ሓርበኛ ኢዮብ ብስራት
መንግስተሰማያት የዋርስካ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን
ሓርበኛ ኢዮብ ብስራት
መንግስተሰማያት የዋርስካ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን
ብጻይ ሓርበኛ ኢዮብ ብስራት
ንናጽነት ተቃሊስካ ንሓርነት
ህዝብና ክረክብ ቅሳነት
ሓርበኛ ነርካ ንህዝቢ ኣብነት
ብጻየይ ዶ ኽብለካ መቃልስተይ
ምስ ዓቢ ዓቢ ምስ ንእሽቶይ ንእሽቶይ
ፈረ ጻማኻ ከይረኣኻ ዶ ተሰዉእካ
ኣርኪብካዮም ነቶም ሕድሪ ዘሃቡኻ
24 ዓመት ፈስቲቫል ኣካዪድካ
ተቃሊስካ ሕድሪኻ ከይጠለምካ
ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዶ ጸዊዑካ
ሓርበኛ ስዉእ ኢዮብ ውን ኣርኪብካ
በል ቅሰኑ በሎም ንስዋኣት ብጾትና
ኣይጠለምናን ሕድሪ ዘሃብኩምና
ሓርበኛ ስዉእ ኢዮብ ብስራት ብጻይና
ጽንዓት ይሃቦም ንበተሰብካ
ከምኡ ውን ንመቃልስትኻ ንፈተውትኻ
ተቃላሳይ ሓርነት መንግስተሰማይ የዋርስካ