ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃለ-ማሕተት
ካልኣይ ክፋል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃለ-ማሕተት
ካልኣይ ክፋል
ሕቶ፡ ብ/ካሕሳይ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2011 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምኻድ ነዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ከም ዝገበርካ ብዝተፈላለያ መራኸቢታት ተገሊጹ ነይሩ፡ እትገብሮ ሓገዝ ተደጋገፍቲ ረኺብካ ተካይዶ ድዩ ወይ ኣብ ባዕልኻ ጥራሕ ዝምርኮስዩ።
ብ/ካሕሳይ፡- መጀመሪያ ኣብ 2012 ኣይኮነን ጀሚሩ እዚ ጉዳይዚ፡ ኣብ 2009 ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከባ ምዑታት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላትና፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኣሕዋተን ናይ ሞዴስ ሓገዛት ክገብራ ወፍሪ ኣካይድና፡ ኩለን ድማ ብዓቕመን ኣዋጺአን። ነቲ ዝተረኽበ ገንዘባዊ ኣታዊ ድማ ብ/ኣለም ገ/ሚካኤል ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት ደግሓኤ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወገናዊ ኣፈላላይ ኣብ ሽመልባ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ኮሚቴ ወይ ሕብረተሰብ ሽማግለ ወጺኦም፡ ውጹዓት ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ኣለልዮም ብገንዘብ መልክዕ ደረጅኡ ዝሓለወ ሞዴስ ተገዚኡ ንልዕሊ 80 ዝኾና ክዕደለን ተገይሩ። ቀጺልና ኣብ 2011 ብመንገዲ ውድብና ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ንዝርከቡ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻውንቲ ዓዲልና ነይርና። ካምኡውን ኣብቲ ዓመትቲ ካብ ዝተፈላለዩ ተደናገጽቲ ወገናት ማለት፡ ጀርመናውያን፣ ኣፍጋናውያን፣ ኢራናውያን፣ ቱርካውያን፣ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን በብውልቆም ዘውጽእዎ ገንዘብ፡ ክሳብ ሸሞንተ ዓይነት ዝኸውን ነዋት ነቶም ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዓዲልና ኢና። እቲ ወገናትና ናይ ምሕጋዝ መደብ በይነይ ዝኸድክዎ ኣይነበረን። ኣብቲ ቀዳማይ እግሪ ምስ ብ/መዝሙር ፍሳሃየ፡ ኣብቲ ካልኣይ እግሪ ድማ ምስ ብ/እያሱ ዑቑባጺን ኢና ዓዲልናዮ፡ እቲ ተግባርቲ ኣብ ወገናትና ድሓን ባይታ ከም ዝፈጥረልና ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዝተገብረ ረድኤት ህዝባዊ ረድአትዩ ነይሩ ፖለቲካዊ ረዲአት ኣይነበረን። ውጽኢቱ ግን ህዝቢ ይመዝን ስለዝኾነ፡ መን እንታይ ባህሪኡን ተግባሩን ንምልላይ ዘጽግም ስለዘይከውን ህዝባዊ ደገፍ ምፍጣሩ ዘይተርፍዩ። ብሓጺሩ እቲ ሓገዝ ዕውት ብምንባሩ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣወንታዊ ደገፋት ረኺቡዩ።
ነቶም ተሓገዝቲ ወገናት ማለት ህጽናትን ጉዱኣት ኣካልን ዝዓቕመይ ክገብርየ ኢለ ቃል ኣትየሎም ስለ ዝነበርኩ ኣብ 2012 ከም እንደገና ከይደ። ዋላ ክንድቲ እቶም ጽጉማት ዝጠልብዎን ኣነውን ክኾነለይ ዝድልዮን ኣይኹን ነተን ዝረኸብክዎን ሒዘ ብኣካል ተረኸበ ከመይ ኣለኹም ኢለ ኩነታቶም ፈሊጠ ክምለስ ኣገዳስነት ስለዘለዎ ከምኡ ገይረ። ሕጂ ኣብኡ ጸኒሐ ካብ ቅድሚትየ ዝመጽእ ዘለኹ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓስከር ስደተኛታትየ በጺሐ። ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ኣኼባ ኣካይዳ ብዝዓቕመይ ወፈያ ገይረ። ስለዚ ማሕበራውን ጉዳይ ስደተኛታትን ቤት ጽሕፈትና ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ብዓቕምና ንገብሮ ዘለና ምድግጋፍ ካብ 2009 ዝጀመረ ኮይኑ፣ ብ2010፣ 2011፣ 2012 እንዳበለ ይኸይድ ከምዘሎ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። እቲ ኣብ 2011 ን 2012 ዝተገብረ ሓገዛት ኣብ ኢትዮጵያ ገዚእካ ዝተዓደለዩ። ምዑታት ኣባላት ደግሓኤ ድጋፍ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናቶም ንምሓጋዝ ዝገብርዎ ዘለው ንጥፈታት መጎሳ ዘድልዮዩ። ውጹዓት ወገናትና ንምሕጋዝ ዝግበር ሓርኮትኮት ንቕድሚትውን ምስ ኩነታት እንዳተዓጻጸፍካ ክኸይድ ዘለዎ ምዃኑ ርኢና ኣለና። ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ካልኦትን ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት መታን ክሕገዙ ብቀጻሊ ክቃልሓኦ ኣለወን እብል። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ኩሉ በብዓቕሙ ከወፍየሉ ዘለዎ ሰብኣዊ ምድግጋፍ ዝጠልብ ብምዃኑ፡ ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ከባብን ብዘለዎ ዓቕምን ሓገዛቱ ከወፊ ሓበሬታ ክረክብ ስለ ዘለዎ።
ሕቶ፡ ሕራይ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ብመንገዲ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝወጸ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትዮም ዘለውሞ እዚ ንስኻ ምስ ተደጋገፍትኻ ትገብሮ ዘለኻ ሓገዝ ንኹሎም ክሽፍን ዝኽእል ድዩ ወይ ንዝተወሰኑ ጥራሕዩ እንተተብረሃልና?
ብ/ካሕሳይ፡- እዝዩ ኣገዳሲ ሕቶዩ። መጀመርያ እቲ ሓሳብ ምምንጫውን ተበግሶ ምውሳድን ዝምጎስ ኮይኑ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ነዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ስደተኛ ዝኣክል ሒዘ ኣየመጻእኩን። ናብኡ ክንበጽሕ ግን ርሑቅ ኣይመስለንን። በቲ ሕጂ ተታሓሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ መደባትውን ሓገዛትና ክሰፍሕ ምዃኑዩ ዝርደኣኒ። ብፍላይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ማእከል ናይቲ ምትሕግጋዝ ነቶም ካብ ኣራዊታዊ ጭፍራ ህግደፍ ኣምሊጦም ዝመጹ ኣስታት 1500 ዝኾኑ ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ህጻናት፡ ንዘለዎም ከቢድ ጸገማት ንምሽፋን ዘኽእል ዓቕሚኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ዝርካቡ ዓይነታዊ ደገፋት ምግባርን ተስፋ ከይቆርጹ ኣብ ዘይተደላዪ ነገራት ከይኸዱ ምኽርን ሞራልን ምሃብ ዘትኮረዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝብልኩኻ ግን ንካልኦት ኣይንሕግዝን ማለት ኣይኮነን። ዳርጋ ኩሉ ጽጉም ስለዝኾነ፡ እንገብሮ ሓገዝ ምስ ወለዶም ናብ ዘለው ህጻናትን ኣካለ ንስኩላንንውን ክልሕም ጻዕሪታት እንዳተገብረዩ። ብቐንዱ እቲ ሒዘዮ ዝመጽእ ካብ ዝተፈላለዩ፡ ንኣብነት ካብ ሰላምን መሰል ዝብል ማሕበር፣ ሕብረት ኤርትራውያን ዝተባህለ ብደቅና ዝተጣየሰ ናይ ቃልስን ረድአትን ማሕበር፡ ብካልኦት ግዱሳትን ዝተዋጽአዩ። እዚ ድሩት ዓቐን ዘለዎ ስለዝኾነ ናብ ውሱናት ሰባትዩ ዝበጽሕ።
ንምዕዳሉ ብዝምልከት ዝጥቀመሉ ኣገባብ፡ መጀመሪያ ምስ ኣካየድቲ ናይ ኣራ ተራኺበ እዋናዊ ጠለብ እንታይዩ ኢለ ይሓትት፡ ምኽርን ሓበሬታን ይረክብ፡ ንሳቶም ድማ ተወኻኺሶም ነቶም ብትሕቲኦም ዘለው ሓቲቶም እዝን እዝን ሓጽረታት ኣለና ክሽፈን ዘይተኻኣለ ዝብል ሓበሬታ ይህቡሞ ብምኡ መሰረት ምስ ጭቡጥ ትሕዝቶይ ኣዛሚደ ክግብሮ ዘለኒ ይገብር።
ሕቶ፡- እቶም ኣብ መዓስከራት ዘለው ወገናት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘለዎም፡ ዋሕዚ ስደት ድማ ብቀጻሊ ይኸይድ ምስ ምህላው ትገበሮ ሓገዝ ቀጻልነቱ ከመይዩ?
ብ/ካሕሳይ፡- ብመሰረቱ ትምኒትና መንግስቲ ህግደፍ ካብ ሱር መረቱ ተበንቊሱ፡ ኣብ መቓብሩ ንኹሎም ህዝብታት ኤርትራ ብማዕረ ዝርኢ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘኽብር፡ ምስ ጎረባብትናን ዓለም ተሰማሚዑ ዝኸይድ፡ ብሕጊ ዝምራሕን ዝመርሕን፣ ሻንፈት ዘይረምጥጥ ዓይኒ ዘይፍጥጥ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝጭርሖኡ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከልዩ። ቀልስና ቀጻሊ ክሳብ ዝኾነ ግን ብውድብ ለኸ ዝሓዝናዮ መደባት ክዓቢ፡ ንጽጉማት ወገናትና እንገብሮ ሓገዝ ዝተማለአ ክኸውን ብኹሉ ዓቕምና ክንረባረብ ኢና። ምኽንያቱ ኩነታት ክንዲ ዝኾነ ይጸንክር ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ተጠቒምና ህዝብና ካብ ምርዳእ ኣይከነቋርጽን ኢና። ብወገና ተዓጢቕናሉ ዘለና ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓማማትናዩ። እዚ ግን ሃገር ለኸ ዝወረደ ህዝባዊ ጸገም ስለዝኾነ ኩሉ ብህዝቡ ዝግደስ ኤርትራዊ ከክንድታ ዓቕሙ ተፍቅደሉ በብቲ ዝድልዮ ኣገባብ ክረባረበሉ ምስ ዝኽእል ብዝያዳ ክቃለል ከም ዝኽእል ምርዳእ ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ሕቶ፡- ከም ጭቡጥ መግለጺ ብልሽዊ ምሕደራ ጭፍራ ህግደፍ ኣብቲ መዓስከራት ብብዝሒ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዘለው፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝዩ ብዘሕዝን መልክዑ፡ ብዘይተደላዪ ጥንስን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ይሽገራ ከም ዘለዋን ኣብኡ በጺሖም ዝመጹ ሰባት ዝዛረብሉ ጉዳይዩ ንስኻኸ እንታይ ተዓዚብካ እንታይ ምሂርካ ወይ ምዒድካ?
ብ/ካሕሳይ፡- እዚውን ካብቲ ኣብ መዕስከር ስደተኛታት ዘሎ ኣሰቃቒ ተርእዮታትዩ። ብፍላይ እቶም ስድራ ዘይብሎም ቆልዑ ብናይ ረድኢት ማሕበር ስለዝኣለዩ ናይ ረድአት ማሕበር ድማ ክንዲ ዝኾነ ብጽፈት ይስራሕ ክንዲ ወለዲ ኮይኑ ክሕዝውን ይፈትን ክንዲ ኣቦን ኣደን ክኸውን ኣይክእልን። ካብቲ ብጭብጢ ዝተዓዘብክዎ ኣብቲ ውዑይ ዕድመ ዝርከባ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዓስ ክር ዝብለን ስለዘይብለን /ስለዘይብሎም እንተብምትላል እንተብምፍርራሕ ክሳብ ኣብ ደቂ-12-13 ዓመት ዕድመ ናይ ጥንሲ ምንጻል ኩነታት ከምዘሎየ ተሓቢረ። ነዚ መሰረት ገይረ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ኣስተምህሮ ሂበ ኣለኹ። ብደርጅኡ ዝቐነሰ ይመሰል ግን እቲ ጸገም ህልዊዩ። ካብቲ ዘሰከፈኒ ሓደ ናይ ጥንሲ ምስዳድ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዳይ ሕዱር ሓማማት ከይኾኑ፡ ግዲ የለሽ ኣተሓሳስባውን የጥርዩ ብምህላዎም፡ መጻኢት ኤርትራ ናበይ ዝብል የሻቕለኒ። ኣብቲ ዝገብሮ ኣኼባታት ብግልጺ ካብ ስርቂ ካብ ሓሶት ካብ ምትላል ካብ ጭካነን ፍኑው ስጋዊ ርክብን ነብሶም ክከላኸሉን ክድሕኑን ከምዘለዎምየ ዝመክርን ዝምህርን። ኣቦኹም ኣደኹም ኣኽብሩ። ኣቦኹምን ኣደኹም ብቐረባ ኣብ ዘይብሉ ድማ መማህራንኩምን ኣለይትኹምን ኣኽብሩ እንዳበልኩየ ዝምህር፡ እዚ ኣስተምህሮዚ ቀጻላይ ክኸውንዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዞም ህጻናት እዚኣቶም ብሰንኪቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ካብ ወለዶም ርሒቖም ሕማቕ ኣተዓባብያ ይዓብዩ ስለዘለው፡ ነዚ መዓስከራትዚ ክምሕደጎዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኩሉ ግዱስ ድማ ክሓስበሉን ግብራዊ ተሳትፎ ከርእየሉን ከምዘለዎ ክጠቅስ ይደሊ።
ሕቶ፡- ዝኸበርካ ብ/ካሕሳይ ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዝወርዶም ዘሎ ብደላት ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ካብ ዘስካሕክሕ ማእሰርትን ዘይተኣደነ ገነዘባዊ ክፍሊትን ሓሊፉ፡ ብምትሕብባር ናይቲ ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተተመዝሒቑ ኣብ ዕዳጋ ዝወርደሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፣ እቶም መሻርኽቲ ጭፍራ ህግደፍ ዝኾኑ ሸፋቱን ነጋዶ ሰብን ነዚ ሰብኣውነት ዝረሓቖ ተግባር ከም ቀጻሊ ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ዝሓዝዎ ይመስሉ፡ ኣብቲ መስመር ዝርከባ ሃገራት ሱዳን፣ ሊቢያ፣ ግብጽን እስራኤልንውን ንኣውያት ኤርትራውያንን ምሕጽንታ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣወንታዊ መልሲ ክህባ ኣይረኣያንሞ በዚ መስመር ንዝጎዓዙ ኤርትራውያን እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?
ብ/ካሕሳይ፡- እዚ ካብቲ ዘስቀቕ ተርእዮ ከም ምዃኑ መጠን ኩሉ ናይ ጥዑይ ሰብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ከተሓሳስቦን ክሳቐየሉን ዘለዎዩ ዝመስለኒ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ሓልዮት ከርእያየ ኢልካ ትጽቢት ትገብረሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መጀመሪያ ኣብ ኣተሓሕዛ ህዝብኻ ክትግደስ፡ ገዛኻ ከተጽርን ስለ ዝግባእ። ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኮነ፡ ኣብ ሱዳንውን ኣብ ዝኸድክሉ ምስቶም ስደተኛታት ክረዳዳእ ኣንፈት ክሕዙ፡ ጠንቂ ናይ ስደቶም መንግስቲ ህግደፍ ምዃኑ ከይዝንግዑ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይዚ ድማ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ደኣምበር ርሑቕ ስደት ከምዘይኮነ ይምህርየ። ስለዚ እዚ ዝገለጽካዮ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣሰቃቒ ተርእዮዚ ከም ሓደ መለዋወጢ ኣቑሑት፡ ቅያር ኣካላት ናይ ኤርትራዊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ወሪዱ ክሽየጥ እንከሎ፡ ሓደ ካብቲ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ኣዕሚቑ ክሓስበሉ ከስተንትነሉን መፍትሒ ከናድየሉን ዝገበኦ ደኣምበር፡ ብካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ክፍታሕ ትጽበዮ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ ኤርትራዊ፣ እቶም ግዳያት ኤርትራውያን፣ እቲ ዋኒን ናይ ኤርትራዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብህዝቡ ዝግደስ ወገን፡ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ ድሒኑ ኣብ ሃገሩ ተመሊሱ ክመሃር፡ ክሰርሕ፡ ቤተሰቡ ክናቢ፣ ተመርዕዩ ክወለድ ክዝምድ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ባይታ ንምፍጣር ክቃለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ተርእዮዚ ክውንን ኣሰቃቕንዩ።
እዚ ጉዳይዚ መግትኢ ክረክብ፡ ገበነኛታት ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ እተን ኣብ ሃገረን ገበን እንደተፈጸመ ያዕ ዘይብላ ሃገራትን መንግስታትን፣ ነዞም ብዘይካ ካብ ውልቀ ምልካዊ ጭፍራ ብዝወረዶም ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ምስዳዶም፡ ኣብ ርእሲአን ዝፈጸምዎ ገበን የለን። ስለዚ ብሰብኣውነት ብዝኸተማሉ ንምኽባር መሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውዑላት ተገዚአን ንመሰል ስደተኛታት ከኽብራ ዘዘኻኽር ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብመዘክርራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድምጽና ኣስሚዕና ኢና። ገሊኡ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽበዩ። ገሊኡ ኸኣ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦዩ። እቲ ፍታሕ ኣብ ኤርትራዊዩ ዘሎ። ካብዞም በዚ ሓደገኛ መስመር ዝጠፍኡ ዘለው ገለ መንእሰያት ኣብ ሱዳን ምስ ኣተው፡ ኣብኡ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ህግደፍ ሓድሽ ፓስፖርት ከምዝወስዱ ሓበሬታ ኣሎዩ። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝበሃል ብሰንኪዞም ከምዚ ዝገብሩ ካብ ቀታሊ ሃዲሞም ናብ ቀታሊ ዝሰግዱ ውሑዳት፡ ብዙሓት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ፈተነ ገለ ዕንቅፋት ኣየጋጥምን ማለት ኣይኮነን፡ የጋጥምዩ።
ናብቶም መንግስታት እዚኦም ሃዲሞም ዝመጹ ስለዝኾኑ ኣድሕንዎም ኣይትእሰርዎም ኣይተከላብትዎም ዝብል ጥራዓን ምስ እተቕርብ እንታይ ትብሉ ኣለኹም እዚኦም ናይ መንግስቲ ኤርትራ መንነት ዘለዎምዮም ዝብል መልሲ ምስ ተዋህበካ ሓይሊ ትስእን። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ግን ካብ ጸገማት ከድሕኖም ምስ ተኣስሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንከውጸኦም ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ካብ ምግባር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን። ምስኦም ዝተጓዕዙ ኣሕዋቶምን ኣዕሩኽቶምን ኣብ በረኻታት ሲና ዓዕ እንዳበሉ ገዲፈሞም መጺኦም ንስክላ ካብ ሞት ኣምሊጦም ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተው፡ መሰነይታ ወረቐት ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ረኺቦም፡ እተን ሃገራት ምስተቐበላኦም፡ ተጣዒሰ ንዓደይ ኢሎም ፈውሲ ከም ዝተገብረሎም፡ ናብ መንግስቲ ህግደፍ ዝምለሱውን ኣይተሳኣኑን። እዚ ካብቲ ዘሕዝን ኩነታትዩ። ካብ ካራ ዘምለጠት ደርሆ ናብ ካራ ከም ዝበሃል መግረፍቲ ዝናፍቑ መናእሰይ ከምዘለውውን ሓደ ካብቲ ዘሰንብደናዩ። መኻይዶም ብማይ ጽምኢ ኣብ ሰሃራ መይቶም ከይቀበሩ ገዲፈሞም፡ ኣበረኻታት ሲና ኣካላቶም ክቑረጽ ዝረኣዩ ክንሶም፡ ተመሊሶም ከም በዓል ፈውሲ፡ ወረቐት ናይ ህግደፍ መሊኦም ኣብኡ ትሙስሙስ ክብሉ ክትሪኦም እንከለኻ እንታይ ዓይነት ኣእምሮኦም ዝሰሓቱዮም ዘብልካዩ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድና ግን ከኣ ከምዚ ዓይነት ዝተደዋወሰ ኣንፈቱ ዘይነጸረ ኣካይዳታት ዕንቅፋት የጋጥመና ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ዘለናዮ ክንድሕን፡ ኤርትራዊ ሓድነት ከገድሰናዩ። ኤርትራዊ ሓልዮት ከገድሰናዩ።
በዚ ኣጋጣሚዚ ክብሎ ዝደሊ ናይ ኩሉ ቅኑዕ ኤርትራዊ ሕልና ኣብ ጸረ-ህግደፍ ዘትኮረ፡ ኣምሳይኡ ንናይ ህዝብታት ልዕልነትን ወሳንነት ዝቕበልን ዘኽብርን፡ ብማዕረ ተኸባቢርና ብሰላም ንነብረላ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ምእንቲ፡ ነዚ ዘሎ ኩምራ ጸገማት ክንስዕሮ እንተደኣ ኮይኖ ሓድነትና መተካእታ የብሉንሞ ውጹዕ ኤርትራዊ ሓድነትካ ኣትርር።
ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል