት ክንግምግም ክንመዝን፡ ከነዋዳድርን ክንእርምን ዝጠቕመና ፍልጠት ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ሰሚናር እዚ፡ “ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ” ምስ ህሉው ኩነታትና ተዛሚዳ ንዘለዉ ሽግራት ቃልስና መፍትሒ ዝኾኑ ርእይቶታ ከተቕርበልና ንጽበ።

ምስጢር ውድብ ንምፍላጥ ህርድግ ምባል ብሞት የቕጽዕ፡ ዝብል ሕግታት እንዳኣንበበ ነጻነት ዘምጽአ ቃልሲ ህ.ግ.፡ ፖለቲካዊ ታሪኹ፡ ታሪኽ ምስጢራት ኢሳያስን ዘስዓቦ ዕንወትን እዩ። በዚ ምስጢራት እዚ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ

ፈሺሉ ሕልሚ ኾይኑ ብምትራፉ፡ ራእሲ ትግራይ ትግሪኚ ኣይኮነ፡ ንጉስ ዓባይ ኢትዮጵያ ምዃን ኣይተረኽበ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኢሳያስ “እዚ ኹሉ ዓመታት ዝሓለምክዎ ኣይኮነለይን፡” ካብ ዝብል ዕብዳን ተበጊሱ “እዛ ሃገር እዚኣ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ፡” እንዳበለ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ጉድኣት የስዕብ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ጉድኣቱ ንሓርነታዊ ቃልሲ ደው ከምዝብል ምግባሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራ ከም ሃገር ክትቀውም ከምዘይትኽእል ንምግባር ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እዩ። “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ብሰፊሑ ኣቃሊዓቶ ዘላ ታሪኻዊ ግድል እዩ። ነቲ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ስሩ ተማሕዮ ክቕበር ኣለዎ ዝብል ዕላማ ተቓዉሞ ደምበ ኸኣ ዝያዳ ኣድሚቓቶ ኣላ።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክፍታሕ ዘለዎ ታሪኻዊ ግድል ተቓውሞ ደምበ ኣሎና። እሞ ረድኢ መሓሪ ነዚ ግድል እዚ ኸ ብኸመይ ይርእዮ ኾን ይኸውን። እንታይ መፍትሒ ኸ ከቕርበሉ ይኸውን? ታሪኽ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህ.ግ. ታሪኽ ምስጢራት ኢሳያስን ዘስዓቦ ጉድኣትን እዩ ካብ በልኩ፡ ታሪኽ ተቓወምቲ ውድባት ከ ብኸመይ ትገልጾ ትብሉኒ ትህልዉ። ናይዚ ዕስራ ዓመታት ክሳብ ዕለት ሎሚ ዘሎ ታሪኽ እንተድኣ ክግምግም ኮይነ፡ ታሪኽ መቚጸርን መወዳእታን ዝተሳእኖ ኣኼባታትን፡ ታሪኽ ምድስካል ሓርነታዊ ቃልስን እዩ ምበልኩ።

ታሪኽ ኣኼባታት ዘብለኒ ምኽንያት፡ እቲ ቃልሲ ኣብኡ ጥራይ ተሓጺሩ ካብ ኣኼባታት ወጻኢ ፍሕት ከይበለ ብምትራፉ እዩ። ኣብዚ 20 ዓመታት እዚ፡ ተቓወምቲ ውድባት ብውልቀን ይኹን ሓቢረን ዘካየድኦ ኣኼባታት ቚጽሩ ክንደይ ኮነ ይኸውን? ምግናን ከይትብሉኒ እቲ ቑጽሪ ኣይሕሱን እዩ እሞ እስከ ክንጽብጽብ ንፈትን። ሓንቲ ውድብ 5 ኣኼባታት ኣብ ዓመት፡ 100 ኣብ 20 ዓመት። ናይ 20/30 ውድባት ተደማሚሩ ከኣ ልዕሊ 2000 ኣኼባታት ኣብ 20 ዓመት ይኸውን። እንታይ ድኣ ኣፍርዩ? እንተተባህለ፡ ኣኼባታት እንዳኣጎዱ ክልፍልፉ ውዕል-ሕድር ኢሎም ዘይርብርቡ ተቓወምቲ ዜጋታት።

እቲ ዘገርም ሸነኹ ኸኣ፡ እዚ ኹሉ ዝሓለፈ ኣኼባታት፡ መንቀሊ ዕላምኡ ንኢሳያስን ስርዓቱን ንምውዳቕ ኢሉ ካብ ሓንጸጸ፡ ኣብዚ መቚጸሪ ዘይብሉ ኣኼባታት እዚ፡ ብሓቂ ንኢሳያስ ከመይ ጌርና ነውድቖ? ንምውዳቑ ኸ እንታይ ክንሰርሕ ቀኒና? በየናይ ወገኑ ሃሲናዮ? ሕጂ ኸ በየናይ ሸነኹ ክንኣትዎ ኣሎና? ዝብል ኣርእስቲ ተኣጒዱ ይፈልጥ ዶ? ትሕዝቶን ታሪኽን ናይዚ ኣኼባታት እዚ ዘቃልዕ ካልኣይ ረድኢ መሓሪ የድልየና ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ መሬት ጠሊምዎ ብሓደ እግሩ ኣብ ደንደስ መቓብሩ ጠለይ-ጠለይ እንዳበለ ንህዝብና ብዘይ ሓንቲ ስግኣት ከሳቕዮ ዝቕጽል ዘሎ፡ መምዘኒ ናይ እዚ ኣሽሓት ውድባዊ ኣኼባታት እዚ እዩ።

ተቓዉሞና ኣብ መስመሩ ኣትዩ፡ ኣኼባታትና እቲ ዝድለ ኣርእስቲ ክኣጒድ፡ እሞ ኸኣ ቃልስና ናብ ስራሕ ክነቅል፡ ኣብ ተቓዉሞ ደምበ ዝርከቡ ኣደስከልቲ ቃልሲ ዘስዕብዎ ዘለዉ ጉድኣት ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ኣለሊናን ኣቃሊዕናን ደው ከነብሎም ክንበቅዕ ኣሎና። ብዝተረፈ እዚ ተቓዉሞ ደምበ እዚ ፈጣራይ ለውጢ ድዩ ተጸባያይ ለውጢ? ዝብል ሕቶን ጥርጣረ ህዝብን ኣብ ርእሲኡ ተንጠልጢልዎ፡ ካብዛ ዘለዋ ሓንቲ ስጉምቲ ክኸይድ ኣይክኽእልን እዩ። እቲ ግድል ተቓዉሞ ደምበ ካብ ቀደም ዝነበረ ስለዝኾነ፡ ንምልላዩ ኣሸጋሪ ኣይመስለንን። ኣነ እውን ሓዲሽ ነጥቢ ኣየምጻእኩን። እቲ ሕቶ ዘሎ ግና፡ “እሞ እንታይ ይገበር እዩ? ተቓውሞና ካብዚ ደስኪልዎ ዘሎ ኩነታት ከመይ ጌርና ነውጽኣዮ?” እዩ። ቁምነገር ሰሚናር በይ-ኤርያ ፍታሕ ዘናዲ ክኸውን ስለዝድለ፡ ረድኢ መሓሪ ከም ደራሳይ መጠን፡ ሓደ ክፋል ናይ ግዜኻ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ዓሊቡ ርእይቶኻ ከተስምዕ ወይ ከኣ ንተኻፋሊ ሰሚናር በይ ኤርያ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ኣእቲኻ መፍትሒ ከናዲ ክትብድሆ ትጽቢት እገብረልካ።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

06.14.12