ቃለ-መሐትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህ&#48
نشر من قبل omaal في 09:03 صباحا - 04 09 1433 هـ (22 07 2012 م)

ቃለ-መሐትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ምስ ተሌቪዘን ኣልሒዋር


تفاصيل الخبر

ERITREA NAHADA PARTY.jpg

ቃለ-መሐትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ምስ ተሌቪዘን ኣልሒዋር

 Nahda Chier Man.jpg

ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኢንጂነር ኑር ኢድሪስ ብቀዳም 14 ሓምለ 2012 ምስ ኣብ ሎንደን ዝመደበሩ ተሌቪዘን ኣልሒዋር ቃለ-መሐተት ኣካይዱ።

ኢንጂነር ኑር ኢድሪስ፡ አብቲ ንፍርቂ ሳዓት ዝወሰደ ቃለ-መሐተት ህለው ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርናን ኩነታት ደምበ ተቃውሞን ከመይ ከምይ ከም ዝመስል አብሪሁ።  ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 30 ዓመት ዝኣክል ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቃሊሱ መሪር መስዋእቲ ከፊሉ ክነሱ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሰላም ከይነብር፡ እነሆ እንደገና ንልዕሊ ዕስራ ዓመት በጉጅለ ህግደፍ ንኣደዳ ስቃይን ስደትን ተቃሊዑ ይርከብ። 

ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ክንዲ ንዳግመ-ህንጻ ሃገር ዝዋፈሩ፡ ዕሸል ዕድሜኦም ኣብቲ መጨረሽታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና የብልይዎ ኣለዉ።  ካብዚ ባርነት እዚ ዘምለጡ መንእሰያት ድማ ኣደዳ ጉጅለ ምድረበዳ ሲናይ ኮይኖም ኣካላቶም ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ። 

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ስቃይ ተሸሚሙ እንከሎ፡ ብኩራት ዕላዊ ደገፍ ኣሓትና ሃገራት ዓረብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዳይ እዩ ክብል ኢንጂነር ኑር ምረቱን ምረት ህዝቢ ኤርትራን ገሊጹ።

ኣቦ-ወንበር ኑር ቀጺሉ፡ ደምበ ተቓውሞ ነዚ ከም ዓለቕቲ ኣብ ጉሮሮ ህዝቢ ኤርትራ ተሸኺቱ ዘሎ ጉጅለ፡ ካብ ስሩ ንምእላይ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝርከባ ኣሓት ውድባት ኮይኑ፡ ኣስታት 600 ዝኾኑ ካብ ውድባት ወጻኢ ኪዳን፡ ቤርጌሳውያን ማሕበራት፤ መንእሰያትን ደቂንስትዮ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ብሕዳር 2011 ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ኣካኢዱ እነሆ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክምስርት በጺሑ ኢሉ።  በዚ ኣጋጣም፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሰይጣናዊ ጉጅለ ህግደፍ ክገላገል ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኮይኑ ቃልሲ ከሐይል ኣቦ-ወንበር ኑር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ተሌቪዘን ኣል-ሒዋር ነቲ ኣውያት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምብጻሕ እትገብሮ ዘላ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣሞጊሱ።

ክፍሊ ዕዮ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

17/07/2012