ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራ&#466
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 07:36 ΥΘΗΝΗ - 01 10 1433 εά (18 08 2012 γ)

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ብ/ኣርሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ብ/ኣርሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

Hamadnaka.jpg

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ሕቶ፡- መንግስቲ ህግደፍ ዳርጋ 21 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘድህብ ናብ ግዳም ዘድሃበ ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ባዕሉ ጸላእቲ እናፈጠረ ንህዝቢ ከሀውትት ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣንጻር ኣሜሪካ መሰረታዊ ጽልኢ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ብዙሕ ክብል ይስማዕ እዩ። እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? እንታይ ረብሓ ስለዘለዎ ‘ዩ ኸ ሕጂ ናብ 50’ታት ተመሊስካ ኣሜሪካ ከምዚ ዝገበረትና እናበልካ ናይ ገዛእ ነብስኻ ጸገማት ንግዳም ክትህቦ ምህቃን?

ኣርሀ፡- ብሓጺሩ ከምቲ ንስኻ ‘ውን ዝበልካዮ ህግደፍ ኣብ ሃገር ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ ምስ’ቲ ሓደ ካልእ ግዜ ድማ ምስ’ቲ ካልእ  እናበለ ንኹሎም ጎረባብትና በጺሕዎም’ዩ። ካብኡ ወጻኢ ክነብር ስለዘይኽእል ድማ ዋላ ርሑቕ ከይዱ እንደገና ካልእ ጽልእን ጸላእን ክፈጥር ሃሰው እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። ብዛዕባ ምስ ኣሜሪካ ዝነበሮ ርክብ እንተድኣ   ንድሕሪት ምልስ ኢልና ርኢናዮ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ኣሜሪካ ንሱ ባዕሉ እዩ።  እቲ ናይ ቀደም ሰነዳቱ እንተዝረክብ መሳርሒ ኣሜሪካ ኮይኑ ናይ ኣኽረርቲ መንግስቲ እዩ ብምባል ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዝሰርሕ ዝነበረ ንሱ’ዩ። ክሳብ ‘ውን ኣብ ግዜ ውግእ ኩዌትን ዒራቕን ተረፍ መረፍ ክዳውንቲ ናይ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝተዋህበ ንሱ’ዩ። ብኣጠቓላሊ ህግደፍ ነቶም ብሰፊሑ መጽናዕቲ ዝገበሩ ተንተንቲ ንገድፎ ደኣምበር ካብ ኣበቛቚልኡ ጀሚሩ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ኣሜሪካ ዝነበረ እዩ።  ሰልፊ ነጻነት ውላድ C.I.A እዩ፡ ብጡብን ዶላርን ኣሜሪካ ‘ዩ ዓብዩ።  ኣብ ቃልሲ ናይ ኤርትራ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ርሑቕ ቦታ ‘ውን ዝልእኽዎ ዝነበሩ ስለዝኾነ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ትማሊ ዝገበሮን ዝበሎን ረሲዑ ዘይንሱ ክመስል እንተፈተነ ከዳነግሮ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ምናልባት  ጽባሕ’ውን ካልእ ክብለና ይኸውን ካብ ህግደፍ ትጽበዮ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነቲ ህዝቢ ጌና ጸላእቲ ኣለውና እናበለ ንምድንጋር ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ እዩ። ትማሊ ወያነ ወያኔ ይብል ነይሩ ምናልባት ጽባሕ ‘ውን እዝግኣብሄር ኣይፈትወናን እዩ ኣንጻርና እዩ ክብል ይኽእል ይኸውን።

ሕቶ፡- ምስኡ ተተሓሒዙ ሎሚ ምናልባት ዳርጋ ገዲፍዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፡ ግን ከም ቀንዲ ጸገም ገይሩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሰንፈላል ኣለና ዶባና ኣይተሓንጸጸን ስለዚ ቀዳምነት ንህቦ ንትግባረ ምሕንጻጽ ዶብ’ዩ ብዝብል ኣብ ባድመን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሓሸውየን’ዩ ጎስጓሳት ከካይድ ጸኒሑ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ብፍላይ ካብ ወርሒ 2/2012 ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ 14 16 18 ኪሎ ሚተር ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዮም ኣጥቂዖም ከም ዝተመልሱ ብወግዒ ገሊጾም ክንሶም፡ ንሱ ግን ብወግዒ ዝበሎ የለን። ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ዓድታት ኣለዋ’የን ብከባቢ ጸሮና ነዚ’ውን ኣይዛረበሉን ደገፍቱ’ውን ስለምንታይ ኢሎም ኣይሓትዎን’ ምስ’ዚ ኣተሓሒዝካ ብፍላይ ናብ ደገፍቱ እንታይ መልእኽቲ’ዩ ክመሓላለፍ ዝኽእል?

ኣርሀ፡- እቲ ናይ ዶብ ባዕሉ ዝፈጠሮ ባዕሉ ዝኣተዎ ውግእ’ዩ። በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጉዳይ ዶብ ምኽንያት ገይሩ ጉዳይ ዶብ ከይተዛዘመ ቅዋም ኣብ ግብሪ ኣይነውዕልን ካልእ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢሉ ብዙሕ ሸቂጥሉ’ዩ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን። ህልዊ ጸገም ኤርትራ ጉዳይ ዶብ ከም ዘይኮነ ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ሕርሕራይ ገይሩ ይርደኦ’ዩ። ዶብ ይተሓንጸጸ ኣይተሓንጸጽ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ካልእ ምዃኑ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። ብኡ ብዙሕ ኣይዛረብን ሕጂ። ካልኣይ ነገር እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ወርሓት ኣብ ከባቢ ዶባት ክረኣ ዝጸንሐ ስዕረታቱ  ዘርኢ ክስተታት ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ኣይደልን። ምኽንያቱ ብተግባር ዓቕሚ ከምዘይብሉ ስለዝምስክር።  ቅድም ክብል ብሂወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንዳተጣለዐ፡ ንሱ ጥራሕ ዘጥቅዕ ዝስዕር ኣምሲሉ ብዙሕ ጉራ ይነፍሕ ነይሩ። ሎሚ ግን እቲ ሓቂ ንህዝቢ ተጋሂድሉ’ዩ። ንሱ ብመራኸቢታቱ ኢየ ኢሉ ዘስመዖ ፈኸራን ኣብ ባይታ ዘሎ ጨቡጥ ዓቕሙን በበይኑ ምዃኑ ግሃድ ወጺኡ’ዩ። ብዝኾነ ግን እቶም ንከንቱ ዘጥፈኦም ዘሎ ደቅመን ኮይኖም ደቅናዮም፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን’ዮም። እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ሕጂ ተሳዒረየ ክብል ኣይክእልን’ዩ። እንተደኣ ኣትይዋ ከኣ 15 ኪሎ ሜተር ጥራሕ ዘይኮነስ 50 ኪሎ ሜተር ክእቶ ከም ዝኽእል፡ ናቱ ዓቕሚታት ለጠቕ ኢሉ ከምዘሎ ይሪኦ ኣሎ’ዩ። እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ እቲ ኣብ ግዜ ኲናት ንከንቱ ክመውት ኣብ ግዜ ተዛምዳዊ ሰላምን ድማ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚዱ ሓመድ ድፋጭኡ ዝበልዕ ዘሎ መንእሰይ፡ ከም’ቲ ብዶብ ኣመኽኒዩ ኣብ ባድመ ኲናት ዝጻሕተረሉ ግዜ ዝነበረ፡ እዛ ሳላሳ ዓመት ተቓሊስና ምሩጻትና ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር ዳግም ክትውረር የብላን ዝብል ዝነበረ  ንጹህ ሃገራዊ ስምዒት  ሎሚ የብሉን። ሎሚ ብፕሮፖጋንዳ ናይ ህግደፍ ዝደናገር የለን። ነቲ ሓቂ ፈሊጥዎ’ዩ። ንሕና እቲ ህዝቢ ህዝብና እታ ሃገር ሃገርና’ያ መዓልታዊ እንታይ ይግበር ኩነታት ህዝቢ ከመይ ኣሎ ንከታተሎ ኢና።

እቲ ሰራዊት በዚ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዋጥየሉ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ዝበሃል ጥይት ኳሕ እንተደኣ ኢላ ፋሕ ክብል ምዃኑ ኣትኪሉ ዘይዋጋእ ምዃኑ ክገድፎ ምዃኑ ይፈልጦ’ዩ። ሓደ ግዜ ዝበሎ ንኣብነት ይዝከረኒ፡ ኣብ 1987 ከባቢ’ዩ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብሓደ እንዳሰርሑ እንከለው ገለ ዘካትዕ ነገራት ነይሩ፡፡ ክሳብ’ውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ  ኣድሓርሓሪ ውድብ ኢሎም ይገልጽዎ ነይሮም። ሽዑ ህዝባዊ ግንባር እንታይ ኢሉ “ንብሎ ስለዝሰኣና ዘይኮናስ ክንብል ስለዘይደለና ትም መሪጽና” ኢሎም ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም። ሕጂ ድማ ትም ምባል’ዩ መሪጹ ዘሎ።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ብፍላይ ምስ’ዚ ኣብ ዞባና ዝገብሮ ዘሎ ምዝራግ ዝብተተሓሓዘ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ በይንሉ ኣሎ፡ ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግብረን ዘይመተግበሪኡ ምኽንያት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕቱብነት ምስኣን ድዩ፡ ወይስ ናትና ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ዘለና ድኽመታት’ዩ?

ኣርሀ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። እቲ እገዳ ክመጻሉ ዝኸኣለ ምኽንያታት፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ዘይፍትሓውን ኣንጻር ህዝቡ ኲናት ዝኣወጀን መንግስቲ’ዩ ካብ ዝብል ዝነቐለ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ ዞና ቀንዲ መዕገርገሪ ኮይኑ፡ ምስ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝበሃሉ ውድባት ዝምድናታት ፈጢሩ ናይ ዓለም ሰላም ኣብ ምህዋኽ፡ ብፍላይ ከኣ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝረበሸ’ዩ እቲ እገዳ ክመጽእ ክኢሉ። ኣነ ምናልባት እቲ እገዳ ቀዳምነታት ናቱ፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ንህዝቡ ይብድል ኣሎ ይዕፍን ኣሎ፡ መሰላት ይግህስ ኣሎ ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊሱ ነይሩ እንተዝኸውን ዝያዳ መሓጎሰኒ። ዝኾነ ኮይኑ ግን እቲ እገዳ በይን ይምጻእ ብዘየገድስ ነዚ መንግስቲ’ዚ ንበይኑ ነጺሉ ስለዘዳኽሞ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ’ዩ እየ ዝብሎ። ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ብመሰረቱ እቲ ውሳኔ እዚ ክግበር ኣለዎ ዝብል ዘይኮነስ ናብ ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሕጽንታ ይቐርብ ነይሩ፡ ከምኡ ድማ እቲ  ንከመይነት ኣካይዳ ናይ’ዚ መንግስቲ’ዚ ክከታተል ዝተመዘ ጉጅለ ገና ዝርዝር መጽናዕቱ ከም’ቲ ዝድለ ስለዘይወደአ ኮይኑ ይስመዓኒ።

እቲ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ዘይሕወሶ ንዝብል፡ ድኽመታት ናይ’ቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና’ዩ። ጉዳይና ኣብ’ቲ ክበጽሖ ዘለዎ መድረኻት ከነብጸሖ ኣይከኣልናን። ኣብ ዲፕሎማሲ ድኹማት ኢና። ምስ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዘራኽብ መስኖታት ኣይፈጠርናን። ነዚ ዝኸውን ዓቕሚታት ኣየጥረናን። ነቲ ዘለና ዓቕሚታት’ውን ብግቡእ ከነዋፍሮ ኣይከኣልናን። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ እውን ጉዳይና ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዘይለዓል ዘሎ። ንሕና ከም ብቑዓት ተካእቲ ናይ’ዚ ኣረሜናዊ መንግስቲ ምዃና ከነረጋግጸሉ ንኽእል፡ ብሓድነትና ብዕላማናን ብኣገባብ ኣቀላልሳናን ገለ ከነጥሪ ዘይምኽኣልና ካብ ድኽመታትና’ዩ። ተስፋእ እገብር ካብ ሕጂ ንደሓር ኩሉ እቲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ወይ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪታቱ ብሓንቲ ልሳን ብሓደ እስትራተጂ ክንቀሳቐስ፡ ከምኡ ምስ እንገብር ጥራሕ ኢና ድማ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ እንኽእል።

ሕቶ፡- ሕራይ ኣርሀ ሓመድ ናካ ኣብ መእታዊ ናይ ቃለ-ማሕተትና ኣብ ግዜ ክፍልታት ከም ዝነበርካ ገሊጽካ ነይርካ፡ ናይ ሽዑ መንእሰይ ኣርሀን ሎሚ ዘለው መንእሰያትን ኣብ ፖለቲካ ብኣረኣእያን ብተግባርን ከመይ ከተነጻጽሮ ትክእል?

