ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 04:00 مساء - 04 11 1433 هـ (19 09 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 63 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 63 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

VIC 2012.jpg

ተበጊሶም ደቂ ዓዋተ

Awate 1 Sep 1961 00.jpg

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ 

ስመር ስመር ኮነት ሜረት

ተበጊሱ መንእሰይ ብቕጽበት

ክወርድ ዓቐበት ቁልቁለት

ስለ ንናይ ህዝብና ድሕነት

ሰሚ ዕኩም ዶ ስቶኮሎም

ብደለይቲ ፍትሒ ከም ዘዕለቕለቐት//

ጽንኩር መድረኽ

ሰጊሮም መንእሰያትና

ንድሕነት ህዝብና

ሰጉም ሰጉድ ኮይኑ ጭርሖና

ናይ ሓርነት ቃልስና

ካብ ስቶኮሎም ብስራት ምስ ሰማዕና

ናብ መንእሰያት ኣረኪብናዮ ኣሎና//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ተበጊሶም ፈደይቲ ሕነ

መላሲ የብሉን ጎበዝ ምስ ወሰነ

ድቃስ የሎን ህግደፍ ከይተበተነ//

እወ ንሕና ንፍትሒ ተማጎቲ

ንህዝቢ ክነድሕን ንዝቲ

ኣብ ገዛ ስመር ለይቲ ምስ መዓልልቲ

ኣብ ኩሉ ንረኤ ኣይኮናን መመኽነይቲ//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ሕድሪ ሰማእታትና ሕጂዩ ዝተተግበረ

ኣመስኪሩዩ መንእሰይ ከም ዝሰመረ

እቲ ብተግባራት ጭፍራ ዝነደረ

ጠጦው ኣይብልን ንህግደግ ከየባረረ//

ወረስቲ ሕድሪ ተበጊስኩም ዶ

ንወዲ ማይ ጠላሚት መዓት ክወርዶ

ከይሃድም ኣብ ክሳድ ክንዓርዶ

መንገዲ ዓመት ኣብ ወርሒ ክንከዶ//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ሓይሊ ህዝቢ ዓጋቲ የብሉን

ብማዕዶ ኣይትዛረቡ

ውሑድን ብዝሕን

እንተ ደለይቲ ግን

ናይ ሓርነት ዕላማ

ከይተዓወተ ኣይንድቅስን//

ሓይሊ ህዝቢ እንተ ተላዒሉ

ዓጋቲ ነይብሉ

ንጥርናፈና ንፋስ ነእትወሉ

ንጠቕሚ መን ዘይትብሉ

ነቶም ዝመቀቓቕሉ

ለይትን መዓልቲን ዝሕንኩሉ//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ወረጃ ናይ ማዕዶ

መንእሰያት ከም ዝሰመሩ ሰሚዕካ ዶ

ካብ ብማዕዶ ኮንካ ትፈርዶ

ምስኦም ኮንካ ንህዝብኻ ኣብዶ// 

እቶም

ዘጥምቱ ካብ ኣፍንጭኦ ኣርሒቖም

ናይ ሓርነት ቃልስና

ዝጥምትዎ ኣማዕድዮም

ዝዕወት ማዓስ ይመስሎም

ምስ ወግሔ ግን ኣብዝጸንሑም

ምጥቃዕ ከም ቀደሞም//

//ካላኣይ መድረኽ ናይ ሓርነት ቃልሲ//

ዓርኮኮባይ መቦቆልካ ባርካ

ደለይቲ ፍትሒ ምስ መጹኻ

ዓርኮኮባይ ኣጽልሎም ኢኻ

ከምቲ ናይ ቀደም ከጽልሉ ኣብ እግርኻ

ኣህለን ወሳህለን በሎም ንደቅኻ

ከምቲ ናይ ቀድም ተቐበል ጋሻኻ//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ገመል ሓዋይ ይርከብ ኣባኺ

ሰውራና  ተመስሪቱ ኣብ ሕንብርትኺ

ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝፈረኺ ንስኺ

ባርካ ይነብዕ ኣሎ ህዝብኺ

ደለይቲ ፍትሒ ምስ መጹኺ

ከም ቀደምኪ ንደቅኺ

መርሓባ በልዮም ኢኺ

ሓግሒጎም ክግሑፍልኪ

ንበዓል ደሙ ንህዝብኺ//

ንህግደፍ ኣፍሪስና ጽሩይ ማይ ክንሰቲ

ንቃለስ ኣሎና ለይቲ ምስ መዓልቲ

ደስደስ ክከውን ክንስነስ ሰቲ

ኣቦታት ክድብሉ ክዕልላ ኣንስቲ

ክንድብሶ ናይ ሰማእታትና መስዋእቲ//

ስመር ስመር ምስ ኮነ ቀሲነ

ህዝብና ኣኽሊል ክደፍእ ዘውዲ

ሃገር ክትከውን ናይ ወዲ ዓዲ

ሕጊ ክንተክል ነቕ ዘይብል ዓንዲ

ሰብ ገበን ክቅበሉ ናቶም ፍርዲ//

ብተስፋ ኣይኮነን ብግብሪ

መንእሰይ ወሲኹሉ እዩ ነድሪ

ተበጊሱ እዩ እቲ ወራሲ ሕድሪ

ቀሪቡ እዩ ናይ ጭፍራ ቀብሪ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን