ህዝባዊ ኣኼባ ንመስረታት ኤ.ዲ.ኪ ኣ&#4
نشر من قبل omaal في 03:10 مساء - 07 09 1433 هـ (25 07 2012 م)

ህዝባዊ ኣኼባ ንመስረታት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡

 


تفاصيل الخبر

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ህዝባዊ ኣኼባ ንመስረታት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡

በመስረት መደረኻዊ ትልሚ ዕዩ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2012 ኣብ ማእከላይ ቀጽሪ ኤ.ዲ.ኪ ዓንኬል ጉዳያት ውደባን ሰደተኛታትን፡ ኩሉ ዓቕምታት ንምቀለጣፍ ውደቐት ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ ንመስረታት ኤ.ዲ.ኪ ብዝዕባ ክልቲኡ ኣጀንዳታት ማለት፡ ኩነታት ኤርትራውያን ሰደተኛታትን ኔትወርክ ነጋዶ ሰብን፡ ኣብ መውዳእታ ወርሒ መጋብትን መጀምርያ ሚያዝያ 2012 ዝተኻይደ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን ዝቱኽረ ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ ሓፈሻዊ መብርሂ ተዋሂቡ።

Allines July 012.jpg

ኣብ’ቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ተጋ/ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ም/ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብዝዕባ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ዝሕልፍዎ ዘለዎ ኣሰቃቂ ኩነታት ብሓፈሻ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝረአ ዘሎ ዓቢ ገብናዊ ተርኢዮ ብስሩዓት ኣካላት ሰርዓት ህግደፍ ኢድ ዘለዎ ነጋዶ ሰብ ብፍላይ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ ብስንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ዝፍጽም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ በደላትን ቁጠባዊ ምዝመዝን ባርነታዊ ሰርሓትን ምቁራጽን መሻጥ ኣካላትን ካብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝጀምር ኮይኑ ክሳብ ሰናን ኢሰራኤልን ዝቅጽል ምዃኑ ሓቢሩ። ሰርዓት ህግደፍ በመንገዲ መግብርያቱ ብግሁድ ኣብ ምቅላል ሰርሓት ማፍያታት ነጋዶ ሰብን ክሳብ ብመንግስታዊ መካይን ገዳይት ናይ’ዚ ኣረመናዊ ተግባራት’ዚ ይጓዓዕዝን ጥራሕ ዘይኮነስ ቀንዲ ተዋሳኢ ብምዃን ካብኡ ዝርክብ ገንዘብ ኣብ ክፉት ናይ ባንክ ሕሳባት ናብ ኣሰመራ ከምዝሕውል ኣረጋጊጹ። ተጋ/ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ኩሉም መስረታት ኤ.ዲ.ኪ ብዝዕባ ኔትወርክ ነጋዶ ሰብን ገዳይት ናይ’ዚ ኣረመናዊ ተግባራት’ዚ ብዝክኣሎም ሓበረታት ብምእካብ ናብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምምሕላፍ ብግቡእ ክስነድን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ክምሓላልፍን ኣካል’ዚ ዝኾኑ ዝተፈላልዩ ሽነኻት ናብ ሕጊ ክቅርቡን ዑቱብ ጻዕሪታት ክግብር ኣለዎ ጸዊዑ።

በተውሳኺ ተጋ/ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ኣብ መበል 20 ዙር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዕለት 6 ሓምለ 2012 ዝተዛዝመ ብዝዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምፍታሽን ምጽራይን ፉሉዪ ሪፖርተር ንምምዛዝ ምውሳኑ ኣውንታዊ ምዕባለ ኮይኑ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣስቃቂ ኩነታት ምግዳሱን ኣብ ልዕሊ እቲ ሰርዓት ተደራቢ ጽቅጢ ንምግባር ዝዕደም ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ’ዚ ካልኣይ ኣጀንዳ ተጋ/ ጀማል ሳሊሕ ጸሓፊ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፡ ማእከላይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ሳልሳይ ሰሩዕ ኣኼባኡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተጻዕነ ጭቆናን ሰብኣዊ ግህሰታትን ብዝገደደ መልክዑ ዝቀጸለ ድኣ እምበር ዝተመሓየሸ ከምዘየኮነ ከምዝተግንዘበ ገሊጹ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ኣቢሉ ብምቋም ኣብ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ይኹን ዳ’ምበር ደንበ ተቓውሞ ሚዛን ሓይሊ ናብ ራብሓኡ ንምውዓልን ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ልዑል ጻዕሪ ዝሓተና ምኻኑ ማ/መሪሕነት ኣስሚሩሉ ከምዝሓልፈ ሓቢሩ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ዘሕልፍዎ ዘለው ኣሰቓቒ ኩነታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትሒዙ ኣካላት እቲ ስርዓትውን ዘለውዎ ኣብዚ ከባቢታት ናይ ዞባናን ግብጽን ኢስራኢልን ተዘርጊሑ ዘሎ መስመር ናይ ሰብ ነጋዶ ማፍያታትን ገለ ካብ ቀቢላ ራሻይዳን ካልኦት ዝተሓወስዎ ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታትን ዝገልጽ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝቅረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ማእከላይ መሪሕነት ነዚ ሓደጋታት እዚ ንምስጋር ዘኽእልዎ ዝብሎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ከም ዝምሓላልፈ ገሊጹ። በተውሳኺ ተጋ/ ጀማል ሳሊሕ ማ/መሪሕነት ብመሰረት ኣብ መጋቢት 2011 ዝተኻየደ ጠቅላላ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ከመይ ምስቲ ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝወጽእ ሰፊሕ ግንባር (ጽላል) ስርሓቱ ኣጣዓዒሙ ይሰርሕን ኣብ ቅርጽታቱ ምምሕያሽ ይገብርን ንማእከላይ መሪሕነት ብዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት ማ/መሪሕነት ብዕምቆት ተመያይጡሉ፡፡ እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ዕማማት ኤ.ዲ.ኪ ኣነጺሩ ኣቀሚጡን ኣብ ቅርጻኡ ምምሕያሽ ገይሩን፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ከምቲ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቶ ሕጂ እውን ኣብ ምዕዋት ኢ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ከምዝስምርሉ ገሊጹ፡፡ ከም’ውን መምርሒታት’ዚ ዙር’ዚ ሰርሓት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ዝተፈላልዩ መዳያት ንምንጢጣፍ ዝተኩረ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ተሳትፍቲ እቲ ኣኼባ ብወገኖም ንጸገማት ኤርትራውያን ሰደተኛታትን ኔትወርክ ነጋዶ ሰብን ዝተኩረ ሞያዊ ዓውደ መጽናዕቲ ብምግባር ነዚ ሓደገኛ ተርአዮ’ዚ ብሁጹጽ ንምእላይ ዑቱብ ጻዕሪታት ከግበር ኣለዎ ተላቢዮም።

ዓንኬል ጉዳይት ውደባን ሰደተኛታትን

22 ሓምለ 2012