ሲናይ - መቓብር ኤርትራዉያን ስደተ&#47
نشر من قبل omaal في 12:53 مساء - 10 02 1434 هـ (23 12 2012 م)

ሲናይ - መቓብር ኤርትራዉያን ስደተኛታት


تفاصيل الخبر

ሲናይ - መቓብር ኤርትራዉያን ስደተኛታት

ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመት ጥራይ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራዉያን መንእሰያት ብውልቅን ብጉጅለን ካብ ሃገር ብምዉጻእ ንጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣዕለቕሊቖመን ኣለዉ። ገለ ካብኦም ብዘይውሑስ ኣገባብ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ድራር ዓሳ ኮይኖም ዝተረፉ፡ ገሊኦም ድማ ብነጋዶ ኩሊት ሂወቶም ስኢኖም ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ብሑጻታት ሲናይ ዝተደብዩ እዮም፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘስካሕክሕ ግን እቲ ንነዊሕ እዋን ካብ ዓይንን እዝንን ማሕበረሰብ ዓለም ተኸዊሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ዝምታ ኩሊትን ንሱ ዘስዓቦ መጭወይትን መቕተልትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ እዩ፡፡ ስዊዲናዊ ጋዜጠኛ ዶናልድ ቦስትሮም ብ17 ነሓሰ 2009 ኣፍቶንብላደ ኣብ ዝተባህለ ጋዜጣ ስዊዲን “”ደቅና ክፍሊ ኣካላቶም ይዝመቱ ኣለው” ዝብል ዜና ምስ ዘርግሐ እዩ ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣስከሓካሒ ተግባር ክፈልጥ ክኢሉ፡፡ እቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ዝምልከቶ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ እዩ እቲ ዜና በጺሕዎ፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት ሓበሬታ ብዝምታ ኩሊት ሂወቶም ስኢኖም ብዘይንቡር ኣገባብ ናይ ዝተቐብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣሳእል ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዚ ኣብ ፈቐድኡ ዝቕበር ዘሎ ይኹን ኣብ መዐቀቢ ሬሳታት ግብጺ ዝኹመር ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ሓላፍነት ዝወስደሉ መንግስቲ የለን፡፡ ምኽንያቱ ስርዓት ህግደፍ ኣካይድኡ ተቓዊሞም ካብ ሃገር ንዝወጹ ዜጋታት ቅንጣብ ርህራሀን ድንጋጸን የብሉን፡፡ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ኣምባሳዶር ናይቲ ስርዓት (ኣቶ ፋሲል ገብረስላሰ) ኣብ መጋቢት 2010 ምስ ጋዜጣ ኣልመስሪ ኣልዮም ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ “ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝወጸ ሰብ ዝኾነ መሰል ክህልዎ ኣይግባእን” ክብል ዝተዛረቦ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብነት ሕሉፍ ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ እዩ፡፡ ቅድሚ ሐጂ ማለት ብ21 ጥቅምቲ 2009 መራሒ ናይቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሮይቶርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ዝተዛረቦ ኣሽካዕላል ዘረባ እውን ካልእ መርኣያ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እዩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ ቃለመጠይቑ ስለምንታይ እዮም ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ዝወጹ ዘለው? ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ከይተማትአ “ንዑደት እዮም ዝኸዱ ዘለው፡ ሓደ መዓልቲ ከኣ ክምለሱ እዮም” ብምባል ናይ ባጫ መልሲ እዩ ሂቡሉ፡፡

ኣብ ርእሲ’ዚ ግዜ ዝሃቦም ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ንነፍሰ-ወከፍ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደ ኤርትራዊ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ካብ ስድራ ቤቱ 50,000 ናቕፋ ክምንዝዑ ከለው ሃሱሳት ኣዋፊሮም ኣብ ምድረባዳ ሰሃራን ሲናይን ንዝኸተርዎ ኤርትራዊ ስደተኛ ናጻ ንምልቃቕ ድማ ከም መባድልቲ ካብ ስድራቤቱ ክሳብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት  ብስውር መንገዲ ይቕበሉ፡፡ እታ ሂወት ዉላዳ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዘገድሳ ስድራ ድማ ካብ ዘይብላ ተለቂሓን ተመርቂሓን ዝተባሃለቶ መጠን ገንዘብ ትኸፍል፡፡ እዚ ከኣ እዩ ስርዓት ህግደፍ “ንጸበባ ዜጋታቱ ከም ምንጪ ኣታዊ ዝጥቀም ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ፈላሚ ስርዓት እዩ” ዘብሎ

ኣብ ሲናይ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናትና መዉጽኢት ኣፎም ገይሮማ ዘለዉ ሓንቲ ጥቕሲ ኣላ - ”እዚ’ዉን ክሓልፍ እዩ!” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ጥንታዊ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ፋርሳውያን ገጠምቲ እትደጋገም ጥቕሲ ኮይና እዞም ኣብ ሲናይ ተደርብዮም ዝርከቡ ዜጋታትና  ኣብ መናድቕ ናይተን ካብ ሃድን ነጋዶ ኩሊት ዝሕብኡለን በዓቲታት ብተደጋጋሚ ዝሕንጥጥዋ ጥቕሲ እያ፡፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኤርትራዉያን ዝመሃዝዋ ክሳብ እትመስል ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ጭርሖ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና ኣላ፡፡ ከምቲ እዛ ጥቕሲ እትብሎ ከኣ እዚ ምሕላፋ ዘይተርፎ ጸበባታት ምስ ሐላፈ በዓቲታት ሲናይ ኣሰር ዛንታ ሽቑረራ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዓቂቡ ንዘመናት ክነብር እዩ፡፡ ልክዕ ከም ዛንታ ስደት ሙሴ ድማ ወለዶታት ኤርትራ ዘንብብዎ ኣስካሕካሒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ከም ዝጸሓፍ ኣየጠራጥርን፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሃገራዊ ናጽነት ብሰንኪ ክቱር መግዛእታዊ ጭቆና ካብ ዝፈትዋ መሬቱ ኣርሒቑ እናተሰደ መመሰሊ ስደትን ከርተትን ኮይኑ ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ፡፡ እዚ ታሪኽ’ዚ ምስ ምውላድ ናጻ ሃገረ ኤርትራ መኸተምታ ተገይርሉ እኳ እንተተባሃለ ነዊሕ ኣብ ዘይከደ ግዜ ግን እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝመጸ ስርዓት መብጽዓ ጠሊሙ ናብ ካልእ ጨቋኒ ደርቢ ስለ ዝተቐየረ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ከም ቀደም ሃገርን ባንዴራን ከም ዘይብሉ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድን ብሳዕቤናት ስደት ይሳቐን ኣሎ፡፡

ኣርዑት ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝወረደ እኳ እንተኾነ ካብኡ ናብኡ ግን ተሰከምቱ ብዝያዳ መንእሰያት እዮም፡፡ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክዛዝሙ ይግደዱ፡፡ ብግዱድ ዕስክርና ብረት ኣብ እንግድዖም ጸይሮም መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ይቕሰቡ፡፡ ብስም ሃገራዊ አገልግሎት ስሙ ኣብ ዝቐየረ ባርነት ተቘሪኖም ሕልምታቶምን ባህግታቶምን ከም ዝመክን ይግበር። በዚ ድማ ኩሎም ንዓቕሚ ኣዳምን ንዓቕሚ ሄዋንን ዝበጸሑ ዜጋታት ካብቲ ኣብ ሃገርና ዝነገሰ ጸላም ንምውጻእ መዓልታዊ ብኣሽሓት ይስደዱ ብምህላዎም ከምቲ ገለ ተዋዘይቲ ዝብልዎ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዕድመ ብጽሕና ንዝረገጸ ዜጋ ንዓቕሚ ኣዳም በጺሑ ወይ ንዓቕሚ ሄዋን በጺሓ ምባል እናተረፈ ንዓቕሚ ስደት በጺሑ/ሓ ምባል ከይልመድ ዘስግእ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነሃረ ብምምጽኡ ብመሰረት ናይ 2011 ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብዝሒ ናይ’ቶም ኣብ ዉሽጢ 11 ዓመታት ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ዜጋታት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ፡፡ ቅድሚ ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ወገናትና እታ “”ነጻ ወጺኣ እያ’ሞ ሩዕና ጠቕሊልና ክንምለሳ” ኢሎም ዝሓሰብዋ ሃገር ዳግማይ እሾኽ ተዘሪእዋስ እንሆ እኳ ኣብ ዉሽጢ 11 ዓመት ጥራይ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ዓቕሎም ጸቢብዎም ራሕሪሖማ ተሰዲዶም፡፡ ቅድሚ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣሰንባዲ ብዝሒ ይሰደድ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ብዝሒ’ዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ፍልሰት ኤርትራውያን ተደሚርዎ “ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ዓለም ኣለው ብዘይካ ኣብ ኤርትራ” ንብለሉ ግዜ ከይመጽእ ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን በጺሕና ኣለና፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ብኣርኣያነቱ ዝጥቀስ ብርቂ ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ክነሱ፡ መመሰሊ ሕስረትን ስቅያትን ክኸውን ኣይምተገብአን። ቁንጣሮ መጸይቲ ደም ህዝቢ ኣስተርሕዮም መታን ክነግሱ ንመላእ ህዝቢ “ደም እናጠዓመካ ንበር” ኢልካ ምፍራድ ንሓደ ተቓሊሱ ሃገር ዘምጽአ ህዝቢ ዝግባእ ክብሪ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ በዞም ኣስኒቑን ኣዕጢቑን ንስልጣን ዘብቅዖም “መራሕቱ” ስለዝተጠልመ ቀሲኑን ኣስተርሕዩን ዝነብረላ ሃገር ኣይረኸበን። ብቓልስን መስዋእትን ብሉጻት ደቁ ዝረኸባ ሃገር ኣብ ኢድ ውሑዳት ዓዋሉ ወዲቓ ክርእያ ባህ ስለዝበሎ ግን ኣይኮነን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብዓቕሊ ዝሓልፎ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ንግፍዕን ጭቈናን ተቓሊስዎም እምበር ተለማሚድዎም ኣይፈልጥን እዩ። ንግፍዕን ጭቈናን ምልምማድ ባህሪኡ ስለዘይኮነ ሎሚ እውን ከም ቀደም ካብ ዝወረዶ መከራ ብቓልሱ ተናጊፉ ሓርነቱ ከምዝእውጅ እቶም ዝነዓቕዎ ጭፍራ’ውን እንተዀኑ ዝዝንግዕዎ ኣይኮነን።

                                ኣማኒኤል ማሕደረ

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 2012-12-17