ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ (2)
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ (2)
ካልኣይ ክፋል
ሕቶ፡ ነዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ስግኣታት፡ ክምልስ ዝኽእል እቲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ብኣረኣእያ ተቐራሪቡ ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ናቱ ኣወንታዊ ጽልዋታት ከሕድር እንተበቒዑንዩ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ከምኡ ክገብር ዝኽእል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ኣይተረጋገጸን ኣሎ። ብተግባር ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ልዕልነት ሒዘምሉ ዘለው መድረኽ ኢና ዘለና። ምንጪ ናይ ድኽመታትና ድማ እዚዩሞ ካብዚ ክንወጽእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ወይ ክንገብር ኣለና ትብል?
ኣርሀ፡ ናይ ብሓቂ ከቢድ ሓያል ሕቶዩ። እቲ ብሓቂ ዘሳቕየና ዘሎ ጸገማት ንሱዩ። ኣነ እንታይ ይብል ድሕሪት ተመሊስና ኣብቲ ዝተናወሐ ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ኣቐዲምና ክንፈትሖም ዝነበረና ናእሽቱ ጸገማት ክንፈትሖም ዘይምቃዕና፡ ግዜ እናነውሐ ብዝኸደ ዘይምትእምምማን እንዳፈጠረ ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ ካብቲ ዘሳቕየና ዘሎዩ ይብል ኣነ። ካልኣይ ነገር ነዚ ክንስዕር እንተደኣ ኮይና ብወገና፡ ኣነ ብብዙሕነት ናይ ፖለቲካ ይኣምንየ፡ እቲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ክላለ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ግድን ኣይኮነን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሓደ ክንመጽእ። እዚ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ደገፍቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ዘኮማስዕዎን ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል ኣብ ኣምር ናይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲውን ስለ ዘየለ ጽቡቕ ኣይኮነን። ግን እቲ ብዝወነኖ ፖለቲካዊ ፕሮግራም መሰረት ደሞክራስያዊየ ዝብል ሓይልታት ክጠራነፍ፡ ኣብ ዕላማ ክሳማማዕ ማለትሲ ኣብ መስርሕ ፕሮግራማቱ ዘፍቅደሉ እንተደኣ ኮይኑ ሓደ ክኸውን ይኽእልዩ ግን ከኣ ግድን ኣይኮነን ሓደ ክትከውን በቲ ዘራኽበካ መትከላዊ እምነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተኸቲልካ ንምስራሕ እንተተበቒዑዩ ክፍታሕ ዝኽእል ኢለ እርኢ።
ብካልእ ንምስ መድረኽ ዝኸይድ ንመድረኻዊ ሕቶታት ዝምልስ መሪሕነት የድልየና ኣሎ ይብል ኣነ፡ ካብ ተመክሮይ ኣነውን ካብኡ ወጻኢ ገይረ ነበሰ ዝርኢ ኣይኮነኩን ግን ነቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ዝበቅዕ መሪሕነት ከነምጽእ የድልየና። ዛጊት ገና ኣብቲ ናይ ቀደም ዘለና ኮይኑዩ ዝስመዓኒ። ነቲ ሓድሽ ወለዶ መልሚሉ ምሂሩ ንቕድሚት ከምጽእ ዝኽእል፡ ኣገባባት ተኸቲልና ምስ ሓድሽ ኣረኣእያ ሓድሽ ገጽ እናምጻእካ ምስ እትኸይድ ክትዕወት ናይ ግድንዩ። ግን ኣነውን ኣካል ናይቲ ቃልስን ታሪኽንየ፡ ብዙሓት ኣብ ቃልሲ ዝዓበዩ ኣቦታት ብጾት ኣለው የኽብርየ። ጽቡቕ ይሰርሑ የለውን ማለት ዘይኮነ ግን ድኻማት ኣሎ። ሰብ ክደክም እንከሎ ከዕርፍ ክኽእል ኣለዎ፡ ከዕርፍ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ዕረፍቲ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ግን ኣብ ቦትኡ ዝትክእ ምስዚ መድረኽ ዝኸይድውን ከነምጽእ ክንክእል ኣለና። ኣነ ኣብ ዘተ እኣምንየ። ኩልና ዘተ ንብል ኢና። እቲ ዘተ ግን ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራሕ ዘይኮነ ንውጽኢት ዘለዎ ዘተ ክኸውን ኣለዎ ይብል። እታ ኣገዳሲት ተድሊ ኣላ ዝብላ ኣብቲ ዘሎ ሓይልታት ቁርብ ምትእምማን ተሳኢኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምግባር ዋዕላ፣ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምሁራት፣ መንእሰያት፣ ስቪል ሶሳይቲ ምስ ውድባት..ወዘተ እዚ ንገዛእ ርእሱ ባይታ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትዩ። እቶም ንፖለቲካዊ ውድባት ዝጸልኡ፡ እዞም ናይ ቀደም ኣይጠቕሙንዮም፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶምዶ ወያነዶ እንዳበሉ ዝጻረፉ ዝነበሩ እንዳተጸምበርዎ ይኸዱ ኣለውዮም እዚውን እንተኾነ ብመንጽር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህጹጽነት ቀስ ዝበለ ይመስለኒ ብዝቐልጠፈ ክስጉም ክጎዪ ይደልዮ ኣነ።
ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ኣርሀ ሓመድ ናካ፡ ኣብዚ መድረኽዚ ዘሎ ጸገም ኣብ ክንዲ ሓይሊ ሓሳብ ስነ-መጎት ሓይሊ ንቕድሚት ዝመጻሉ፡ ኣብ ክንዲ ብምትከል ሓፈሻውነት ገዛኢ ዝኾነሉ ኩነታትዩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ ልዕልነት ሓይሊ ሓሳብ ንምስራጽ እንታይ ጥበብ ክንጥቀም ኣለና ትብል?
ኣርሀ፡ ብመሰረቱ እዛ መንእሰያት ኣረጋውያንን ትብል ኣብዚ እዋናትዚ መስመራ ስሒታ ተጋኒና ትኽየድ ዘላ ይመስለኒ። እቲ መብዛሕቲኡ ካብ ዓዲ ዝወጽእ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ፡ ብጌጋ ደኣ ከይርድኡኒምበር ኣብ ግዜ ደርግ ተጠኒሱ፡ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተወሊዱ፡ ኣብ ሳዋ ተማሂሩ ካብ ውርደት ዝመጸዩ። ህግደፍ ብዛዕባቲ ኣብ ደገ ዘሎ ንዕኡ ዝቃወም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሕማቕ ዝመሃሮ መንእሰይዩ። ስለዚ እዚ መንእሰይዚ ታሪኽ ናይ ሃገራዊ ቃልሱ ብግቡእ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ነባር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድማ ክቐርቦ ኣለዎ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ክኹስኩሶ ኣለዎ። መንእሰይ ኣብዚ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ክጎዪ ጀሚሩ ኣሎ፡ ከምኡ ምግባሩ ሓደ ጽቡቕ ነገርዩ። ግን ኣብ ፖለቲካ ናይ ዝጎየኻ ጥራሕ ኣይኮነን። ብግቡእ ተወዲቡ ዘገም ኢሉ ዕላማ ሒዙ ክሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልንዩ እቲ ወሳኒምበር፡ ምጉያይ ንበይኑ ዘይከድምዕ ይኽእልዩ።
ኣብ ዘይንተነጸረ ፖለቲካዊ ዕላማታት ምጉያይ ኣብ ዘይተሓስበ ካልእ ግርጭትውን ከእትወካ ይኽእልዩ። ስለዚ ነቲ መንእሰይ ዝያዳ ምቕራቡ ከተረድኦ ጻዕሪታት ምግባር፡ ሕጂ ብኣካል ጽቡቕ ይዋሳእ ኣሎ፡ መድረኻት ፓልቶክ ድዩ ዋላ ኣብ ሰሚናራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ማረ ማዕሪኡ ድማ፡ ውዳቤኡ እንዳሓየለ ኣንፈቱ እንዳስተኻኸለ ካብ ተመክሮኡ እንዳተማህረ ክኸይድ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ናብኡ ቀሪቡ ምትእምማን ከምዘሕድር ክገብር ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ብኣረኣእያ ደረጃ እንዳተወደበ ምትእምማን እንዳጥረየ ምስ ዝኸይድ፡ ኣብ ክንዲ ናይ በይኑ ናይ መንእሰያት ዝብል ውዳበ ዝፈጥር፡ ናይ ኩሉ ሓይልታት ብሓንሳብ ኮይኑ ክሰርሓሉ ዝኽእል ባይታ ይፍጠርሞ፡ ሓያል ሃራሚ ሓይሊ ድማ ይውለድ ማለትዩ። ከምኡ ምስ ዝግበር እቲ መንእሰይ ተካኢ ኮይኑ ይርከብ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይወሃብንዩ ይውሰድዩ። ኣቲኻ ተሰሪዕካ ተቓልስካ ኢኻ ትወስዶ ምበር ንስኻ ኣርበዓ ዓመት ኮፍ ስለ ዝበልካ ወይ ዘገልገልካ ይኣክለካ ኣልግስ ኢልካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ መንእሰይ ኣፍልጦ መታን ክረክብ፡ ከመይ ነይሩ መስርሕ ቃልሲ ብኸመይ ተጓዒዙ ኣብዚ ክንበጽሕ ክኢሉ ብግቡእ ከነጨብጦ ክንበቅዕ እንተኽኢልናዩ ብምትእምማን ክኸይድ ዝኽእል።
ሕቶ፡- ነዚ ድሒርና ክንምለሳ ኢና፡ ናብ ሓንቲ ዝሰገርክዋ ሕቶ ንድሕሪት ክመልሰካ፡ ነዚ ህግደፍ ብዞባታት ኢሉ ቀሪጽዎ ዘሎ ምሕደራ ገለ ሰባት ከም ሓደ ዘይምእኩል ምሕደራ ገይሮም ዝገልጽዎ ኣለውዮም። ደገፍቲ ህግደፍ ብቐንዱ ኣብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ዓይነት ርእይቶታት ኣሎሞ፡ ኣብ መንጎ ምእኩልን ዘይምእኩልን ምምሕዳራት ዘሎ ፍልልይን ዝምድናን እንተትገልጸልና?
ኣርሀ፡ እቲ ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓሉ ዘሎ ንምቁጽጻር ንመግዛእቲ ክጥዕሞ ኢሉ ዝገበሮዩ። ምኽንያቱ ነባርን ታሪኻውን ዝኾነ፡ ህዝብና ምስ ናቱ መንነት ዝፈልጦ ጂኦግራፊካዊ ኣውራጃዊ ቅርጽታትውን ከም ደስ ዝበሎ ከም ግራቱ ገይሩ ቆራሪጹዩ ሓውዊስዎ ዘሎ። እዚ ምስ ምእኩልነት ዘእቱ ምንም ስነ-ሓሳብ የብሉን። ኮነ ኢሉ ንጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሃብቲ ንምግባት ንኽጥዕሞ ኢሉ ዘተኣታተዎ ምሕደራዩ። እዚ ምስ ናይ ዘይምእኩል ምሕደራ ኣቕሪብካ ከተወዳድሮ፡ ነቲ ዘይምእኩል ምሕደራ ዝብል ምንእኣስ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብመሰረቱ ግን እቲ ምእኩልን ዘይምእኩልን ዝብል፡ እቲ ምእኩል ዝበሃል ኩሉ ግዜ ሴንትራላዝድዩ። እቲ ስልጣን ካብ ሓደ ማለት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝኸይድዩ። ምእኩል /ሴንትራላይዝድ/ ማለት ምልካዊዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ደሞክራስያዊ ዝኾነ ምእኩል ምሕደራ ኣሎ። ንሱ ብኸመይ ይመጽእ ብናይ ሊበራል ደሞክራሲ ዋላ ምርጫውን ድምጺ ናይ ሓደ ሰብ እንተደኣ ኢልካ፡ ኣብቲ ዞና ዘሎ ኣብዛሓ /ማጆሪቲ/ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ንሱ ስለዝኾነ፡ ኣብ ስልጣን ዝመጽእውን ንሱዩ። እቲ ውሑዳ /ማይኖሪቲ/ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ኣይክእልንዩ። ብካልኦት ብሄራት ከይተዛረብና ከም ኣብነት ኣነ ቢለናይየ በዚ ናይ ምእኩል ምሕደራ ሓደ ብሓደ ምውድዳር ዝበሃል ጉዳይ ምናልባት ኣባል ሰልፊ ኮይኑ ሓደ ቢለናይ ምስ ሓደ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ይኽእልዩ። ግን ከም ብሄር ከም ቢለን በቲ ንሶም ዝደልይዎ ኣብ ስልጣን ክመጹ ኣይክእሉንዮም። ምኽንያቱ ውሑዳት /ማይኖሪቲ/ ዮም።
እቲ ዘይምእኩል ዝበሃል ግን፡ ነቲ ስልጣን ፋሕ የብሎ። ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ህዝቢ ከም ዝበጽሕ ይገብሮ። እቲ ህዝቢ በብናቱ ብዞባ ድዩ ብኣውራጃ ድዩ፡ ብብሄሩ ድዩ ነቲ ጭቡጥ ክውንነቱ ዘንጸባርቕ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ባይቶ ይህልዎ። ናቱ ፖሊስ፣ ምልሻ፣ ኣገባብ ትምህርቲ ..ወዘተ ናቱ ንእሽቶ መንግስቲ ኣለዎ ማለትዩ። ካብኡ ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ወከልቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ይልእኽ። ስለዚ ከኣ ነቲ ዘይምእኩል ዘማእክል ከም ዘለዎ ምርዳእ የድሊ። ካብ ዝተፈላለ ናይቲ ፈደራል ዘይምእኩል ቦታ ንዝመጹ ብሓባር ከመሓድር ዝኽእል ካብቲ ዘይምእኩል ነቲ ዘይምእኩል ዘማእክል ከምዘሎውን ክንፈል ኣለና ማለትዩ። ዘይምእኩል ካልእ ውን ኣሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እንተርኢና/ውላያት ከሰላ ይብሉ/ እቲ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ነቲ ዞና ዘመሓድ እከለ ኢሉ ሽመት ይህብ። እቲ ሽመት ወይ ስልጣን ዝወሃብ ዘሎ ሰብ ካብ ህዝቢ ኣይኮነን ዝምረጽ ዘሎ። እቲ ፕረዝደንትዩ ንሓደ ህንካ ንከሰላ ከይድካ ኣመሓድራ ይብሎ። ምናልባት ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመት ነቲ ኣማሓዳሪ እቲ ፕረዝደንትውን ይቕይሮ ማለትዩ።
ኣብዚ ክንርደኦ ዝህልወና ውላያት ክበሃል እንከሎ ዩኒትስ ናይ ምሕደራ ስርዓት ዘለዎንየን። ግን እቲ ኣማሓዳሪ ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ብላዕሊዩ ዝመጽእ። ስለዚ ክልተ ዓይነት ዘይምእኩል ኣሎ። ሓደ ንምሕደራ ክጥዕመካ ኢልካ ትገብሮ እዩ። ንኣብነት ከምዚ ጥልያን ንኤርትራ በቲ ዝጥዕሞ ገይሩ ብኣውራጃታት ዝጎዛዘያ ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ዘይምእኩል ግን ፍትሓዊ እዩ። ምኽንያቱ ካብ መሰል ተበጊሱ ስለዝመጽእ፣ ንኹሎም ንደቂ ሰባት ብማዕረ ከማዕብሎምን ቅሳነት ክህቦምን ዝኽእልዩ። ኣነ ውን ኣብኡ እየ ዝኣምን። ንሱ እዩ ኸኣ ክኸውን ዘለዎ። ብኣጠቓላሊ ክልተ ዓይነት ዘይምእኩል ኣሎ። እቲ ሓደ ካብ ምእኩል ዝመጽእ ዘይምእኩል እዩ። እዚ ዓይነት ምሕደራ ዝኾነ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሓይሊ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ቅኑዕን መሰል ሒዙ ዝመጽእን ኮይኑ ልክዕ ከም ፌደራሊዝም ዓይነት እዩ። ኣብ ቅዋም እንተድኣ ተሰማሚዕካሉ ዝኾነ ይኹን ናብ ስልጣን ዝመጸ ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ፍልልያቱ።
ሕቶ፡- ናብታ ዘቋረጽናያ ሕቶ ከመልሰካ ፣ እዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ሕጂ ዳርጋ ናይ ቃልሲ ሂወት ዝጀመረ ይመስል፡ ግን ድማ ኣላይ ወይ ቀላሲ የድልዮ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ብገለ ሰነኹ ብዙሕ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ነዚ ኣካይዳዚ መንገዲ ከትሕዞ ዘለዎ ድማ፡ እቲ ቅድም ዝጸንሐ ውድባትን ግንባራትንዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዚ ብጉባኤ ኣዋሳ ኣቢሉ ዝመጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተኣኻኽቦ ክኣልዮ ክመርሖ ይህልዎ። ኣብ ከባቢኹም ምንቅስቓስ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስን ከመይ ይኸይድ ኣሎ?
ኣርሀ፡- እዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ተስፋ ብዝህብ መንገዲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ እየ ዝርኢ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ይለዓል ኣሎ። እቲ ምልዕዓል ኣንፈት ከይስሕት ብስሩዕ መንገዲ ንኽኸይድ ኣብ ዕላማ ክውደብ ክኽእል ኣለዎ። ምስቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪክ ማሕበራትን ከመይ ገይሩ ሰጢሙ ይኸይድ ዝብል እዩ እቲ ዘድሊ ዘሎ። ግን መንእሰይ ኩሉ ግዜ ጎያይ ስለዝኾነ እቲ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክብ ለጠቕ ዝበለ እዩ። ገሊኡ ቅልጡፍ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ሽውሃት ናይ ቃልሲ እንከለዎ ነብሱ ኣብ ምስራዕ ግን ቁሩብ ጸገማት ኣለዎ። እዚ ስለዝኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ኣለዎ እብል። ናይ ግድን ኣይኮነን ኣብ ትሕቲኡ ክሰርዖም። ብወገነይ እዚ ኣብ ትሕተና ክንሰርዖም ኣለና፡ ምሳና እንተዘይኮይንኩም ኣካልና ኣይኮንኩምን ዝብል ንዓና ኣይጠቐመናን። ከመይ ጌርካ ኣብ ግርጭት ከይኣተኻ ተኣማሚንካ ብሓባር ትሰርሕ፡ ዋላ ነብሱ ክመርሕ እንተኸኣለ ውን ከመይ ጌርካ ትሕግዞ፡ ባዕሉ ክመጸካ ዝኽእለሉ መንገድታት ምፍጣርዩ ዘድሊ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ መስርሕ ዘሎ እኳ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ግን ክሳብ ሕጂ ምስዚ ዘሎ ምንቅስቓሳት ዝኸይድ ርኡይ ዝኾነ ምትሕግጋዛት ክገብር ኣይረኣኹን ዘለኹ።
ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ምናልባት ሓድሽ ባይቶ ምስ ምዃኑ ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተኣኻኸበ እዩ። ስለዚ ድማ ብሓንሳብ ተወሃሂድካ ቅልጡፍ ስራሕ ንኸይትሰርሕ ግዜ ዝቐትለልካ ኩነታት ከይሃለወ ኣይተርፍን ዝብል እምነት ኣለኒ ኣነ። ኣብ ሓደ ካምፓኒ ቀልጢፍካ ናብ ስራሕ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ፡ ምኽንያቱ ናይ ሞያን ደሞዝን ስራሕ ስለዝኾነ። ኣብ ፖለቲካ ግን ነናትካ እምነት ሒዝካ ተረሓሓቕኻ ጸኒሕካ፡ ኣብ ሓደ ስጡም ናይ ቃልሲ መንፈስን ኣሰራርሓን ክሳብ ትበጽሕ ግዜ ክሓትት ይኽእልዩ። ኣጋጣሚ ብጉባኤ ብምርጫ ወይ ብውሳኔታት ዝመአ ስለዝኾነ ሓድሽ ኣገባብ ምስራዕ ከድልዮዩ። ምኽንያቱ እዚ ባይቶ እዚ ከም ኣብ ደገ ዝርከብ ምስሊ ባይቶ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ክኢላዊ ዓቕምታት ዘድልዮ ገና ኣብዚ ስራሓትዚ ብከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘይተዋፈረ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብርግጽ ኣብ ኣጀማምራ ዘሎዩ፡ ኣበ መጽናዕቲውን ክህሉ ይኽእልዩ። ግን ቁሩብ ዝሕል ዝበለ ይመስልቲ ስራሕ።
ሕቶ፡- ብዝያዳ ካብ ምግባእ ዋዕላ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ፡ እተን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውድባት ኣሪገን እየን ዝብል ኣሎ። እቲ እርጋን ብኣካል ድዩ ብኣተሓሳስባ ኣይገልጽዎን እዮም። ክሳብ ውን ክፈርሳ ኣለወን ዝብል ኣሎ። ንኣብነት ገለ ውልቀ ሰባት ውድባት ኮነ ማሕበራት ንብዙሓት ውድባት ጠሚሩ ዘሎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክፈርስ ኣለዎ ኢሎም ብወግዒ ይዛረቡ እዮም። ንሱ ብናቱ ኩነታት ዝቖመ ግንባር እዩ፡ ስለዚ እቶም ዘቖምዎ እዮም ከፍርስዎን ከቐጽልዎን ዝኽእሉ፡ ግን ከም ሓሳብ እዚ ቅኑዕ ድዩ? ከመይ ከ ክግራሕ ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?
ኣርሀ፡- እዚ ሓደ ካብቲ ድኽመታትናን ሽግራትናን እዩ። ክንዲ ዝተኣኸብናስ ፋሕ ንበል ኣይብሃልን እዩ። ቃል ብቓሉ ውን ጽቡቕ ኣይኮነን። እቲ ጠለብ እኳ ስመሩ እዩ ነይሩ። ኣይሰመሩን ብሓንሳብ ኣይሰርሑንዮም ዝብልዩ እኮ ካብቲ ህዝቢ ዝስማዕ ዝነበረ ዘረባ። ሕጂ ድማ ብሓንሳብ ኣብ ዝተሓተ ነጥቢ ተሰማሚዑ ሓደ ቻርተር ገይሩ ብልፍንቲ ክጓዓዝ ከሎ፡ ካብዚ ፋሕ በል ክብሃል እንከሎ ዘይሓላፍነታዊዩ እየ ዝብል። እንታይ ድኣ ዝያዳ ክድልድልን ክሰጥምን ኣለዎ ክበሃል ዩ ዘለዎ። ካልእ እዛ ኣብ መንጎ ኪዳንን ባይቶን ተዛርብ ዘላ ጉዳይ ድማ፡ ንድሕሪት ተመሊስና እንተርኢና ነዚ ባይቶ መን እዩ ኣቊምዎ? ይዝከረኒ ኣብ 2007 ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተገብረ ጉባኤ ኣነ ንባዕለይ ዳርጋ ኣቦ መንበር ጉባኤ ናይ ኪዳን ኣብ ዝነበርክሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኩሉ ተዓዊትና ጽቡቕ እንዳኸድና እንከለና ኣብ መጨረሽታ ኣብ ክልተ ዝኸደ ጉባኤዩ። ሓደ ጠርናፊ ዲሞክራስያዊ ጉባኤ ክንገብር ኣለና ተባሂሉ ዝተወሰነ ኣብኡዩ ነይሩ። እንታይ ማለትና ኢና ንካልኦት ክሕውስ ኣለዎ። ኪዳን ንበይኑ ጉባኤ ይገብር ኣሎ፡ እቲ ህዝቢን ስቪላዊ ማሕበራትን ዝተሓወሶ ናይ ሓባር ጉባኤ ክንገብር ኣለና ኢሉ ዝወሰነ ኪዳን እዩ። ስለዚ ኣቦን ኣደን ናይዚ ኹሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ቅድመ ዋዕላ፡ ኮሚሽን ዘቖመ ዋዕላ፡ ከምኡውን ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወዘተ ክመጽእ ዝገበረ ኪዳን እዩ። እዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብልን ግን ካልእ ሽጣራታት ክህሉ ይኽእልዩ። ጉባኤ ተኻይዱዩ፡ ኩሉ ሰብ ተኣኺቡ ካብኡ ሽማግለ መሪጽና ኢና፡ እተን ዝነበራ ውድባት ኣልግሳ ዝብል ፖለቲካዊ ኣምር፡ ከምቲ ዝበሃል ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዓወት ክትጭብጥ ዘይኮነስ፡ ሓድሽ ሽግር ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ።
ስለዚ ኪዳን ኣካል ሃገራዊ ጉባኤዩ። ናብ ጉባኤ ዝዓደመን ዘብጸሐን ዋና ገዛ እዩ። ኪዳን ምስቲ ኣካሉ ዝኾነ ባይቶ ማዕረ ማዕረ ተሓጋጊዙን ተደጋጊፉን እዩ ክሰርሕ ዘለዎ። ኪዳን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሓዘ ግንባር እዩ። ባይቶ ግን ክሳብ ውልቀ ሰባት ዝሓቖፈ እዩ። ኣባላት ባይቶ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ስርሖም ዘይፈልጡ ሰባት ከም ዘለው ይፈልጥ እየ። እተን ኣብ ኪዳን ዘለዋ ግን ክሳብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘካይዳን ናይ ስራሕ መደባት ዘለወንን ፖለቲካዊ ውድባት እየን፡ ነዚአን ከመይ ጌርካ ይፍረሳ ትብለን? እዚአን ኣብ ግርጭት ከይኣተዋ ምስቲ ባይቶ ብሓንሳብ ሰጢመን ክሰርሓ ኣለወን እዩ ክበሃል ዘለዎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ባይቶ ስርሓቱ ኣወሃሂዱ ክኸይድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ውን ሰሚዐ ኣለኹ። እቲ ጸገም ኣብ ስምምዕ በጺሕካ ክነስኻ በቲ ስምምዕ መሰረት ዘይምኻድ እዩ። ኣብ መድረኻት ትሰማማዓሉን ካብ ኣኼባ ምስ ወጻእካ ዝበሃል በበይኑ ይኸውን ስለዘሎ ኣብ ውዑልካ ዘይምጽናዕ ስለዘሎ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገምዩ እቲ ሽግር ዝኸውን ዘሎ። ኩለን ኣባላት ውድባት ኪዳን ምስ ባይቶ ተወሃሂድና ክንሰርሕ ኢለን ተሰማሚዐንየን። ብዘይካ ሓንቲ እስላማዊ ሰልፊ ርእይቶ ዝነበራ ኣብ ኪዳን ክንቅጽል ኢና፡ ኣብቲ ናይ ፈጻሚ ኣካል ግን ኣይንመጽእን ዝበሉ እንተዘይኮይኑ። ንሕና ኣንጻር እዚ ኢና ዝበሉ ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕናን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነብሱ ሰሪዑ ከመይ ይኸይድ ካብ ዘይምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገለ ገለ ካብቲ ናይ ቀደም ተንኮላትን ጸገማትን ዘይወጹ ሓይልታት ከምዘለውዩ ዘመልክተና። ኪዳን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ፡ ዋላ ውን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ከእቱ ኣለዎ። ምኽንያቱ ፋሕ እንተድኣ ኢልካ ጽልኢ ኢኻ ተምጽእ። ኩለን ብሓንሳብ ኮይነን እናሓየላ ምትእምማን እናፈጠራ ምስ ዝኸዳ ዝያዳ ነቲ ዘሎ ጸገማት ክንፈትሕ ንኽእል ኢና። ከምኡ ውን እቲ ዝነበረ ዘይምትእምማን ናብ ምትእምማን ክልወጥ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
E-maile address hdemocrasia@yahoo.com