ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራ&#466
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 08:20 ΥΘΗΝΗ - 30 09 1433 εά (17 08 2012 γ)

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሓምሻይ ክፋል


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሓምሻይ ክፋል

Journalist Amaneal.jpg

ሕቶ፡- ሕራይ ኣማኒኤል ከም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝነበርካ መጠን፡ ኣብ 2007 ሰለስተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ሶማል ከም ዝተማረኹ ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ህግደፍ ግን ዛጊት ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ’ዚ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን። ብወገንካ’ኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣፍልጦ ኣለካ? 

ኣማኒኤል፡- ኣብ 2007 ስርዓት ህግደፍ ንህዝቡ ከይሓበረ ኣብ ሶማል ዘካየዶ ወተሃደራዊ ምትእትታው ነይሩ እዩ። እቲ ምትእትታው ከምቲ ዝተሓስቦ ከይኮነ ምስ ተረፈ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ከይሓበረ ንደቁ ናብኡ ወሲዱ የእትይዎም እዩ። ዝኾነ ካልእ ምስክር ከይደለና ሰለስተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ነይሮም ኣብቲ ቦታ’ቲ ዝተታሕዙ። እቲ መንግስቲ ግን ነዞም ሰለስተ ኣባላትና ክሳብ ብዜግነቶም እዩ ክሒድዎም። ጃኪንባል ዝተባህለ ናይ ሮይተርስ ወኪል ካብ ናይ ሮቢ /ኬንያ/ ናብ ኣስመራ መጺኡ ንኢሰያስ ቃለ-መጠይቕ ክገብረሉ እንከሎ፡ ኣብ ሶማል ምትእትታው ኣይገበርናን ትብሉሲ ሰለስተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ሶማል ተታሒዞም እንድዮም ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ካብ ጎደናታት ናይ ሮቢ ተገፊፎም ዝመጹ ‘ዮም እምበር፡ ንሕና ናብ ሶማል ዝለኣኽናዮም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኢሉ መሊስሉ። ሓደ ካብ’ቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሳልሕ ጋማ ኣዳላዊ መደብ ቋንቋ ትግረ እዩ። ኣብ ኤሪ-ቲቪ ብቐጻሊ ኣብ እስክሪን ዝረአ ዝነበረ እዩ። ነዞም ኣጸቢቕና ንፈልጦም ሰለስተ ኣባላትና ካብ ጎደናታት ናይ ሮቢ ዝመጹ ‘ዮም ኢልካ ንሰብ ከተደናግር ዝከኣል ኣይኮነን። ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ‘ውን መከላኸሊ ዝስእነሉ ናይ መልሲ ጥፍሽና ኣጋጢምዎ ዘሎ ስርዓት እዩ። ነቲ ይኣምነሉ’የ ዝብሎ ፖለቲካዊ መስመሩ ‘ውን ክከላኸለሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ  ከም ዘሎ’ዩ ዘርእየካ።

ሕቶ፡- ሞያ ምምህርናን ኣተሓሕዛ መምሃራንን ከመይ ከም ዝመስል’ዶ ምገለጽካልና?

ኣማኒኤል፡- ኣብ 2007 ኣበይ ኣለኹም ኢሎም ዘኪሮሞም ዘይፈልጡ መምህራን፡ ንመሰል መማህራን ዘይጣበቕ ከም ኩለን እተን ሃማደኤ ሃማመተኤን ሃኮሰኤን ዝበሃላ ማሕበራት መሳርሒ ዝኾነ ማሕበር ኣሎ። ኣብ ኤርትራ’ኮ ክብሪ መማህራን ምስ ሞተ’ዩ ትምህርቲ መይቱ። ዋዕላ መማህራን ተባሂሉ ብደረጃ ሃገር ዝተወደበ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ጋዜጠኛታት ኮሚቴ ወዲቡ፡ ክንዳይ ናይ ሚዲያ ስራሕ ዝሰርሓሉ ዋዕላ ኣብ ባጽዕ ተኻይዱ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ፣ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፣ ወረቓቕቲ ዘቕረብሉን ኣይብላዕ ኣይስተ ዘረባታት ኣስሚዖም ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዝወደቕሉ ዋዕላ’ዩ ነይሩ። ክብሪ መምህርና ወዲቑ ከም ዘሎ ዶ/ር ገብረብርሃን ምክትል ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ኮለጅ ማይ ነፍሒ ሓደ ግዜ ኣብ ሳዋ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ተማሃሮ ማትሪክ ተፈቲኖም ምስ ሓለፉ፡ ብዛዕባ ኣመዳድባ ናይ ኮለጃት መብርሂ ይህቦም ነይሩ ነቶም ተማሃሮ። ነቶም ዝሓለፍኩም ኣብ ዝተፈላለየ ኮለጃት ክንምድበኩም ኢና። ንሎሚ ዓመት ተታሒዙ ዘሎ ፍሉይ መደብ ግን፡ ኣብ’ዛ  ሃገር ዘሎ ጸገም ናይ መማህራን ሃጓፍ ወይ ሕጽረት ስለ ዝኾነ፡ መማህራን ብስደት ይጠፍኡ ስለዘለው፡ እሞ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ዝበዝሕ ሃጓፍ ስለዘለና ካብ’ቶም ሎሚ ዓመት ትሓልፉ ተማሃሮ፡ ዝበዛሕኩም ኣብ ኮለጅ መማህራን ክንምድበኩም ኢና። ኣስዒቡ ድማ ኩልኹም መምህር ምዃን ከም ዘይትፈትው ይፈልጥ እየ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሞያ ምምህርና መውስቦ ዝኽልክል ሞያ ኮይኑ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እቲ ቀንዲ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ኣጋጢሙና ዘሎ ኣብዚ ሞያ’ዚ ስለዝኾነ ግን ኣማራጺ ‘ውን ስለዘይብልና ነቶም ዝበዛሕኩም ኣብ ኮለጅ መምህራን ክንምድበኩም ተገዲድና ኢልዎም። ሞያ ምምህርና ኣብ ከመይ ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብቲ ኮለጅ ኮፍ ዘበሎ ዶክተር ‘ዩ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ዘሎ። ቅድም ኣብ ሕብረተሰብ መምህር፡ ደቂ መምህር፡ ሰበይቲ መምህር ክብሃል እንከሎ ከመይ ዓይነት ክብረት ከም ዝነበሮም ንዝክሮ ኢና። ሕጂ ድማ ዕድመ ንስርዓት ህግደፍ ሞያ ምምህርና ኣብ ከምዚ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ንከምስሉ ድማ ብስም ማሕበሮም ዋዕላ ኣካይዶም ማእለያ ዘይብሉ ዘይትግበር መብጽዓ ድማ ተኣትይሎም።

ሕቶ፡- ህግደፍ ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን’ከ ኣብ ህዝቢ ከመይ ይጉስጉሰሉ?

ኣማኒኤል፡- ንደምበ ተቓውሞን ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ‘ዮም ዝሰርሑ። ኤርትራ ተቓወምቲ የብላን ይብሉ፡ ብቐደሙ’ኸ እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለው ኤርትራውያን ተቓወምቲ ህግደፍ ’ምበር ተቓወምቲ ኤርትራ ድዮም? ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ እምበር ተቓወምቲ ኤርትራ እኮ የለን፡ ኤርትራ ናይ ኩላትና እያ። ንደምበ ተቓወምቲ ክገልጽዎም ከለው ግን ተቓወምቲ ኤርትራ ይብልዎም። እንደገና ኸኣ ተቓወምቲ የብልናን፡ እዚ ማለት ህዝብን መንግስትን ኢድን ጓንትን ‘ዮም ንምባል እዩ። እዞም ዝስደዱ ዘለው መንእሰያት ኣይናትናን ‘ዮም ሓተላ ግለት ‘ዮም ዝብል ብልሳን ተራ ሰብ ዘይኮነስ ብመራሒ ሃገር ዝወጽአ ቃል እዩ። ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ነዞም ኢትዮጵያ ዝነብሩ ከባቢ 60 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛ ዝበሃል የብልናን ኢሉ ክሒድዎም። ኣለና ክብሉ ድማ ድምጾም ከስምዑ ክሳብ ሰለማዊ ሰልፊ ወጺኦም። ስለምንታይ ነዚ ይክሓድ? ተኻሒዱ ይክሓድ ድዩ? ተሸፊኑ’ኸ ይሽፈን ድዩ? ሎሚ ሓቂ ክትቅበረሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ እዩ ተበጺሑ፡ ሓቂ ብእግራ እንተቐበርካያ ብርእሳ ትወጽእ። ነዚእዮም ግን ኣብ ሚድያ ክሽፍንዎ ዝሓስቡ ዘለው።

ሕቶ፡- ስርዓት ህግደፍ ህላወ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ብመትከል ኣይቅበልን ‘ዩ፡ እኳ ድኣ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት እምበር ብሄራት የለዋን ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ መንግስቲ ‘ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግን ናይ ብሄራት ህልውና ከም ዘሎ ከም ዝኣምን ኣምሲሉ ብፍላይ ኣብ ብዓላት፡ ብኣልባሳትን ናይ ኣደ ቋንቋን ኣቢሉ ከብለጭልጭ ይረአ እዩ’ሞ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከመይ እየን ዝተኣናጋዳ እዘን ብሄራውያን ቋንቋታት?

ኣማኒኤል፡- ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ከም ትካል እንተርኢናዮ ተኸተልቲ ኩለን ሃይማኖታት ኣለውዎ፡ ተወለድቲ ኩለን ብሄራት ከኣ ኣለውዎ። ስለዚ ሳምፕል ናይ ኤርትራ ጌርካ ክትወስዶ ዝከኣል እዩ። በቲ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ዝካየድ ኣተሓሕዛ ብሄራት ጌርካ፡ ነቲ ኣብ መላእ ሃገር እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ኣተሓሕዛ ናይ ብሄራት ነጸብራቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣይኮነን ኣብ ጽሑፋትን መግለጺታትን ኣብ ተራ ዝርርብ ‘ውን ብሄር ዝበሃል ቃል ከይትጥቀም እዩ መምርሒ ዝወሃበካ። ቋንቋ ኢኻ ትብል። ኣብ ኤርትራ መሰል ብሄራት ዝበሃል ነገር የለን። ቋንቋ ኣደ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ካብቲ ብዝለዓለ ዝስርሓሉ ስራሕ እዩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ እናበለ ብሄራት ርእዮሞ ብዘይፈልጡ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ገይሩ ከምህሮም ይፈሊ። ንሳቶም እዚ ቋንቋ ኣደ ኣይንደልን ኢና በቲ ንፈልጦ ትግርኛ ወይ ዓረብ ይሕሸና ይብሉ። እቲ ስርዓት ግን ብኣስገዳድ ትመሃረሉ ፊደላትን ቋንቋታትን ኣነ እየ ዝውስነልካ እዩ ዝብል። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንተመጺእካ ‘ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ብቋንቁኦም ይፍኖ እቲ መደብ፡ ህግደፋውያን ግን ነዚ ከም ሓደ ብልጫ ገይሮም እዮም ዝቐርጽዎ። ኣብ ኣተዓዳድላ ናይ ኣየር ግዜ ወጽዓታት ኣሎ። ንኹሉ ብሄር ናይ ኣየር ግዜ ክህልዎ ፈቒድካሉ ግን ድማ ክንድቲ ክትህቦ ዝግበኣካ ግዜ እንተዘይሂብካዮ ነቲ ብሄራዊ መሰሉ ኣኽቢርካሉ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ብሄራውነቱ ብዓይኒ ስልቲ ኢኻ ትርእዮ ዘለኻ። ናይ ሓደ ብሄር ካብቲ ናይ ፈነወ ግዚኡ ፍርቁ መንጢልካ ንኻልእ ተቓዋሚ ውድብ ትዕድሎ እንተኾይንካ፡ ነቲ ውሽጣዊ ብሄራዊ መሰላት ዘይኮነ ነቲ ፖለቲካዊ ዕላማታትካ ኢኻ ተቐድም ዘለኻ። ካብ ናይ ብሄራት ናይ ኣየር ግዜ ተተነክዮ ናብ ናይ ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዓደለ ናይ ኣየር ግዜ መሊኡ እዩ። በዚ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ዝተፈጥረ ስምዒታት ማእለያ የብሉን ክሳብ ሕጂ ‘ውን ኣሎ።

ብዛዕባዚ ሓንቲ ኣብነት ከምጽኣልካ ኣብ ውሽጢ ድምጽ ሓፋሽ መተካእታ ዘይብላ ሓንቲ መፈነዊት ትራንስሚተር ‘ውን የብልናን ተባሂሉ፡ ካብ ኩለን ብሄራት ናይ ኣየር ግዜ ተነኪዩ ንተቓወምቲ ውድባት ጎረባብቲ ሃገራት ተዋሂቡ። ንሕና ዲና ቀዳሞት ተጠቀምቲ ናይ ኣየር ግዜ ክንከውን ዘለና ወይ’ስ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ፖለቲካዊ ኣካይዳ? ህግደፍ ግን እቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዎ ሽግር በዞም ተቓወምቲ ውድባት ክፈትሖ ስለዝደሊ ካብ ብሄራት ኤርትራ ናይ ኣየር ግዜ መንዚዑ ነዞም ተቓወምቲ ሂብዎም። ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ንኩለን ብሄራት ከከም ብዝሐን ማዕረ ናይ ኣየር ግዜ ይህብ እየ ይብል፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ኩለን ብሄራት ናይ ኣየር ግዜ ኣድልዎ ይፍጠር እዩ ንሱ ዝወለዶ ድማ ስምዒታት ይፍጠር። ስለዚ ድማ ኮነ ኢልካ ናይ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት ምፍጣር ተገምጢልካ ድማ ብትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት ምኽሳስ ይመጽእ። እቲ ስርዓት ህዝቢ ሃገራዊ ክኸውን ኣየኽስቦን እዩ ትሕቲ ሃገራዊ ክኸውን ከሎ እዩ ዘኽስቦ። ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብሃገር በብጉጅልኡ በብወገኑ ክጎጃጀል እንከሎ እዩ ንህግደፍ ዘዋጽኦ። ዋላ’ኳ ብኣፉ ትሕቲ ሃገራውነት ኣየዋጽኣናን እዩ ሓድነት፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ እንተበለ ንብሄራት ከበር ኣይህበንን እዩ። ኣብቲ ሚኒስትሪ ኮነ ኢልካ ንመባኣሲ ንመቀሓሓሪ ተባሂሉ ንትግርኛ ክብ ዝበለ ናይ ኣየር ግዜ ይውሃብ ነተን ካልኦት ብሄራት ድማ ውሑድ ግዜ ይውሃብ፣ ምትፍናን ይፍጠር ካብቲ ምትፍናን ከኣ እቲ ትካልን ኣመሓደርቱን ይኸስቡ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኩሉ ዓይነት ክፍልታት ሕብረተሰብ ኣሎ፡ ስለዚ እየ ድማ ነቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዘሎ ኣተሓሕዛ ናይ ብሄራት ከም ውክልናዊ ነጸብራቕ ኣብ ምሉእ ሃገር ዘሎ ኣካይዳ ናይ’ቲ ስርዓት እዩ ዝብል ዘለኹ።

ሕቶ፡- ንስርዓተ ፍትሒ ጭፍራ ህግደፍ ዝምልከት’ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

ኣማኒኤል፡- ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ የለን። ስርዓት ህግደፍ ሕጊ ዝጽይን ስርዓት እዩ። ካብ ሕጊ መኽሰብ ኣለኒ ኢሉ ዝሓስብ ስርዓት ኣይኮነን። ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ጀሚሩ ንይምሰል ቅዋም ክነድፍ እየ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክረጋገጽ እዩ ዝብል ተዋስኦታት ገይሩ ነይሩ። እቲ ንተዋስኦ ኢሉ ዝሓሰቦ ነገር ከም ዕቱብ ነገር እናኾነ ምስ መጸ፡ ነቲ ጉዕዞ ናይ ደሞክራስያውነት ኣንፈቱ ቐይሩ ናብ ካልእ ነገራት የእትይዎ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኤርትራ ነውርታት መሊኦም ‘ዮም። ብቋንቋ ሕጊ ምዝራብ፡ መሰል ምሕታት፡ ርእይቶኻ ምግላጽ፡ ካብ ኣመለኻኽታ ናይ’ቲ መንግስቲ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ምሓዝ…ወዘተ ኣብ ኤርትራ ነውርታት’ዮም። ብቋንቋ ሕጊ ምዝራብ ነውሪ’ዩ። ስለምንታይ ብሕጊ ዘይንኣምን ምባል’ውን ነውሩ’ዩ። ነውርታት ዝበዝሓሉ ሕጊ ዝማሰነሉ ሃገር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ፖለቲካ መድረኻት ብሕጊ ክማጎቱ ኢሎም ክሓስቡ እንከለው ኣዝዩ ይገርመኒ። ንኣብነት ዓሊ ዓብዱ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሚዲያታት ቃለ-ማሕተት ክገብር እንከሎ፡ ንናይ ኣህጉራዊ ቻርተራት፡ መትከላት ምዕራፋት እንዳጠቐሰ ክማጎት ክሰመዖ እንከለኹ፡ ብቋንቋ ሕጊ ንዘይዛረብ መንግስቲ ዘገልግል በዓል ስልጣን ካበይ ኣምጺእዎ እዚ ቋንቋ’ዚ፡ ከመይ ገይሩኸ ይማጎተሉ? ቋንቋ ሕጊ ኣብ ነብስኻ ምስ መጻካ ኣይኮንካን ትጥቀመሉ። ነብስኻ ክትከላኸል እንከለኻ እንተደኣ ብቋንቋ ሕጊ ትጥቀም ኮይንካ፡ ህዝብኻ ከተመሓድር እንከለኻ’ውን ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ክትኣምን ክትሰርሓሉ ክትክእል ኣለካ።

ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ህግደፍ ቀዳማይ እገዳ ኣብ 2009 ምስተበየነ፡ ዓሊ ዓብዱ ብተደጋጋሚ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ መልሲ ይህብ ነይሩ። ሓደ ካብ’ቲ ሽዑ ዝገልጾ ዝነበረ ንዓንቀጽ 39 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መማጎቲ ነጥቢ ይጥቀመላ ነይሩ። ብመሰረት ሕጊ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 39  ባይቶ ጸጥታ ባዕሉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ትዕዝብቲ’ዩ እገዳ ዘንብርን ዘየነብርን ’ምበር፡ ብውክልና ኣይኮነን ንዝብል፡ ካብ መንጎ ብዙሓት ሕግታት ነዚኣ በጥቊሉ ኣውጺኡ በዚኣ ክማጎት ይፍትን ነይሩ። ብሕጋዊ ዓንቀጻት ምዝራብ ኣበይ ለሚድዎ፡ ኣባል ኣየናይ ስርዓት ምስ ኮነ’ዩ ዝፈልጦ? ኤርትራ በጋሚዶ ብዝኾኑ ሰባት ትመሓደር ምህላዋ ሓንቲ ኣብነት ክውስኸልካ፡ ብምኽንያት 20 ዓመት ነጻነት ኩለን ሚኒስትሪታት ሲምፖዝዮም ውዲበን የካይዳ ነይረን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ውን ኣብ ሆቴል እንተር ኮንቲኔንታል ኣስመራ ሲምፖዝዮም የካይድ ነይሩ። ከም ኣካል ናይ’ቲ ሲምፖዝዮም ናይ ስእሊ እግዚቪሽን ቀሪቡ። እቲ ናይ ስእሊ እግዚቪሽን ጉዕዞ 20 ዓመት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ዩ ዘርኢ ነይሩ። ኣብ’ቲ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ውሽጢ’ቲ 20 ዓመት ነቲ ትካል ዝመርሕዎ ግን ከኣ ብኣረኣእያኦም ዘይተፈትው’ሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ሰባት ኣብ’ቲ ስእሊ ኣይተኻታቱን። ብኣንጻሩ ስእሊ የማነ ገብረኣብ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደሚቑ ይረአ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንየማነ ገብረኣብ ከም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣይኮነን ዝፈልጦ። ከም ፖለቲካዊ ኣማኻርን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን’ዩ ዝፈልጦ። ሃይለ ወልደትንስኤ /ድሩዕ/ ነዚ ሚኒስትሪ’ዚ መሪሕዎ’ዩ። ጴጥሮስ ሰለሙን መሪሕዎ’ዩ። ናይ 20 ዓመት ንጥፈታት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ እግዝቪሽን ተርኢ እንተሊኻ ኣብ ወሽጢ’ዚ 20 ዓመት እዞም ሰባት እዚኦም ኣለው። ውሑድ ስእሊ ናይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ውሑድ ስእልታት ናይ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣምጺኦም ዝበዝሕ ናይ የማነ ገብረብ ገይረሞ።

እንታይ መልእኽቲ’ዮም ከመሓላልፉ ደልዮም? ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ሲ ናይ የማነ ገብረኣብ ናይ ብሕቲ ንብረት’ያ ማለት’ዩ። ፖለቲካዊ መሃንድስ ናይ’ዛ ትካል እዚኣ ንሱ’ዩ። እቶም ካልኦት ባንቡላታት’ዮም ማለት’ዩ። ብዘይወግዓዊ ኣገባብ የማነ ገብረኣብ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክሳብ ኣምባሳደራት ናይ ምሻም ስልጣን ከምዘለዎ ይፍለጥ’ዩ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ባንቡላ ምዃኑ ብዙሓት ዝዛረብሉ’ዩ። ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ወግዓውነት ከልብስዎ ስለዝደለዩ ግን ኣብ’ቲ ብሕጊ ንዕኡ ዘይምልከቶ ትካል ስእሉ ኣድሚቖም ኣምጺአሞ። ካብ’ቲ ዝገርመካ ሓደ ዝፈልጦ በዓል ስልጣን ናይ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ንኣምባሳደር ሃና ፍሉይ ኣቢሉ ወሲዱ እንታይ ኢኹም ተርእዩና ዘለኹም ዝዓይነቱ ብኢዱ ምልክት ገይሩላ፡ ኣብ’ቲ ብዙሕ ሰብ ዝነበሮ ኣዳራሽ፡ ንሳ ድማ ኢዳ ኣብ ከንፈራ ገይራ ስቕ በል ኢላቶ። ኣምባሳደር’ያ ኸኣ። ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ዝነብረት ሕጂ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊት ስደተኛታት ኮይና ትሰርሕ ዘላ’ያ። ዋላ ንሕድሕዶም’ውን ክዛረብዎ ዘይደልዩ ዝተዓብዓበ ስምዒታት ኣሎ ኣብ ውሽጢ። እቲ እንታይ ኢኹም ተርእዩና ዘለኹም ዝብል ዘሎ’ኮ ሓላፊ’ዩ። እታ ስቕበል ትብሎ ዘላ ከኣ ሓላፊት’ያ። ከም’ቲ “ዝረኣናዮ ኣይዘርበና በለት ጉብጥሽ” ዝበሃል ተዛሪብና ስለ ዘየዋጽኣና ስቕን ንበልዩ’ቲ ምርጫ። ካብ’ዚ ተበጊሰ’የ ድማ ኣቐድም ኣቢለ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝመሽመሸ መንግስቲ ደሞክራስያውያን ባእታት ኣይሰኣኑን’ዮም ዝበልኩኻ። ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ብውሑዳት ካብ ኣርባዕተ ሓሙሽቲ ዘይበዝሑ ሰባት ዝተገበተ፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ዝተጠቕለለ’ዩ።

ሕቶ፡- ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ህግደፍ ዘንበሮ ናይ ኣገዳ ብይንን ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳን ኣመልኪትካ’ኸ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

ኣማኒኤል፡ እገዳ ምስ መጻ ዓሊ ዓብዱ ንዜናዊ መዳዩ የማነ ገብረኣብ ድማ ንፖለቲካዊ መዳዩ፡ ነናቶም ናይ ስራሕ ምክፍፋል ገይሮም ኣብ ወጻኢ ብዙሕ ሰልፍታት የካይዱ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ክውደብ ኣይተደልየን። ዓብደላ ጃብር ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ከይዱ ነቶም ተማሃሮ ኣኼባ ገይሩሎም። ኣብ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ምስተኣትወ ኢዶም ዊጥ ኣቢሎም ሓቲተሞ። ኣንጻር እገዳ ኣብ ወጻኢ ሰልፊ ክግበር ርኢና፡ ኣብ ውሽጥኸ እንታይ ኮይኑ ዘይግበር ኢለሞ? ዕድመ ነቲ ሃብታም ቋንቋና “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት እቶም ዕሩቓት’ከ ትሑዛ” ከም ዝበሃል ምዃኑ’ዩ።  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ክውደብ ዘይተደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፡ ደግፈና ኢልና ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ተዋስኦ ክንገብርን ክንብል ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር እንተምሃርናዮ’ኸ ዝብል ስግኣት’ዩ ነይሩ። ገለ ብሓቂ ክግበር ስለዝደሊ ገሊኡ ድማ እንታይ ኮይኖም’ዮም ዘይገብሩ ክፈልጥ ስለዝደሊ እንታይ ኮይኑ’ዩ ዘይግበር ዝብል ናይ ሓደ ሓደ ሰባት ርእይቶታት’ውን ስለዝነበረ፡ ሽዑ ነዛ ስምዒት እዚኣ መዕበሲት ትኸውን መደብ ወዲቦም። ዓሊ ዓብዱን ኣመሓድሪ ዞባ ደቡብ ሙስጠፋ ኑር ሑሴንን ኮይኖም፡ ንኢሳያስ ናብ ዞባ ደቡብ ክኸይድ ወዲበምሉ። እታ ዑዳት ከም እግረ መንገዲ ክትመስል፡  መጀመርያ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ኣዚረሞ። ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ዞባ ደቡብ ከኣ ከመይ ዝበለ ዳስ ተዳልዩ፡ ገጠምቲ፣ ማሰኛታት፣ መደርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መሻይኽን ኣቕሽሽትን ተዳልዮም ተቐሪቦም ነይሮም። ንኢሳያስ ኣዚሮም ናብ’ታ ዳስ ኣእትየሞ። ከም/ዛ ዘይሰምዓ ዘይተሓበረቶ፡ ኣነስ ንካልእ ዑደት ኢለ መጺአ ከም’ዚ ይጸንሓኒ ኣይበልኩን ነድሪ ናይ ህዝበይ ድማ ርአዮ ኣለኹ ኢልዎም። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳታት ክትዝክር እንከለኻ ሓደ ግዜ የስሕቐካ፡ ህዝብን ሃገር ዝብደለሉ ስለ ዝኾነ ከኣ ንውሽጥኻ ዘሕዝነካ ነገራት ትርኢ ኢኻ።

ሕቶ፡- ናብ ካልእ ሕቶ ከስግረካ ኣማኒኤል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ በቲ መንግስቲ ብዝያዳ ዝተወጸዐ ክንሱ፡ ኣብ’ቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከም’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ርሱን ተሳትፎ ኣየርእን ኣሎ ተባሂሉ ይሕመ ካብ ምንታይ ይብገስ ትብል’ዚ?

ኣማኒኤል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ተወጺዑ እንድዩ። ግን እቲ ቀንዲ ብጨቋኒ መሓውራት ናይ’ዚ መንስግቲ’ዚ ዝተወጸዐ ዝተበደለ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ መንእሰይ’ዩ። ስለዚ፡ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ’ውን በዚ መንእሰይ’ዚዩ ክመጽእ። መንእሰይ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መኣዲ ምስ ዝዓስል ለውጢ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። መንእሰያትና ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመታት እንታይ ኣጋጢምዎም፡ ሎሚ ብዛዕባ ስደት ክንዛረብ እንከለና’ውን ዝሰደዱ ዘለው ንሳቶም’ዮም። እቲ ሓሳረ መከራ ንሳቶም’ዮም ዝረኽብዎ ዘለው። ስለዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ኣደራዕ ኣብ እንግድዓ መንእሰይ ወሪዱ ከምዘሎ ስለዝተረድኡ፡ ዘይከምቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ሎሚ ናይ ምእትእኽኻብ ኣንፈት የርእዩ ኣለው። እዚ ናይ ምትእኽኻብ ጅማሮ’ዚ ከኣ ነቲ ስርዓት ሰላም ዝህቦ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ምናልባሽ፡ ከም ተርእዮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምትእኽኻብ ዕድላት ዘይክህሉ ይኽእል’ዩ። ካብ ኤትርራ ውጽእ እንተደኣ ኢልካ ግን ኣብ ፈቖዶ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን መንእሰይ ይተኣኻኸብ ኣሎ። ስመር ትብል ቋንቋ ሰኒቑ ይስመር ኣሎ። እቲ መንእሰይ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ከምኡ ዝኣቱ ዘሎ፡ በቲ መንግስቲ ዝህሰ ዘሎ ንሱ’ዩ ለውጢ ምስ ዝመጽእ ቀዳማይ ተጠቃሚ ከኣ ንሱ’ዩ ክኸውን። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ኤውሮጳን ኣስራኣኤል ክንቃለስ ኢና ነዚ መንግስቲ’ዚ ብሓይሊ ብረት ከነንበርክኾ ኢና ኢሎም ናብ ሜዳ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝወፈሩ መንእሰያት ነይሮም’ዮም። ካልኦት’ውን ኣሰሮም ይስዕቡ ኣለው’ዮም። እዚ ሕጂ እንታይ’ዩ ዘርእየና መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ሕንቃቐ ደኣምበር ጭቆና ኣይኮነን ዝብል በቲ መንግስትን ደገፍቱን ዝንዛሕ ወረታት ዝሃርም’ዩ። ሓደ ካብ ጥይት ሓለውቲ ዶብ ድሒኑ፡ ካብ ዓሳ ባሕሪ ኣምሊጡ ክንደይ መስገደል ሰጊሩ ኤውሮጳ ዝኣተወ መንእሰይ፡ የለን ህዝበይ እንዳተሳቐየ እንከሎ ናብራ ኤውሮጳ ንዓይ ኣይጥዕመንን’ዩ ኢሉ እንተደኣ፡ ኣብ በረኻ ከይደ ክቃለስ’የ ኢሉ ዝምለስ ኮይኑ፡ ንቕሓት ኤርትራዊ መንእሰይ ይዓቢ ከምዘሎ’ዩ ዘርእየና። እዚ ሓድሽ ምንቅስቓሳት’ዚ ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ መንግስቲ ዝፈጥረሉ ጭንቀት ርዱእ’ዩ። እቲ ጭፍራ መንእሰያት ህግደፍ ብዝብል፡ ክውንነት ናይ ኤርትራ ዘይፈልጡ ባህልናን ቋንቋናን ዘይፈልጡ ክንሶም፡ ብመንነቶም ተኣኻኺቦም ብዛዕባታ ዘይፈልጥዋ ኤርትራ ዝጉስጉሱ ወዲቡ የንቀሳቕሶም ከምዘሎ ኩሉ ፍሉጥ’ዩ።

እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ከይዱ ዘሎ መንእሰይ ግን ንኤርትራን ህዝባን  ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጣ፡ ንባህሪያት ናይ’ቲ መንግስቲ ክሳብ ዝኣኽሎ ኣጽኒዖዎ ዝኸደ መንእሰይ’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ናይ ስጡም ጥርናፌ ሕቶ ጥራሕ’ዩ ተሪፉ ዘሎ። ሓያል ጥርናፌ ንምፍጣር ድማ ቃልሲ የድሊ። ድሮ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