ኣርሀ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ቁሩብ ንድሕሪት ክምለሰኒ’ዩ። እቲ መድረኽ ንገዛእ ርእሱ ዝተፈላለየ’ዩ። ኣነ ወዲ 15 ዓመት እንከለኹ ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ናብ ሜዳ ክንስለፍ እንከለና፡ ተሪር ሃገራዊ ናይ ቃልሲ እምነት ነይሩ። ናይ’ቲ ግዜ’ቲ መንእሰይ ክንዲ ብጻየይ ኣነ ክስዋእ ዝብለሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ህዝብና ብባዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ቅድሜና ብጃምላ ይሕረድ  ዓድታት ይነድድ፡ እንስሳታት ይሕረዳ ስለዝነበራ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዘሕልፈልካ ስምዒታት ኣሎ። እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ግን፡ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ሓርነት ዘይብሉ፡ መሬታዊ ነጻነት፡ ንሕና ነጻነት ኣምጺእናልካ እንዳበሉ ዝሃነጽዎ መንእሰይ፡ ካብ መኣዲ ትምህርትን ማሕበራዊ ሂወትን ዝተኾልፈ መንእሰይ’ዩ። እዚ መንእሰይ’ዚ ናይ ትምህርትን መራኸቢታትን ዕድል ዝረኸበ፡ ውሽጣዊ ስምዒታቱ ናይ ምግላጽ ዓቕሚታት ዘለዎ መንእሰይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ግን ምስ’ቲ ናይ ቀደም ከነጻጽሮ እንከለኹ፡ እቲ ናይ ቀደም ምትእምማና ነይርዎ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ጸኒዕካ ናይ ምዃድ፡ ብግዴታ ዘይኮነ ብእምነት፡ ነቲ ናተይ ዝብሎ ዕላማታት ንምዕዋት ተወፋይነት ዝነበሮ’ዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ግን ምናልባት ክጠራነፍ ስለዘይከኣለ ክኸውን ይኽእል፡ መሰላጥያታት ናይ ስራሕ’ውን ስኢኑ ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ሚዛነይ ክውጸዖ ኣይደልን’የ፡ ግን ብዙሕ ዝዛረብ ውሑድ ዝሰርሕ ኮይኑ ይረኣየኒ። ግን እቲ መድረኽ ንገዛእ ርእሱ ዋላ ብዓለም ደረጃ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝነበረን ሎሚ ዘሎን ሓደ ኣይኮነን። በተሓሳስባ’ውን ይፍለ’ዩ። እቲ ናይ ቀደም መንእሰይ ግን ናይ መስዋእቲ መንእሰይ’ዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ተስፋ እገብር ድማ እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ናብ ከምኡ ከምርሕ።

ሕቶ፡-  ነገራት ቀልጢፎም ዝርድእዎ መንእሰይ ክንሱ፡ ናቱ ስነ-ሓሳብ የብሉን፡ ንፖለቲካ ናይ ኤርትራ ብደርባውን ብሄራውን ውጽዓታት ፈላሊ’ዩ ኣብ ምንባብ ኣይበጽሐን ኣሎ፡ መትከላዊ ክኸውን ናይ ስነ-ሓሳብ ሰብ ክኸውን እንታይ ክሕገዝ ኣለዎ ትብል?

ኣርሀ፡ እዚ ናቱ ሓጥያት ኣይኮነን። ባይታ ስለዘይጸንሖ’ዩ። እቶም ጥጡሕ ባይታ ኣንጺፍና ክንጸንሕ ዝግበኣና ማለት ክንውድቦ ከነ ቃልሶ ነቲ ዘለዎ ዕድመን ዓቕምን ኣብ ተግባር ከም ዝትርጉሞ ክንገብሮ ዝነበረና ክምኡ ኣይገበርናን። ደሓር ከኣ ክንዝንገዖ ዘይብልና፡ እዚ መንእሰይ’ዚ ኣእምሮኡ በቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝተሃንጸ ምዃኑ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ‘ዩ ልክዕ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝብለና ብምድጋም እዘን ተቓወምቲ ውድባት ኣይጠቕማን’የን ክብለና ዝስማዕ። ከምኡ ክብል ዝገብሮ ዘሎ እቲ ህግደፍ ካብ ህጻንነቱ ዘስረጸሉ ግጉይ ኣገንዝቦ ሒዙ ስለዝመጸየ’ዩ። እዚ ተተሒዙ ዘሎ ዝንቡዕ ኣገንዝቦ ገዲፉ ሓቂ ጨቢጡ ክቃለስ እንተኾይኑ ድማ፡ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ገዳይም ውድባት እንታይ ይብል ኣሎ ክሰምዕዎ፡ ተቐራሪቦ ብምስራሕ ዘለዎም ኣወንታዊ ተመክሮ ናብኡ ከመሓላልፍሉ ክኽእሉ ልዑል ጻዕሪ ዝሓትት ይመስለኒ። ኣብ’ቲ ኣነ  ቃልሲ ዝጀመርክሉ መድረኽ ናይ ምርምርን ክትዕን ዕድላት ኣይነበረን ሰሚዕና ኢና ንኸይድ ዝነበርና። ሎሚ ግን እቲ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ኮምፒተር ኮፍ ኢሉ ኢንተርኔት ተኸታቲሉ ኣብ ዓለም እንታይ ይገበር ኣሎ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ግዜ’ዩ። ኣብ ግዜና ግን ከምኡ ኣይነበረን መልእኽቲ ብወረቐት ጽሒፍና ብሰብ ኢና ንስደድ ዝነበርና። ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ካባና ጥራሕ ኣፍልጦ ዝጽበ ዘይኮነስ፡ ተክኖሎጂ ብዘምጸኣሎ ምዕባለ ኣቢሉ ካልእ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረክብ ዘሎ መንእሰይ ብምዃኑ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ከመይ ገይሩ ነብሱ ሰሪዑ ይኸይድ ክንሕግዞ’ዩ ዝህልወና።

ነብሱ ምስራዕ ንበይኑ ድማ ኣኻሊ ኣይኮነን። ናይ መንእሰይ ውድብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ናይ ዓበይቲ ውድብ ዝበሃል ፖለቲካዊ ስርርዕ የለን። ንቕድሚት’ውን ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ካብ ወጽዓ ክንገፍ፡ ታሪኻዊ ናይ ትውልዲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ፡ መሰሉ ከኽብር፡ ነገራት ብደርባውን ብሄራውን ወጽዓታት መዚኑ ብስነ-ሓሳብ ክውደብ ኣለዎ። ከም ኩሉ ዜጋ ተወጺዑ ኣሎ፡ ምስ ኩሉ ዜጋ ብኣረኣእያ ተቐራሪቡ ሓቢሩ ክሰርሕ ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንጎኒ ገዲፉ በቲ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ሓፈሻውነት ዘጥቀዖ ፖለቲካ ናይ መንእሰይ ዝበሃል መንግስቲ ክተክል እንተሓሊኑ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ዓለም ኣይተራእየን ኣበና’ውን ክረኣ ከምዘይኮነ ግርዳእ ይግባእ። እዚ ዘይክውንነታዊ’ዩ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ሓደ ብዘይቲ ሓደ ክንከይድ ከምዘይንኽእል ርዱእ ብምግባር፡ ብሓባር ተደጋጊፍና ንሰርሓሉ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ።

ሕቶ፡- ተኸታቲልካዮ እንተደኣ ኮይንካ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡  ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ብኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበሉ ዝርዝር ጸብጻብ ሰሚዑ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ትከታተል ኮሚቴ ከም ዝመዘዘን ገሊጹ ኣሎ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ክልተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት ህግደፍ ኣብ ሶማል ብዝገብርዎ ዘለው ኢድ-ምትእትታው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከሲሳቶም ኣላ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘሕድሮ ጽልዋ ክሳብ ክንዳይ’ዩ?

ኣርሀ፡- ኣነ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መገሻ ስለ ዝጸናሕኩ ብዝርዝር ኣይተኸታተልክዎን። ተገይሩ ዝብል ግን ሰሚዐ ‘ለኹ። ኩሉ ግዜ ኣንጻር’ዚ መንግስቲ’ዚ ዝውሰድ ስጉሚቲታት እናዳኸሞ ከም ዝኸይድ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ’ውን እዞም መጋበሪያ ናይ’ቲ ዕሉል ውልቀ ሰብ ኮይኖም ምስ ግብረሽበራውያን ዝተሓባበሩን ኣሕዋቶም ዝሸጡ ዘለው ጀነራላት ኮነ ኮለኔላት፡ ብከም’ዚ ኣስማቶም ኣብ ቃልዕ ወጺኡ እንተደኣ እገዳ ተጀሚሩ፡ ብእኦም ጥራሕ ደው ከይበለ ናይ ካልኦት ሊስታ’ውን ምኽፋቱ ስለዘይተርፎ ብኣወንታ ክንሪኦ ዘለና’ዩ። እዞም ብተዘዋዋሪ ስጋ ሰብ ዝበልዑ ዘለው ሰባት፡ ሓደ ካብ ኤርትራ ክወጹ ከምዘይክእሉ ካልኣይ፡ ዕጭኦም ክትበጽሖም ምዃና ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን ድማ ዓወት’ዩ። ኣካይዳኦም እንዳተቓለዐ ሸፋቱ ምዃኖም ብዓለም ደረጃ እንዳተፈልጡ እንዳተደኣ መጺኦም፡ ኣብ’ቲ ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣወንታዊ ድርኺት ዘዕርፍ ከም ዝኾነ ኣይተጠራጥርን።

