ዒድ አል-ፍጥር ንመላእ ህዝቢ ኤርት&#46
نشر من قبل omaal في 06:34 صباحا - 03 10 1433 هـ (20 08 2012 م)

መርሕነት ባይቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ብአጋጣሚ ርሑስ ዒድ አል-ፍጥር ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ አመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ  ዮሃን ይብል ።

 


تفاصيل الخبر

ER Nati Cou Pre Office Aug 012.jpg 

መርሕነት ባይቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ብአጋጣሚ ርሑስ ዒድ አል-ፍጥር ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ አመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ  ዮሃን ይብል ።

አብዚ ርሑስ ዒድ አል-ፍጥር ክነብዕል እንሸባሸበሉ ዘለና ግዜ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ዓይነት መሰል ዘየፍቅድን ዘየኽብርን ዓፍኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ትማሐደር ኣላ።ኣብ ትሕቲ እዚ መሪር ሃለዋት እንዳሃለወ ህዝቢ ኤርትራ ብሐፍሻ አመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ ነዚ ርሑስ ናይ ዒድ-ፍጥር አጋጣሚ ብትስፍው ልቦና ሐጎሶም ዝገልጹሉን፡ ንዓመታ ኣብ ትሕቲ ካብዚ ዝሐይሽ ኩነታት ኮይኖም ከብዕልዎ ሰናይ ትምኒቶም ዝለዋወጥሉ ዒድ ሰላምን ፍቅርን ሕውነትን ዝተማልኤ እምነትን ክኽውን ባህጎም ዝገልጹሉ ሰናይ ኣጋጣሚ እዩ።ከምእውን ንእዝግአብሔር (ረቢ) እዚ ርሑስ ዒድ አል-ፍጥር ንዓመታ ካብዚ ኣብ እብ ኣፍልብና ተተኽሉ ዘሎ ዓፍኒ ዲክቶትርያዊ ስርዓት ተናጊፍና ኣብ ክብዚ ዝሐሸ ግዜ ኮይና ከብዕሎ እንዳተመነና፡ ኣብ ዋና-ከተማ ሃገርና መላእ ኤርትራን ናይ ሐርነት ባንደራ ተንበልብለሉን፡ ሓድሽ ናይ ለውጢ ንፍስ ዝነፍሰሉን፡ ዲሞክራስያዊ ሓርነትን ማዕርነትን ፍትሕን ዝሰፈናን ዜጋታት አብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕረ መሰላት ዝረኽቡሉ፡ ዓመተ ሓርነትን ፍትሕን ክኽውን በዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።  

         ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 መርሕነት ባይቶ

 19.08.2012