ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 02:06 مساء - 07 08 1433 هـ (26 06 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል  50 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 50 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

 በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ER,s Under Tree 012.jpg

ሕድሪ ሰማእታትና ነተግብሮ
ክንዛተ ምእንቲ ኣብ እግሪ ዳዕሮ

ዘማታት ሰብዓታት ክንዝክሮ

ናይ ተበርህ ተስፋሁነይ

ጅግና ኤረትራዊት ዋዕሮ

ዘይከምተን ሃረምቲ ኮቦሮ…

ከም ኩለን ዋዕሮታት

ንነጻነት ኣጃማ ዘበርከተት

በጃ ህዝባ ዝሰንከለት

ከም የማነ ባርያ ሓርነት

ከየስተማቐረት

ዓዲ ሉልና ዝኸደት…

እወ ከምቲ ዜማ

ተበርህ ትስፋሁነይ

ኣብ ገዛና ዘለኹም

ተቐማጦ ሰብ ክራይ

ኪዱለይ ዉጹለይ

ኣይደልየኩምን እንበለይ

መጺኦምዮም ስድራይ

//ተባሂሉ ዝድረፍ ዝነበረ //

ሕጂ ኸኣ እንሆለይ

መግዛእቲ ህግደፍ ይገድድ

ካብ ምግዛእቲ ኣምሓራይ

ብህግደፍ ኣይግዛእን እብለይ

ኪዱለይ ዉጹለይ

መጺኦምዮም ስድራይ

ኤረና ኩሑሎ ዶ ብህግደፍ ትሕሎ

ለብዘበን ሓዲኡሎ እዩ ዝበሃል ዘሎ…

ሕጂ ግን ህግደፍ

ምስ ሰምዑ ድምጺ በዓል ሰጉድ

ኣትይዎም ዕብድብድ

ክንስጉድ ኢና ክንስጉድ

ዓድና ገዲፉ ክሳብ ዝወርድ

ኣሎ ውን ካብ ምስጓድ ዝገድድ…

ይበሃል ኣሎ ቱታ ቱታ

ስምረት ኤረትራዊያን እዚኣ ምልክታ

ሰሚረን እየን ናይ ኤረትራዊያን ዋልታ

ሰፍ ኤረትራዊያን ተመዚዛ እያ ካብ ላዓታ

ደጊም ሃገርና ክትማሓዳደር ብዋናታታ

ኣብ ኤረትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት

ክንተክል ናይ ህግደፍ መተካእታ…

ቀሪቡ ዩ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ

ኣቱም ዘይትሰሙዑ ግደፍ

ወይለኹም ዎይጦታት መንደፍ

ነባሪ ከይመስለኩም እንተበለ ዓዘፍዘፍ…

ዓዲ ጽቡቕ ኣላ እንዳ በልኩም

ንደለይቲ ፍትሒ ወያነ እንዳልኩም

እንዳ ኣጸለምኩም

በቲ ሓደ ድማ ንሱዳን ንኢትዮጵያ

ተስግሪ ነሕዋትኩም

ቶባእ ድሕሪ ደጊም

ሳዓብቲ ህግደፍ እንታይ ዩ ጸገምኩም

እንበር ዶ ናይ ኤረትራ ደም ኣሎኩም…

ከይኣክሎም ኣጽዲፎሞ ካብ ዓዱ

ዘይርስቶም ክዝርፉ ንደቀባት ይፈርዱ

ሓሶት ይደጋግሙ ቃላት ዓሊ ዓብዱ

ህዝብና ብሰዓብቲ ህግደፍ ተዋሪዱ…

መምርሕታት ፋሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ

ብምክልኻል ሓይልታ ጀሚሩ ክጣሓስ

ይባሃል ኣሎ ያኣክል ደም ንጹሃት ምፍሳስ

እወ ክሳብ ማዓስ

ብፋሽሽታዊ ስርዓት ደምና ክፈስስ

ክሳብ ማዓስ

ኢሰያስ ደም ኤረትራዊያን ክጎስዕ

ብዑሱባቱ መንእሰይ ኣካሉ ክብሳዕ

በርበረ ንዕጠኖም ክሳብ ዝብሎም ጻዕጻዕ

ንህዝብና ንምድሓን ሕጂ ንማባጻዕ…

Face of Alillg 012.jpg

ዝብኢ ምራኻት ሓሉ ምስ ተባህለ

ንበይነይ ፈጢሩለይ በለ…

እንታይ ገደሰኒ እንበር ሳዕሪሩ

ኩሉ ይርስዕዎ ዶብ ምስ ሰገሩ

ኣታ እዚ ህዝቢ እንታይ ዩ ሽግሩ

ተመሊሶም ንገፋዕቶም ዝግብሩ…

ህግደፍ ደኣ እንታይ ገደሶም

ካብ ኦም ሃዲሞም ስ ተመሊሶም

ክልተ ካብ ሚኢቲ እንዳ ከፈልዎም

ገሊእኩምስ ኣራጋጊጽኩም

ሕልና ኣልቦ ከም ዝኾንኩም

ረሲዕኩም ኣብ ዓዲ ከም

ዘለዉ ዝጽበዩ ንዓኹም

ንፍትሒ ክማጎትሎም

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ ልቢ ይሃብኩም

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክተበርክቱ እጃምኩም…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን