ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:37 مساء - 10 11 1433 هـ (25 09 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል65 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል65 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ድሕሪ ጥርናፈ መንእሰያት እንታይ ንጽበ)

Eritreans Enough 012.jpg

ድሕሪ ጥርናፈ መንእሰያት

ሰጉም ሰጉድ ያኣኽለና ብኽያት

ተበጊሶም እዮም ደቀባት

ወይሎኦም ከዳዓት ጠላማት//

እቲ ሑቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ

ምስ ኮነ ተዳሎ

ፈሺሉ እቲ ዝሓበሎ

ኣይካኣለን ንጥርናፋ

መንእሰያት ክመቃቅሎ//

ንዋዕላ ንጉባኤ ተቃውሞ

ንጥርናፈ መንእሰያት ነዳኽሞ

ጎቦ ጎቦ ንኣዳም ገረሞ

እዚ ኹሉ ንመን ክጥዕሞ//

ቃልስና ከይንህር ኮታ

ክልተ ዓመት መመላእታ

ህግደፍ ረኺቦም እፎይታ

ብተቃወምቲ መሰል ኩኩብታ//

ዝሓለፈስ ከምሻሙ ምበልናዮ

ዝደሓረ ጸላእናዮ

እንታይ ክትረኽቡ

ተፍርሱ ዝሃነጽናዮ

ብምሔ ዝመመናዮ//

መንእሰይ ዶብ እንዳ ሰገረ

ሎሚ ዘይሰመረ

ኣይባሃሎን እዩ ኣቅረ

ስምረት እዩ ካብ ኩሉ ዝመቀረ//

ER Metting from ber.jpg

ብጥርናፈኹም ጸባ ኣስቲኹምኒ

ነዓኹም ኣሚነ እንታይ ከይጎድለኒ

ወረስቲ ሕድሪ ኣለዋና ኣሎውኒ

ዝበሉ ዝበላ ኣይትሓዘኒ

ሎሚ ዓመት ዝገብሮ ኣሎኒ//

እንታይ ንጽበ

ድሕሪ ጥርናፈ መንእሰያት

ንጭፍራ ህግደፍ ምምካት

ንቃለስ ንፍትሒ ንሓርነት

ክነራጋግጾ ኤረትራዊ መንነት//

ስምረት ኤረትራዊያን ተራጋጊጹ

ጭፍራ ተጎቱቶም ክወጹ

ካብ መሕቢኢኦም ጉድጓድ ኣናጹ

ክሳብ ማዓስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህውጹ//

እወ ሰጉም እሞ ሰጉድ

ነቶም ደም ዝሰትዩ ከም ቁርዲድ

ንጭፍራ ኣእትወሎም ዕብድብድ

ህዝቢ ዝሓረሞ ጸባ ክሰቲ ብጓጉድ//

እንዳ ራኣኻዮ

መንእሰይ ክውርወር

ዘይሰመርካ ስመር

ግዝየ ከሎ ሕጂ ሕበር

ቀሪቡዩ ዕዲ ከዳዕ ክስበር//

ንቆፎ ህግደፍ ክነፍርሶ

ኣብ መርዓ መንእሰያት

ምሕሸ ክንበልዕ ቦሶ

ደለይቲ ፍትሒ ብደገን ብውሽጥን ክንሕወሶ

ካፊና ክንበልዕ ጎጎ ምስ ሃንዛ ብዓውሶ//

ሓንኮልቲ እንታይ ጠቕምኹም

ኣብ ምፍልላይ ዝተዋፈርኩም

ኣይስቆረኩምዶ ኣውያት ህዝብኹም

ትፈልጡ ዶ ከም ዘሕትተኩም

ናብ ልብኹም ተመለሱ ቀልጢፍኩም//

ሕጂ ኸ ናበይ

ንጠቕሚ መን ምፍልላይ

ኣታሊልኩም ዶ እቲ መንደላይ

ናይ ህዝቢ ኤረትራ ኣባይ//

ንጠቕሚ መን ኣብ ምብታን ትሻድኑ

ደጋጊምኩም ሕሰቢ ዳሕራይ ከይትደኑ//

ኣጆኹም ወርጠበ

ዝበጥዎ ነቲ ዝጸገበ

ኢሰያስ ድራኩላ ክድርበ

ክሃድም ደሙ እንዳ ንጠብጠበ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን