ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:45 مساء - 26 09 1433 هـ (13 08 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 56 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መንዩ ተኽለ ማንጁስ ትንፋስ/ ንጹሃት ዘሕልፍ/


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 56 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መንዩ ተኽለ ማንጁስ ትንፋስ/ ንጹሃት ዘሕልፍ/

Takhla Manjos.jpg

//መራሒ ጭፍራ ህ.ግ.ድ.ፍ//

ህዝቢ ኤረትራ እንታይ በዲሉካ

እንታይ ኢለ ክጽዋዓካ

ሳጥናኤል ኣይፋል ውሕዱካ

ሉኡኽ ኣስራተካሳ ያእ ኩሉ ኢሉካ

እንታይ ኣሎ ኤረትርራዊ ዘይበለካ

ሕጂስ ኩሉ ፎእ ኢሉካ

መጽነት ደቀባት ተባሂልካ

ዘኽበሮ ህዝቢ ዝጠለመ ዶ ክብለካ

ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ምዃንካ

ኣማን ብኣማን ኣራጋጊጽካዮ ኢኻ

ኣብ መደምደምታስ  ሽም ረኺበልካ

ሕድሪ ጠሊምካ ምስ ጃንዳኻ

ብመስዋእቲ ደቀባት ጅግና ተሰሚካ

ህዝቢ ኣጥሚኻ  ጅባኻ መሊእካ:::

እወ

ሕድሪ ቲ ዕርዲ ኣፍሪሱ እንባ ዝደየበ

ግዕያቶም ከም ማይ እንዳ ኣንጠብጠበ

ኣካሉ ዝጎደለ በጃ ህዝቡ ደሙ ዝሃበ

ገብንዩ ብማፍያዊ ጉጅለ እንተተለብለበ//

ኣስተውዕሉ ኣቱም ሰባት

ናይ ህግደፍ ኣንባሳደራት

ህግደፋዊያን ቆንሰላት 

ደጊም ቦታ የሎን ንወይጦታት

ንመጣቓዕቲ ንጠላማት

ቐሪቡዩ ናይ ሓርነት ሰዓት//

መራሒኦም መንደላይ ክልተ ኣፉ

እኒ ማንጁስ መንእሰያት ይኽንትፉ

ከም ሓርገጽ ካብ መሬት ጠሊፉ

ናብ ማይ ኣትዩ ዘንፈፉ

እኒ ተኽለ ማንጁስ ካኣ

ትንፋስ ንጹሃት የሕልፉ//

እኒ ተኽለ ማንጁስ ሉኡኻቱ

ኢሰያስ ምስ ጀነራላቱ

ህዝቢ ኣጥምዩ ይዕፍቱ

መራሒ ሃገር ኣይኮነን መራሒ ሸፋቱ

ንኤረትራ ዝተረፉ ህዝባ ከይጸነቱ

ደቂ ኤረይ ተጠርኒፍኩም ክተቱ

ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ ኣይትተዓመቱ//

ንፍትሒ ረጊጽኩም

እናበልኩም ንሕና ንሱ

ንዲክታቶር ክተሕጉሱ

ያኣክል ንሕና ንሱ ንፍትሒ ተበገሱ//

ንሱ ንሕና

እንዳ ኣሰረ መራሕቲ ሃይማኖትና

እንዳ ቀተለ መሻይኽና ኣቕሽትና

በብሓደ እንዳ ቀንጸለና

ከም ማል ናብ ዕዳጋ እንዳ ኣውረደና

ኣብ ሲናይ እንዳ ተጠብሑ ኣሓትና

ንዘይ መረጽክምዎ ትብሉ መንግስትና

ብንሕና ንሱ ብዙሕ ጸሚምና

እንተ ንሕና

ከማኹም ኣይኮናን ንጹርዩ ዕላማና//

ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ

ኣብዚ ሎሚ

ብጀካ ቶም ሰብ ጠቕሚ

መን ኣሎ ንህግደፍ ዘይሓሚ//

ንፍትሓዊ ቃልሲ እንተ ዓደምካዮም

ዝብሉ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኬሉኒ

ገዛይ ከይጠፍኣኒ ሕደጉኒ

ተጸጊዔ ክጸንሕ ግደፉኒ

ምስ ተዓወትኩም ምሕዋስ ይሕሸኒ//

በለጽ ዝኣመሎም እኒ ጉሒላ

ምስ ህግደፍ ተጸጊዖም ይሓምዩና

ኣምለኽቲ ንናይ ህዝብና ንደመኛ

ኣንስቶም ኢሰያስ ክሕጎሰለን ዝቑነና

ኣብ ቴቪ ኤረይ ክብላ ራኣዩና ራኣዩና

ወዲ ኣፎምዩ መራሒና ይንበረልና

መረባዕና ቪላና ከይጠፍኣና//

እወ ተፈሊጥኩም

ደለይቲ ፍትሒ እንተ ተዓዊቶም

ንደቀባት ይምለሶም

ዝተወርሰ መሬቶም

ይግደፉ እቶም

ብዶላር ዝወረሲ ዘይናቶም//

ያኣክል ተቐበሉ ጻዊዒትና

ብሰንኩኹም ተዋሪዱ ህዝብና

እንተ ኣቢኹም ግና

መጺኹምና ኣይመጺኹምና

ናይ ግድንዩ ዓወትና

ግዝየ ኮሎ ነማሕጽነኩም ኣና//

ንጃንዳ ኣይንሃብ ዕድል

ብህግደፋዊያን እኒ ገበል

ተናስሑ ሓቢርና ዓገብ ንበል

ያኣክል ክንደይ ሻዕ ክንብደል//

ፎእ ንኢሰያስ ምስ ዑሲባቱ

ኣኺሉዩ ሰዓት ውድቀቱ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነኣመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን