ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን
ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብዚ ክቡር ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመት 2013ን’ዚ ብሰላም ኣብጽሓኩም ብምባል ሰናይ ምልእኽቱ የመሓላልፍ። ብምቅጻል ባዓል ልደት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ሰኒትን ራህዋን ክኸውን ልዑል እምነቱ ይገልጽ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ተኽተልቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ ተኸባቢርካ ብሰላም ምንባርን ምጽውዋርን ዝመልኦ ልሉይ ባህልታቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታት ዝግበር ዘሎ ኢድ-ምትእትታው ብሓባር ብምንጻግ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
30 ታሕሳስ 2012