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ኣርሀ ዝነበሩኒ ሕቶታት ወዲአ ኣለኹ፡ ምናልባት ክበሃል ዝነበሮሞ ዘይተናኸፍናዮ እንተሊዩ ግን ዕድል ክበካ፡?

ኣርሀ፡ ብቐዳምነት በታ ዘለትኒ ኣቕሚ ናብ ህዝበይ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ዘለኒ ሚዛን ከንብር ንዝረኸብክዎ ዕድል የመስግን። ቀጺለ ዝብሎ እንተሃለወ ካብ’ቲ ካብ ናዊሕ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ግርጭታት ተላቒቕና  ንቕድሚት ክንስጉም ህዝብና ካብ ዘለዎ ኣሰካፊ ኩነታት  ከነድሕን ንኽእል ንዝብል ትኹረት ክንህቦ ኣለና እብል። ንሕና ከም ኣብ ትሕቲ ምልኪ ንነብር ዘለና ደቂ-ሃገር ዝፈላልየና ውሑድ ኣንጻር’ዚ መንግስቲ’ዚ ብሓባር ከስረሓና ዝኽእል ድማ እቲ ዝዓበየን ዝበዝሐን ስለ ዝኾነ፡ ዝያዳ ኣቓልቦና ናብኡ ከነድህብ ይግባእና። ብካላኣይ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ሓያላት ስለዘይኮና፡ ካብ ድኹም ባይታ ወጺእና ናብ ዝበረኸ ደረጃ መታን ክንበጽሕ፡ ማለት ተሳማዕነት መታን ክንረክብ፡ ካብ በበይንና ንወፍር፡ ብሓባር ክንከይድ ዝበለጸ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ ብኸምኡ ክንሰርሕ። በበይንና እንተኸይድና’ውን ኣብ ክንዲ ኣነ ዝያዳ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ዘለኹ እንዳበልና ውሽጥና ንካልኦት እንዳሃብና ንተሓማመ፡ መሊሱ ስለ ዝሃርመና ካብ’ዚታት’ውን ክንድሕን ይላቦ። ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ኒያቱ ይበራበር ኣሎ። እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህግደፍ ኮይኑ ብፍርሒ ድምጹ ዘየስምዕ ዝነበረ ሕጂ ድምጹ ከስምዕ ጀሚሩ ኣሎ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ገለ ብውልቀ ገለ ድማ ብሓባር ኮይኑ ይንቀስቓስ ኣሎ። ከመይ ገይርና ነዚ ምንቅስቓሳት’ዚ ንጥርንፎን ኣብ’ቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብሓባር ንዋሳእ ምርኣይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ እቲ መንእሰይ ካብ’ቲ ንሕና ዝሓለፈናዮ ናይ ምንጽጻግ ጠባያት ክድሕን ንዕኡ ከይወርስ፡ እንተተፈላሊዩ ብዕላማ ክፈላለ፡ ነዚ ድማ ብቕንዕና ክቃለሰሉ፡ ነዚ ዝኸውን ባይታ ንምፍጣር ድማ ናብ ፖለቲካውያን ሓያልታትና ለበዋይ የቕርብ።

ዝኽበርካ ብ/ኣርሀ ሓምድ ናካ ንስለ’ቲ ዝሃብካና ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ረዚን መልእኽቲ ብስመይን ብስም ሰማዕቲ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኣመስግነካ፡ የቐንየለይ።

 ዝኸበርኩም ተኸታተልትና’ውን ካብ’ዚ ምስ ብ/ኣርሀ  ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቕ ብዙሕ ተሓጊዝክምሉ ከም እትኾኑ ብምትእምማን ንስለ’ቲ ምክትታልኩም ነመስግን።

               ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

               E-maile address hdemocrasia@yahoo.com