ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ስርሓቱ ብም&#
نشر من قبل omaal في 02:00 مساء - 15 08 1433 هـ (04 07 2012 م)

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ስርሓቱ ብምቅጻል ሰነዳቱ ብቅደም ተኽተል ኣጽዲቁ።

ኣድራሽ ሆተል ሲቲት - ሑመራ፡

04/07/2012

 


تفاصيل الخبر

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ስርሓቱ ብምቅጻል ሰነዳቱ ብቅደም ተኽተል ኣጽዲቁ።

Fedralia Jul 012A3.jpg

ኣድራሽ ሆተል ሲቲት - ሑመራ፡

04/07/2012

ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ስርሓቱ ብምቅጻል ቱማሊ ሰሉስ ኣብ ናይ ንግሆ ውዕልኡ ጉባኤኛታት ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ - ዕዩ ፈ.ደ.ም.ኤ ስፈሕ ሃናጺ ክትዕን ምይይጥን ኣብ መንጎ ክልቲ ውልዶታት ማለት ዓብይትን መንእስያትን ብምግባር ሰነ-ሓሳብን ርኢይቶን ብምስነናቕ ፈ.ደ.ም.ኤ ንህልውን መጻኢን ዕላማታቱ ብንጥፈት ንምፍጻምን ሓይል ፖለቲካዊ ኣካል ንክኽውንን ትሕስቶኡ እቲ መደብ ዕዩ ንምድንፋዕን ተዕዝብቲታትን መማርጺ ሓሳብትን ብምቅራብን እርማትን ምምሕያሻትን ብምንጻርን ጉባኤኛታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቁሞ።

Fedralia Jul 012 B3.jpg

ጉባኤ ኣብ ናይ ቅትሩ ውዕልኡ ምንቅስቓስና ዝሓልፎም መድረኻትን ዝጋጥሙዎ ብድሆታትን ኣብ ሃገራዊ ዕዩ ዝምዝገቡም ምኽሳቫትን ኣብ ግዕዞኡ ዝጋጥሙ ኣሎታትን ዝተረጋግጹ ኣውንታትን ዝማልአ ጠቕላላ ጸብጻብ ፈ.ደ.ም.ኤ ዓሚቕ ክተዕ ብምግባር ሕቶታት ካብ ጉባኤኛታት ድሕሪ ምልዓሉ ብመሪሕነት ፈ.ደ.ም.ኤ ኣዕቃቢ መልሲታት ርኺቦም።

ጉባኤ ስርሓቱ ኣብ ምክያድ እናህልወ ካብ ተጋ/ ኢብራሂም ሃሮን ኣቦ መንበር ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ደገፍ መግለጺ ብምሰዳድ ክልተኡ ውድባት ፈደራላዊ ሰርዓት ዝሓሸ መማርጺ ፍታሕ ህልዊ ጸገማት ኤርትራን ምዕቃብ ሃገራዊ ሓድነትን ምዃኑ ብምእማን ገድላዊ ሓድነት ብምደልዳል ንምፈጻሙ ከኣ፡ ሓብራዊ ጻዕሪታት ኣብ ምግባር ይርክቡ ምዃኖም ኣስሚሩ።

Fedralia Jul 012 C3.jpg

ጉባኤ ኣብ ናይ ሚሸት ውዕልኡ ኣብ ዝተፈላልዩ መዳያት ፈ.ደ.ም.ኤ ዝምርኩስለም መደባትን ትልምታትን ዝገልጽ ሰነድ መሪሕ ሓሳብ ዕቱብ ክተዕ ድሕሪ ምግባር ኣጽዲቁዎ። ጉባኤኛታት ን4ተኡ ሰነዳት ድሕሪ ምጽዳቕ ደምዳሚ መግለጺ እተዳልው ሸማግለን ንሰነዳት እተጽፊፍ ሽማግለን መዚዙም።

Fedralia Jul 012 D3.jpg

ጉባኤ ናይ ቱማሊ ውዕልኡ ምስ ዛዝመ ጥንታዊ ደራፍይ ሰውራ ተጋ/ ዓበ ዓብድላ ብ`ቋንቋ ተግሪ መሳጢ ትርኢትን ስውራዊ ደርፊታትን ብምቅራብ ንጉባኤኛታት ኣዝናጊዑ። ብምቅጻል ጉባኤ ኣብ ናይ ሎሚ ውዕልኡ ፈደራልዊ ባይቶ ብምምራጽ ስርሓቱ ክዛዝም ተጽቢት ይግብርሉ።

ሽማግለ ዜና

3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