ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 02:54 مساء - 09 09 1433 هـ (27 07 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 53 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 53 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

Stop Dic July 012.jpg

ኣየ ክጥዕም ሓርነት

ብዙሕ ተደሲተ ንስዓት

ሓደ ርብዒ ጎደል ምስ ኮነት

ናይ ሓርነት ሰዓት ስለ ዝነበረት…

የውሃና ነቶም ዳስ ህግደፍ ንከፍርሱ

ብለይቲ ዝተጓዕዙ ከይደቀሱ

ንጭፍራ ካብ ሱሩ ክብንቁሱ

ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤረይ ንሳ ንሱ

ቀሪብኩም ኢኹም ዓወት ክትሓፍሱ…

                Stop Dic July 012 A.jpg

ሰላማዊት ኣደኻ ምሳኻ

ኣብ ጊሰን ዝወዓልኪ ዝወዓልካ

ብስራት ኣበሲርካዮ ንህዝብኻ

ኣቲ ኣታ ታሪኽ ዝሰራሕኪ ዝሰራሕካ

ወዲ ኤረይ ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ደሃይካ

ሓንሳብ ንሓዋሩ ደጀን ከዳዓት ዘፍረስካ

ኮማንዶ ስዊስ ተሓቢና በኣኺ በኣኻ…

ኣብ ከተማ ጊሰን

ሎሚ ውን ከም ዓሚ

ንከተግብር ናይ ህዝቢ ሕልሚ

 ልሳን ውጹዓት ኣጎድጌዱ

ንደገፍቲ ህግደፍ ኣርዒዱ

ድሕር በሉ እንዳበሉ ክይትስጎዱ

ስርዓት ሸፋቱ ተገሊጹ ጉዱ…

ጸባ ኣስቲኽየን ሰላማዊት

ዘይትሕለል ኤረትራዊት

ከም ኩለን ዋዕሮታት

ዘይጠለመት ሕድሪ ሰማእታት

ኮንኪ ልሳን ዉጹዓት

ኣብ ሞንጎ ብዝይሓት

ምስ ደቅኺ እቶም ተባዓት

ተኣሲርኪ ዝዋዓኪ ንሰዓታት…

7 7 ታሪኻዊት ማዓልቲ

ቀሪብና ኢና ጽሩይ ማይ ክንሰቲ

ወይልኹም ናይ ጭፍራ ሳዓብቲ

ክወግሕዩ ብህግደፍ ዝጸልመተ ለይቲ…

ኣብ ጊሰን ዝወዓለ ሰላማዊ ሰልፊ

ብ ልሳን ውጹዓት ብሕልፊ

ንህግደፍ ከሊኦሞም መሕለፊ

ኣቲ ንህግደፍ ትድግፊ

ቀሪብኪ ኢኺ ምስ ጭፍራ ክትጓሓፊ…

ጻውዒት ተቐበሊ ካብቶም

ወጽዓ ህዝቦም ዘሕመሞም

ደለዝቲ ፍትሒ ጡዑም ደሃዮም

ንኽገልጹ ወጽዓ ህዝቦም

ኖህ ዝኾነ መይ ዝጸሓየ ኣብ ዝባኖም…

እወ ፎእ ኢሎሞ ነቲ ህዝቢ ዘብከየ

ትም ኣይመረጹን ህዝቢ እንዳ በኸየ

ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ዝኣበየ

ፎእ ንህግደፍ ንህዝቢ ዘድመየ…

ተሓቢእካ ካብ ትስሓግ

ኣታ ህዝቢ ማዓስ ኢኻ ትልኣል

ምስ ሓራዲኻ ኮንካ ካራ ኣይትስሓል

ኣብ ቃልዕ ውጻእ ተሓቢእካ ኣይትውዓል

ኣታ ኤረትራዊ እየ በሃላይ

ኣስላማይ ምስ ክስታናይ

ተበገስ ንስረዓት ኣራዊት ንምእላይ

ሕጂ ስመር ከይትነብዕ ዳሕራይ…

ኣቱም ስነ ጥባባዊያን

ትዕደሙ ክትጣዓሱ

ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክትሕወሱ

ንጭፍራ ካብ ትውድሱ

ክንዲ ህዝቢ ኣልቅሱ

ኣብ ዳሳ ጠላማት ኣይትሓንብሱ

ንብኣት ዉጹዓት ከም ውሒጅ

ምስ ግፍደፍ ከይወስደኩም ሓዋዊሱ …

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን