ዓወትን ኣሳልጦን ንኣኼባ ኤርትራ&#481
نشر من قبل omaal في 08:57 صباحا - 17 08 1433 هـ (06 07 2012 م)

 ዓወትን ኣሳልጦን ንኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ንምምይያጥ

 ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኢትዮጵያ ዋዕላ ንምክያድ ይሸበሸቡ ኣለዉ።

 


تفاصيل الخبر

  ዓወትን ኣሳልጦን ንኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት  

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ንምምይያጥ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኢትዮጵያ ዋዕላ ንምክያድ ይሸበሸቡ ኣለዉ።

ንህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ዘናግፍ፡ ንህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምሕጻር ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ወይ ዋዕላ፡ ማሕበርና ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፎ እናገለጸ፡ እቲ ዋዕላ ንህዝብናን ሃገርናን ዘርብሕ ጭቡጥ ነጥብታት ሒዙ ክወጽእ ዊንታና ንገልጽ። 

ነቶም ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ነዚ ዋዕላ ንምዕዋት ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት እናሞጎስና ጻማ ድኻሞምን ጻዕሮምን ቀያሲ መቃለሲ ስልቲ ሒዞም ክወጽኡ ተስፋና ንገልጽ። 

ብመሰረት ዘለና ኣወንታዊ ትጽቢት ድማ ሕመረት መዛተይን መካትዕን ናይቲ ዋዕላ፡ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ብከመይ ንእለዮ ኣብ ዝብል፣ ዝተጨበጠ መቃለሲ ስእሊ ሒዙ ዝወጽእ ምትእኽኻብ ክኸውን ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ።

ደጊምና ዓወትን ኣሳልጦን ንኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምነ!

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ - ሰሜን ኣመሪካ