ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣ&#47
نشر من قبل omaal في 02:17 مساء - 07 09 1433 هـ (25 07 2012 م)

ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ኣብ ሎንደን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ!

 


تفاصيل الخبر

ERITREA NAHADA PARTY.jpg

ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ኣብ ሎንደን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ!

al-nahda public meeting in London in Arabic.jpg

ኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስ ዝተረኽበሉ፡ ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኢንጂነር ኑር ማሓመድ እድሪስ ብሰንበት 15 ሓምለ 2012 ኣብ ሎንደን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣካይዱ።

ሓላፊ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ሓው ሙሳ በሺር ንኣኼበኛታት ድሕሪ ምምስጋኑ ዕላማ ዑደት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣቦ-ወንበር ኑር ብወገኑ ንኣኸበኛታት ድሕሪ ምምስጋኑ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዑደቱ ንካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ኮይኑ፡ ምስ መሰረታትን ህዝብን ተራኺቡ ህልው ኩነታት ሃገርናን ደምበ ተቓውሞን ክዛተ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብኣልማማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሸፈቱ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝርከብን፡ ስቓዩ ድማ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ከም ዘሎን ገሊጹ።

ነዚ ጠንቒ ናይዚ ሕሰም ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ካብ ስሩ ሚሒኻ ንምእላይ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተጠርኒፉ ኣስተዋጽኦ ክገብር ሎሚ ልዕሊ ኩሉ ግዜ መድረኽ ይዕድም አሎ ኢሉ።

ቀጺሉ ኣቦ-ወንበር ኑር፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ጉጅለ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ  ኣብ ክንዲ ንዳግመ-ህንጻ ሃገር ተዋፊሩ መጻኢ ዕድሉ ዝመርሕ ካብ መጨረሸታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ከምልጥ እነሆ ብዋሕዚ ንስደት የምርሕ። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ኤርትራዊ  መንእሰይ ግዳይ ምድረ-በዳ ሲናይን ቀላይ ሜድትራንያን ኮይኑ ይርከብ። ብተወሳኺ ነዚ ጉጅለ ህግደፍ ንምቅላዕ ምንእሰያት ዘካይድዎ ዘለዉ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ዝናኣድ ኮይኑ፡ መሪሕ ግደ ክህልዎም ተላቢዩ።  ማዕረ-ማዕሪኡ፡ ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕዛዝ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ከም ዝኾነ ድማ ኣስሚርሉ።

ኢንጂነር ኑር እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘሎ ርክብ ብሩህ ኮይኑ፡ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዓንቃፊ ዘይኮነስ ኤርትራዉ ሃገራዊ ባይቶ ንምምስራት ዓቢ ግደን ዝተጻወተን ንምሕያሉ ድማ ሓያል ኣስተዋጽኦ ዝገበር ዘሎ ምትእኽኻብ እዩ። ንእግሪ መንገዱ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ እንዳ ጻሓፉ ሓዊ ክውልዑ ዝደልዩ ጸሓፍቲ ክቁጠቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ መጨረሽታ ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረበሉ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ክፍሊ ዕዮ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትረ

18/07/2012