ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳ&#4757
نشر من قبل omaal في 02:06 مساء - 17 02 1434 هـ (30 12 2012 م)

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን

 


تفاصيل الخبر

ER Democratic Allaince 012 A.jpg 

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ   ናብዚ ክቡር ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመት 2013ን’ዚ ብሰላም ኣብጽሓኩም ብምባል ሰናይ ምልእኽቱ የመሓላልፍ። ብምቅጻል ባዓል ልደት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ሰኒትን ራህዋን ክኸውን ልዑል እምነቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ተኽተልቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ ተኸባቢርካ ብሰላም ምንባርን ምጽውዋርን ዝመልኦ ልሉይ ባህልታቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታት ዝግበር ዘሎ ኢድ-ምትእትታው ብሓባር ብምንጻግ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

30 ታሕሳስ 2012