ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገ&#47
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 07:35 ΥΘΗΝΗ - 18 09 1433 εά (05 08 2012 γ)

 ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

 ካልኣይ ክፋል

 


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

 ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

 ካልኣይ ክፋል

Journalist Amaneal.jpg

ሕቶ፡- ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ንህዝቢ ካብ ዘደናግረሉ ሜላታት ገለ እንተትገልጸልና?

ኣማኑኤል፡- ሚኒስትሪ ዜና ዝኽተሎ ናይ ምድንጋር ስትራተጂ ኣሎ። ዝኾነ ትካል ዝምርሓሉ ስትራተጂ ኣለዎ እንድዩ፡ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ከም ትካል ናቱ ንባህርያቱን ኣካይዳታቱን ዝውክል ስትራተጂ ኣለዎ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከም ቀንዲ ናይ ምድንጋር ስትራተጂ ዝመጽእ እንታይ እዩ፡ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ልምዓታዊ ሜድያ‘ዩ ዝብል’ዩ። ብመሰረቱ ንልምዓት ዘንቀደ ፖሊሲ ምስ ዝህልወካ ልምዓት ይህልወካ፡ ልምዓት ምስ ሃለወካ ድማ ልምዓታዊ ሜድያ ይህሉ። ናይ ልምዓት ፖሊሲ’ኸ ኣሎ ድዩ? እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ልምዓት ፖሊሲ ንኽተል ኢና ተባሂሉ  ዝቃላሕ ከምኡ ድዩ ልምዓት? ንኣብነት ውሕስነት መግቢ ዝብሃል ጭርሖ ኣሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ወረቓቕቲ ክሳብ ዝውዳእ ዝጽሓፈሉ ዓንቀር ክሳብ ዝልሕልሕ ዝልፍለፈሉ። ውሕስነት መግቢ ኣብ ኤርትራ ክሳብ’ዚ ስርዓት’ዚ ዝሃለወ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንዛረበሉ ደረጃ ኣይበጻሕናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣሰር ናይ ውሕስነት መግቢ‘ውን የብልናን። ካብ ተጸባይነት ዝናብ ክንገላገል፡ ብመግቢ ርእስና ክንክእል ዝብል ስቕ ኢልካ ብግብሪ ዘይስርሓሉ ፕሮፖጋንዳ ምንዛሕ፣ ናይ ልምዓት መንግስቲ ኢና ነልምዕ ኢና ዘለና እናበልካ ንህዝቢ ምድንጋር፣ ንሃልኪ ሚድያ ዝኸውን ቀንጠ መንጢ እናሰራሕካ፡ ኣብ ሚድያ ልምዓታዊ መንግስቲ ክትመስል ዝግበር ኣሎ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ እንተድኣ ኢልካ ሕርሻ ማለት እዩ። ንሕርሻ ዝምልከትቀዳማይ ተጸዋዒ  ከኣ ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ። መብዛሕቲኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ ቕርጺ ግን ምምሕዳሩ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ‘ዩ። ትራክተር’ስ ሓደ ኮለኔል እንታይ እዩ ክገብራ፡ ናብ ታንኪ ድዩ ክቕይራ ሚሳይል ድዩ ክገብራ እንታይ እዩ ክገብራ ዝኽእል? ትራክተር ንክኢላ ሕርሻ እያ ትምልከት፡ ምምሕዳራን ተጸዋዕነታን ንሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።  ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ናይ ሕርሻ ግን ብወልዱ ባርያ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ጋራጃት’ዩ ዝመሓደር። ዝኾነ እንዶ ናይ ሕርሻ ዘይብሎም ኣመሓደርቲ ሕርሻ ኮይኖም ኣለው። ክኢላታት ከበሳጭዉ ክኢላታት ካብታ ሃገር ነፊጾም ክወጹ ዝገብሩ ዘለው፡ ሃገር ብሕጽረት ክኢላታት ከም ትሳቐ ዝገብሩ ዘለው’ዮም። ሎሚ ሕርሻ ኣብ ሃገርና ኣይኮነን’ዶ ከምቲ ብሚድያ    ዝግለጽ ተዋስኦ ብዘመናውነት ክምራሕ፡ እታ ናይ ኣቦታትና ያታዊት ሕርሻ ክንስእና ቁሩብ እዩ ተሪፉና ዘሎ። ስለዚ እቲ ኩነታት ሕርሻ ናይ ሃገርና ከምዚ እናሃለወ እንከሎ፡ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ክትዛረብ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ሚድያ ግን ባህርያቱ ኣብ ባይታ ዘየሎ ነገር ኣብ ኣእምሮ ምፍጣር ስለዝኾነ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ክዛረብ ትሰምዕ።

ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝበሃል ድማ ኣብ ኤርትራ ክረምታዊ ማእቶት ካብ 1994 ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ 94 ሚሊዮን ፈልስታት ገረብ ተተኺሉ’ሎ። መዓልቦ ናይ’ቲ ፈልስታት ግን ኣይፍለጥን እዩ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምኽንያት 20 ዓመት በዓል ነጻነት ናይ 20 ዓመት ጉዕዞ ጽላት ሕርሻ ክግምግም እየ ኢሎ ሲምፖዝዮም ክገብር እንከሎ፡ 94 ሚሊዮን ፈልስታት ገረብ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተኺልና ኢሎም፡ ክንደይ ጸዲቐን ክንደይ ሓሪረን ትፈልጡ’ዶ መጽናዕቲ ኣለኩም’ዶ ተባሂሎም እንድዒ። ስለዚ ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክትዛረብ እንከለኻ ብዛዕባ ገረብ ኢኻ ትዛረብ። ምግራብ ዝበሃል ኣብ ዘይብሉ ቦታ ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክትዛረብ ኣይከኣልን እዩ። ሃገርና ብምድረበዳነት እናተጠቕዐት’ያ ትኸይድ ዘላ። ዝርካቡ መሬትና ፍርያምነቱ እናጎደለ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ካብኡ ናብኡ ‘ውን እቲ ሕርሻ ካብ’ቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ካብ ያታውነት ተገላጊሉ ናብ ዘመናውነት ክሰጋገር ኣይከኣለን። ብመሰረቱ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ‘ውን ስለዘየለ። ስለዚ ልምዓት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ልምዓታዊ ሜዲያ ክህልወካ ኣይክእልን እዩ።

ሕቶ፡- ካብዚ ከይወጻና ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ብዙሕ ክብል ይስማዕ እዩ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝኸይድ ኣበሃህላ ድዩ?

ኣማኑኤል፡- ርእሰ ምርኮሳ ዝበሃል ብቐጻሊ ኣብቲ ሜድያ ዝመጽእ ናይ ትምክሕቲ መደብ ኣሎ። ርእሰ ምርኮሳ ማለት ኣብ ነብስኻ ምምርካስ ማለት እዩ። እዚ ክትገብር ድማ ናይ ሰላም ደሞክራሲ ናይ ልምዓት ፖሊሲን ዓቕሚ ሰብ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ኤርትራ ዕድመ ንጭቆና ዕድመ ንግፍዕን ኣተሓሕዛን ዓቕሚ ሰብ ዝብሃል የብላን። ሞያዊ፡ ምሁር ዝብሃል የብላን። ብዓቕሚ ሰብ ተሳቐ’ያ ዘላ።  ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ እዩ ዝወጽእ ዘሎ። ስለዚ ዓቕሚ ሰባ ብስደት እናተጸንቀቐ እናማህመነ ዝመጽእ ዘሎ ሃገር ብዛዕባ ርእሰ ምርኮሳ ኢላ ክትጭርሕ ዝከኣል ኣይኮነን በየናይ መንገዲ። ዋላ እቶም ዝርካቦም ኣብ ኮለጅ ዝመሃሩ ተማሃሮ ከም ዕቑር ናይ ልምዓት ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ከም ስግኣት ንስልጣን’ዮም ዝጥምትዎም። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ድማ ኮለኔላት ንኮለጃት ዘመሓድርወን ዘለው። ኮረለኔል ኣብ መዓስከር ኮፍ ይብል እምበር፡ ኣብ ኮለጅ እንታይ ክገብር ይኣቱ? ካልእ ‘ውን ብዛዕባ ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ፍትሒ ዝብሃል ኣብ ኤርትራ የለን። ዝኾነት ሃገር ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ክህልዋ እንተኾይኑ፡ ሕገ-መንግስቲ ክህልዋ ክኽእል ኣለዎ። ሕገ-መንግስቲ ዘይብላ ኣብ ዓለም ብጀካ ኤርትራ’ኮ ኣብዚ ሕጂ እዋን የላን። ፍትሒ ዝበሃል ነገር የለን። ሰባት ብፍትሒ ኣይዳነዩን ‘ዮም። ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ብብዝሒ ቤት ማእሰርቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ዝያዳ ዝተወፈየ መንግስቲ እዩ ዘሎ ኣብ ሃገርና። ፍትሒ፡ ልምዓት፡ ትምህርቲ የለን።

 ስርዓተ ትምህርቲ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ብመሰረቱ መይቱ’ዩ ዘሎ። ክልተ ሰለስተ ዩኒቨሪሲቲ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ፡ ነታ ዝነበረት ሓንቲ ዪኒቨሪሲቲ ኣስመራ ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣስጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ትምልምል ትካል እያ ተባሂላ ተዓጽያ። ኣብ ክንድኣ ድማ ኮለኔላት ዘመሓድርወን ኮለጃት ተኸፊተን። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ከምዚ እዩ። ነቲ ቀንዲ ኣፍራይ ሓይሊ ነቲ ቁጠባ ዓንዲ ክኾኖ ዝኽእል ቀጸላ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ እንተደኣ  ኣብ ምናምን ዝኾነ ነገራት ኮፍ ኢሉ፡ ወይ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚዱ፡ ኣፍራይነቱን ፈጠራውነትን ዘዳኽም ዘምውት እንተድኣ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቁጠባ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቁጠባ ማለት መንእሰይ እዩ! ንቑጠባ ዝቕልሶ ዝምርሖ ንሱ እዩ። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝመርሖን ተመሊሱ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓተ ቁጠባ የለን። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ድኻ መንግስቲ ድማ ሃብታም እዩ። ቁጠባዊ ፖሊሲ ናይ’ቲ መንግስቲ ከመይ ጌርካ መንግስታዊ ርእሰ-ማል ተዕቢ ጥራሕ እዩ። ትካላት ግንባር ትካላት መንግስቲ ከመይ ጌረን ይዓብያ፣ ብዋጋ መን? ብዋጋ ሃብትን ጉልበታዊ ጸጋን ናይ ዜጋታት፤ ሕሉፍ ሓሊፎም ዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ብዋጋ ሃብትን ጸጋን ጎረባብቲ ሃገራት ክህብትሙ መንግስታዊ ርእሰ-ማሎም ከዕብዩ ሃነፍነፍ ዝብሉ ጉጅለታት ‘ዮም ዘለው። ስለዚ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ናይ ፈጠራ ልምዓታዊ መደባት እናምጻእካ ንህዝቢ ከመይ ጌርካ ተደናግር ዝብል ተልእኾ እዩ ዘለዎ።

ሕቶ፡- ማዕከናት ዜና ህግደፍ ኮነ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቃለ-መጠይቕ ክገብር እንከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንግዳም ዘቕነዐ እዩ ስለምንታይ? እንታይ ንምኽሳብ እዩ?

ኣማኒኤል፡- ከም ቀንዲ ተልእኾ ተዋሂብዎ ዘሎ ነቲ ትካል እንታይ እዩ፣ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣውጺእካ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር’ዩ። ኣይትጠምቱና ማለት’ዩ። ዓለም ከምዚ ስለዝገበረትና ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝዘርየና ዘሎ መንግስቲ እንታይ ዘይገበረ፡ እዚ ሕጂ፡ መንግስትን ህዝብን ሕቖን ከብድን ከይከውን ንምቅርራብ ድንጋጸ ህዝቢ ከም ዝኸስብ ንምግባር ‘ዩ።  ጸረ-ኣሜሪካ ዝብል ናይ ተዋስኦ መርገጺ ምምጻእ፡ መንግስቲ ህግደፍ  ጸረ-ኣሜሪካ መርገጺ ከም ዘይብሉ እኮ ኩሉ ይፈልጥ ‘ዩ። ምኽንያቱ መትከላዊ መንግስቲ ኣይኮነን። መንግስቲ ህግደፍ ግን ጸረ-ኣሜሪካ መርገጺ ከም ዘለዎ ከምስል’ዩ ዝፍትን።  ሓደ ሓደ ግዜ መራሒ ናይ’ቲ ስማዊ መንግስቲ  ቃለ-መጠይቓት ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መልሲ ዘይረኸበ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እንዳሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ውራይ ናይ ገዝኡ ዝገብር፡ ናይ ዓሰርተ ስዓት ቃለ-መጠይቕ እንተድኣ ገይሩ፡ እተን ሸውዓተ ስዓት ብዛዕባ ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ብዛዕባ  ዘራያት እዮም ዝበሃሉን ‘ዩ ዝዛረብ።  ንምንታይ ‘ዩ ናብዚ ዘቕንዕ ኣቓልቦ  ህዝቢ ንግዳም ከም ዝጥምት ንምግባር’ዩ እቲ ቀንዲ መደብ። ምኽንያቱ  ብዛዕባ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝጠመተ ቃለ-መጠይቓት ክስራዕ እንተድኣ ኮይኑ ክንደይ ሕቶ’ዩ ክምለስ? ክምልስ ‘ውን ቅሩብነት የብሉን።  ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግር እኮ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ‘ዩ። ሰብ ዝሰርሖ ሽግር’ዩ፡ ባህርያዊ ሽግር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ጻዕራም ህዝቢ’ዩ፡ ሰሪሑ ክነብር ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ክሰርሕ ኣይከኣለን። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ ኣይከኣለን። ኣፍራይነቱ ክዓቢ ‘ውን ኣይተደልየን። ውሑድ እናሃብካ’ዩ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ።  ድኳናት ሕድሪ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ንሕና  ኣብ ሚዲያ  ክንዛረበለን እንከለና፡ ህዝቢ ካብ በለጸኛታት ነጋዶ ሓራ ክኸውን ዝብል እዩ። ንሱ ግን ኣይኮነን እቲ ተልእኾ እንታይ ደኣ፡ ንህዝቢ ብዝተዓቀነ መቑነን ሂብካ ብዛዕባ ከብዱ ጥራሕ ክሓስብ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክዳኸም፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ንኸይዘራረብ ‘ዩ። ካብ ብኸብዱ ምሕሳብ ዘይተገላገለ ህዝቢ ድማ ናብ ከመይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣመት ክገብር  ኣይክእልን ‘ዩ።

ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ምርጫ ዘይካየድ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይረክብን ‘ዩ። ኢሰያስ  እንታይ’ዩ ዝብል ኣሜሪካ ‘ያ ምርጫ ግበሩ ትብለና ዘላ፡  ኣሜሪካ ካብ ንዓና ግበሩ እናበለት ተወጣውጠልና  ደኣ ነተን ብንጉሳዊ ቤተሰብ ዝመሓደራ መሓዙታ ከም ብዓል ቀጠር ስዑድያ ዝኣመሰላ ምርጫ ግበራ ዘይትብለን ይብል። ንዓና ብዛዕባ ስዑዲያን ቀጠርን እንታይ ይምልከተና? ኣብ ኤርትራ ንምንታይ ምርጫ ኣይግበርን እንተድኣ ተባሂልካ ናይ ኤርትራ ኢኻ ክትምልስ ዘለካ። ምኽንያቱ ኣሜሪካ ስለበለቶ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ምርጫ ስለዘድልዮ’ዩ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ። ኣሜሪካ ከምዚ ትብለና ኢልካ ብዛዕባ ናይ ሰዑዲያ ናይ ቀጠር ንጉሳዊ ቤተሰብ ምምጻእ ኣየድልን። ነዚ ሕቶ’ዚ ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ስለዘይክእል ብቑዕ መልሲ ናይ ምሃብ ክእለት ዘይብሉ መራሒ ‘ውን ስለዝኾነ፡ ብኸምዚ ክሓልፎ እዩ ዝደሊ። ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ  ምርጫ ማለት ዕግርግር፣ ዝርገተ ሰላም፣ ምምሽማሽ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነ ገይሩ’ዩ ዘቕርቦ። ምርጫ እንተሃልዩ ሕብረተሰብ ትኽ ክብል ኣይክእልን እዩ። ምርጫ ኣንጻር ምርግጋእ እዩ እንዳበላ’የን ዝጉስጉሳት ማዕከናት ዜና ህግደፍ።። ነዚ መእመኒ ዝኸውን  ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫ ዝኾነ ዕግርግር እንተተፈጢሩ ድማ፡ ነዚአን ከም ኣብነት እናምጻእኻ፣ ኣብዛ ሃገር ምርጫ እንተመጺኡ ከምዚ ትርእይዎ እዩ ከጋጥመኩም ስለዚ ምርጫ ዘይተገበረ ኣይትበሉ፡ ሕማቕኩም ኣይትጽልኡ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጻኩም፡ እናበልካ ንሰባት ምስባኽ’ዩ። ክንዲ ምርጫ ዝኣክል ደሞክራስያዊ መሰል ከም ሕማቕ ጌርካ ቆናጺልካ ጸለሎ ቀቢእካ ኣብቲ ሚድያ ተቕርቦ። እዚ ሓደ ተልእኾ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ እዩ።

ኣቓልቦ ናይ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ንምውጻእ ተባሂሉ ዓመተ 2012 ክኣቱ እንከሎ፡ ኢሰያስ ቃለ-መጠይቕ ገይሩ ነይሩ፡ ቀዳመይቲ ሕቶ ዝቐረበትሉ ሩስያ /ሶብየት ሕብረት/ ክትፈርስ ምኽንያት ዝኾኑ ረቛሒታት እንታይ ነይሮም ብኸመይ ፈሪሳ ትብል እያ ነይራ። ሶብየት ሕብረት ካብ ትፈርስ 20 ዓመት ጌራ’ላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ’ዚ ቅድሚ 20 ዓመት እዩ ዝፈልጦ። ስለምንታይ ግን እዛ ሕቶ ቀዳመይቲ ክትከውን ተደልያ? ንምንታይ ብናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕቶ ጀሚርካ ናብ ካልእ ክኽየድ ዘይተደልየ? እዚ ናይ ህውተታ ሕቶ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሂወት ዝበሃል ጠጠው ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ኤርትራ ምንባር ጸሊኡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ስደት እናተሰደ እንከሎ፣ ሶብየት ሕብረት ቅድሚ 20 ዓመት ንምንታይ ፈሪሳ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣጀንድኡ ድዩ ከም ሕቶ ከተምጽኦ ከለኻ፣ እዚ ግን እንታይ’ዩ  ናባና ኣይትጠምቱ፡ ዓይንኹምን ኣቓልቦኹምን ንደገ  ኣግዕዝዎ’ዩ እቲ ተልእኾ።

ሕቶ፡- እዚ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብል ፍልስፍና’ኸ ብሓቂ ኣብ ባይታ ከምኡ ስለዘሎ ድዩ?

ኣማኑኤል፡- ኣብ ውሽጢ’ቲ ፍልስፍና እንታይ ኣሎ ህዝብን መንግስትን ሓደ እዩ፡ ዋላ ክትፈልዮ እንተደለኻ ‘ውን ኣብ ውሽጡ ነቓዕ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል’ዩ እቲ መልእኽቲ። ሎሚ ግን ነቓዕ ኣይኮነን እንድዒ ቃላት ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ከመይ ከም ዘለና’ሲ፡ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብነት ከምጽኣልካ  ህዝቢ ፈንፊንዎም ከም ዘሎ ህዝቢ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎም ከም ዘሎ ጽቡቕ ገይሮም ስለዝፈልጡ፡ ካድራት እናመደቡ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ንምዕቃን ኣኼባ ይውድቡ። ናይ መንእሰያት ኣኼባ ናይ ሸቃሎ ኣኼባ ናይ ሓረስቶት ኣኼባ ይገብሩ። ዛዕባታት ይፈጥሩ ሽዑ ሰብ ይዛረብ። ደረጃ ረስኒ ተቓውሞ ናይ መንእሰይ ሸቃላይ ሓረስታይ ኣብ ከመይ ከም ዝበጽሐ ይዕቅኑ።  ሓደ ግዜ የማነ ገብረኣብ ንመንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፊሕ ኣኼባ ይገብረሎም ነይሩ። ካብ ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ወጻኢ ንዕኦም ዘይምልከት  ዘይድሊ ፍልስፍና ኣምጺኡ። ፍልስፍናኻ ግደፎ  ኣብ’ቲ ክውን ሓቂ ንዛረብ ኢለሞ። እክብ ኣቢልኩም ወኪልኩም ተዛረቡ ስለዝብሉ ሓደ ሓዊ ዝኾነ መንእሰይ መሪጾም። እቲ ዝተመርጸ መንእሰይ ተሲኡ “ምውርራስ ትብል ኣለኻ ሙሽ ሓቀይ ኢልዎ፡ ኣብ ሚዲያ ብዛዕባ ምውርራስ ሙሽ ትዛረቡ ኣለኹም፡ ህዝባዊ ግንባር ግን ንዓና ኲናት ኢኹም ኣውሪስኩምና፡ ካልእ ዘውረስኩምና ነገር የለን። ምውርራስ ማለት’ኮ ኣብ ኩሉ ምውርራስ ማለት’ዩ። ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ክንወርስ ኣለና፡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምሕደራ ናይ’ታ ሃገር ቀለስቲ ክንከውን ኣለና ክንትከኣኩም ክንክል ኣለና። ንሕና ግን ኲናት ጥራሕ ኢና ወሪስና። ሓንቲ ኣብነት ክበካ፡ ንሕና ቆልዑ እንከለና ዓበይቲ ኣሕዋትና ኣብ ግዜ ዮውሃንስ መስቀለ ሽግ ሒዞም ሆየ ሆየ ክብሉ እንከለው፡ ነታ ሽግ ክንሕዛ ኣዚና ንብህግ ነይርና፡ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋትና ግን ኣይህቡናን ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሽግ ነዲዳ ነዲዳ ምስተወደአት ኣብ ኢዶም በጺሐ ምስ ኣቃጸለቶም ይድርብይዋ። ንሕና ግን ናይ ምሓዝ ህርፋን ስለዘለና ነታ ዝደርበይዋ ክንሕዛ ንፍትን’ሞ ምስ ኣንደደትና ንገድፋ። እዛ ሒዝኩማ ዘለኹም ሽግ ስልጣን ከኣ ብሂወትኩም እንከለኹም ከምዘይተረክቡና ንፈልጥ ኢና፡ ምስ ኣንደደትኩም ግን ክትህቡና ኢኹም ሽዑ ግን ኣይክንቅበለኩም ኢና” ኢልዎ። እዚ በጨቕታ ዘይኮነ  ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ዓው ኢልካ ዝተዘርበ ዘረባ’ዩ። መልሲ’ውን ክርከበሉ ኣይክእልን’ዩ። መንእሰይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ናይ ረስኒ’ዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብ’ቲ ክውን ሓቂ ተዘራሪብካ ንምእራም ቅሩብነት እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ንኣርም፡ ንምእራም ቅሩብነት ዘየለ እንተኾይኑ ግን መጺእካ ረስኒ እንዳዓቀንካ ምኻድ ኣይድልን’ዩ።

 ሓደ ግዜ ናይ ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ /ሃኮሰኤ/ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ኣብ ሆቴል እንተር ኮንቲነንታል ስፖዚዮም ይግበር ነይሩ። ደርቢ ሸቃላይ ኤርትራ እቲ ዝተረመሰ ደርቢ’ዩ ኣብ ኤርትራ። ብመደብ ድማ’ዩ ተረሚሱ። ነዚ ኮነ ኢልካ ዝረመስካዮ ደርቢ ማሕበርካ ካብ ትምስረት 30 ዓመት ስለዝገበረት ንዓ ንጸንብሎ ክትብሎ ጸርፊ’ዩ። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቡ ግን መልሲ ዘይርከበሉ ብዙሕን ከቢድን ሕቶታት ክለዓል ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ፡ እቶም ወደብቲ ናይ’ቲ ሲምፖዝዮም ንየማነ ገብረኣብ ጸዊዐሞ። ገለ ሕቶታት እንተተላዒሉስ ንሱ ክምልሰሎም፡ ካልእ ኣማራጺ የለን። እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ ኣብ ኤውሮጳ ስለዝተመስረተ እዞም ሕጂ ነቲ ስርዓት ዓይኖም ተዓሚቶም ዝድግፉ ንብሎም ዘለና፡ ናይ ብሓቂ ከኣ ገለ ክፋሎም ዝድግፉ፡ ብዝሖም ከባቢ 600 ዝኾኑ’ዮም ነይሮም። እዞም ሰባት መዋእሎም ክድግፉ ኣይኮኑን እቲ ኣካይዳ ይሪእዎ ኣለው። በብኢዶም ሕቶ ክሓቱ ጀሚሮም ጠርኒፍኩም ሕቶኹም ኣቕርቡ ተባሂሎም። እንታይ ኢሎም ሓቲቶም፡ የማነ ኢለሞ ንሕናሲ እቲ ቀደም ዝሓብሓብናዮ ዘዕጠቕናዮ ዘስነቕናዮ ሂወትና ዝኸፈልናሉ ህዝባዊ ግንባር’ሲ ደሊና ስኢናዮ ኣበዩ ኣትዩ፡ ነዚ ድዩ ነይሩ እቲ መብጸዓ እዚ ድዩ ነይሩ እቲ ሕልምና፡ ኣበይ’ዩ ጥፊኡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ኢለሞ። እዚ ዓቢ ዘረባ’ዩ። የማነ እንታይ መሊሱ ህዝባዊ ግንባር ማለት’ኮ ኣብ ኣየር ዝተንጠልጠለ ነገር ኣይኮነን ህዝባዊ ግንባር ማለት ንስኹም ኢኹም፡ ንስኹም ከም ቀደምኩም እንተሃሊኹም ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ ኣሎ። ንስኹም ከም ቀደምኩም እንተዘይሃሊኹ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ የለን ኢልዎም። ንሕና ደኣ ከም ቀደምና ኣለናን ፈረቓን’ምበር። ቀደም ብቁጠባና ብንብረትና ብሂወትና ሎሚ ከኣ ኩሉ ዝሓተትኩምና ንገብር ኣለና ከም ቀደምኩም ዘየለኹም ንስኹም ኢኹም። ካብ’ዚ እንታይ ኢና ክንወስድ ንኽእል እዞም ኣብ ዲያስ-ፖራ ንድግፈካ ኢና ኢሎም ዝዋጥይሉ’ውን ከይተረፈ ኣመለኻኽታኦም ኣብ ዝቕይርሉ ኩነታት’ዩ ተበጺሑ ዘሎ። ብግልባጥ ናይ’ዚ ሓቂ’ዝዩ ‘ምበኣር ኣብ ሚዲያ ናይ ህግደፍ ህዝብን መንግስትን ሓደ’ዩ ኣይፈላለን’ዩ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም’ዩ እንዳተባህለ ዝግለጽ። ኣብ ባይታ ዘየለ ነገር ከተምስል እንተደለኻ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዛዕባ ናይ ምውርራስ ዝብልዎ ካልእ ኣብነት ከምጸኣልካ ሓደ ግዜ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ኣብ ሳዋ ሰሚናር የካይድ ነይሩ። ሰሚናር እንዳካየደ እንከሎ፡ ህንጸት ገዛን ሃገርንሲ ዳርጋ ተመሳሳሊ’ዩ። ሃገር ከመይ ትህነጽ ገዛኸ ከመይ ትህነጽ ኢሉ ከረድእ’ዩ ዝፍትን ነይሩ። ሓቂ እንድሕር ዘይብልካ ኣብ ሃለውላው ኢኻ ትኣቱ፡ ኣብ ዘየድሊ ፍልስፍና ናብ ናይ ቃላት በዓቲ ኢኻ ትኸይድ። ስብሓት ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓቂ ብንጹር ቃላት ዝዛረብ ክፈላሰፍ ፈቲኑ። ገዛ ክትህነጽ እንከላ ገለኻ ነዳቓይ፡ ገለኻ ሚነዋለ፡ ገለኻ ፎርማን፡ ገለኻ ኢንጂኔር ትኸውን። ኩልኻ እንጂኔር ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ኩልኻ ድማ ሚነዋለ ኣይትኸውንን ኢኻ ኢሉ። ስብሓት ከሕልፈልና ዝደለየ መልእኽቲ ውሑዳት መራሕቲ፡ ብዙሓት ድማ ተመራሕቲ’ዩ ዝብለና ዘሎ። ህንጸት ገዛን ህንጸት ሃገርን ከመሳሳል እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይትጠምትዎ፡ መንእሰይ ተመራሒ ኮይኑ’ዩ ክነብር፡ ንሕና እቶም ውሑዳት ከኣ መራሕቲ ኮይና ኢና ክነብር’ዩ ዝብል ዘሎ። ስለዚ መንእሰይ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ኣካይድኡ እንዳተጸንዐን እንዳተመርመረን’ዩ ዝኸይድ።

ሓደ ሓደ ግዜ  ነዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኣሰካፊ ዋሕዚ ስደት እቲ መንግስቲ ብመደብ ከም ዝደልዮ ይረኣየካ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ናይ ሰራዊት ኣሃዱ ንነገራት ከመይ ስለምንታይ ኢሎም ዝመራመሩ ንቑሓትን ደፋራትን ሰባት እንተደኣሃልዮም፡ ከይኣስሮም ቤት ማእሰርቲ’ውን ኣይኣኽሎን እንታይ ይገብሮም እዞም ውሑዳት ነታ ኣሃዱ ብኣሉታ ኣብ ክንዲ ዝጸልውልና ነዛ ኣሃዱ ኣብ ከባቢ ዶብ ውሰድዋ ይበሃል፡ ሽዑ እቶም ሓድሽ ኣመለኻኽታ ዘማዕበሉ ሰባት ናብ ስደት ይኸዱ። ብድሕሪኡ ነታ ኣሃዱ ናብ ማእከል ይመልስዋ። እዚ ብመደብ’ዩ ዝስረሓሉ። ምኽንያቱ ኣሲሮም ኣሲሮም ክውድእዎ ኣይኮኑን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ልዕሊ መሬት ክንደይ ሰብ ተኣሲሩ ኣሎ ማእለያ የብሉን። ቀጻሊ ዝቃወሞም ቀጻሊ ዝሓትት ብንጹር መንገዲ ዝኸይድ ሰብ፡ ዕላማ ዘለዎ ብመትከል ዝግዛእ መንእሰይ ክሪኡ ኣይደልዩን’ዮም። ባሪያ ኮይኑ ተገዛኢ ኮይኑ ኣብ ዘእተውዎ ዝኣቱ፡ ኣብ ዘዝጻሕተርዎ ኲናት ኣትዩ ዝመውት መሐለዊ ስልጣን ክኸውን ዝኽእል መንእሰይት ጥራሕ’ዮም ዝደልዩ። እዚ’ዩ ኣካይዳ