ዕዉት ወታሃደራዊ ዜና
نشر من قبل omaal في 10:12 صباحا - 17 01 1431 هـ (02 01 2010 م)

Red Sea Afar democratic organization.jpg

ዕዉት ወታሃደራዊ ዜና

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

ዲሞክራሰያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

 


تفاصيل الخبر

Red Sea Afar democratic organization.jpg

ዕዉት ወታሃደራዊ ዜና

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

ዲሞክራሰያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

1ጥሪ 2010ዓ.ም

ሙዑታት ተቓለሰቲ ዲሞክራሰያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ምሰ ተባዕ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ብምውህሃድ አብ ዞባ ደቡብ አብ 3ተመዓሰከራት ጸላኢ ዕዉት ወታሃደራዊ ሰርሒት አካይዱ፡፡

እቲ አብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ጾሮና ፍሉይ ሰሙ መሰሓል-አኽራን አብ ዝተባህለ ቦታ ዓሪዱ ዝነበረ ክፍለ ሰራዊት 39  ናይ ግንባር ሰለያ አሃዱ  ብዕለት 01-01-2010ዓ.ም ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብዝተፈነወሉ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ወሪድዎ፡፡ እቲ ብውሕሉል አገባብ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ሰርሒት 12ካብ ሰራዊት ጸላኢ ክሞቱ ከለው 18 ብኸቢድ ቆሲሎም፡ እቲ መዓሰከር ንሰዓታት ዝአክል መዑታት ተጋደልትና ድሕሪ ምቑጽጻር ነቲ መዓሰከር ሙሉእ ብሙሉእ ከቃጽልዎ ከለው ካልእ አብቲ መዓሰከር ዝነበረ ሳንዱቕ ሙሉእ ጠያይትን ወታሃደራዊ ናውቲ ሕክምናን ከምእውን ወታሃደራዊ ክዳውንቲ ማሪኹ ናብ ቦቶኡ ከምዝተመልሱ ካብቲ ከባቢ ዝበጻሓና ሓበሬታ አረዲኡ፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና አብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ዛላምበሳ ፍሉይ ሰሙ አግላዕን ጉናጉና አብ ዝተባህለ ቦታ አብ ክልተ መዓሰከራት ዓሪዱ ንዝነበረ ክ/ሰራዊት 13 2ይብርጌድ 1ቦጦሎንን 2ይቦጦሎንን ካብ ተባዓት ተቓለሰትና ዝወረዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 13 ክሞቱ ከለው ልዕሊ 20 ቆሲሎምን እተን ክልተ አሃዱ 1ይን 2ይን ቦጦሎኒ ዓሪደናሉ ዝነበራ መዓሰከር ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰሽ ከሎ ተጋደልትና 2ከላሸን ኮፍን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ወታሃደራዊ ናውቲ ማሪኾም ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም፡ ነዚ ዑዉት ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ምእንቲ ኩቡር ናጽነት ሙሩጻት ተቓለሰቱ ከምዝኸፈለ የረጋግጽ፡ እዚ አሃዱ›ዚ ንህዝቢ ክጭፍጭን ክኸትርን ዝጸነሐ አሃዱ ኾይኑ ውሕሉል መጽናቲ ድሕሪ ምክያድ ነዚ ዕዉት ሰራሕ ክስራሕ ዝተኻእለ፡፡

እዚ ዕውት ወታሃደራዊ ሰርሒት ዝካየድ ዘሎ መቀጸልታ ናይቲ ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ ከም መሰረታዊ መርገጺኡ ሒዝዎ ዘሎ መትከል መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ንምርግጋጽ ካብ ዞባ ደንካልያ ሰጊሩ አብ ዞባ ደቡብን ካልኦት ክፋላት ሃገርና አብ ዝተፈላለየ ቦታን ጊዜን አብ ልዕሊ ሓይልታት ጸላኢ መጥቃዕትታት ፈጺሙ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከውርድ ተኽእሎ ከምዘለዎ በዚ ሕጂ ንኻልአይ ጊዚኡ ምሰ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዘካየዶ ውሕሉል ወታሃደራዊ ስሪሒት አብ ባይታ አረጋጊጹ አሎ፡፡ ሕጂ›ውን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈታውን ጸላኢን ክፈልጦ ዝግባእ ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ አብዝተፈላለየ ቦታን ጊዜን  መሪጹ ንሰርዓት ህግደፍ ንምድመሳሰን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪን መሰል ካልኦት ህዝብታት ንምርግጋጽ  ተዓጢቑ ከምዘሎ በዚ አጋጣሚ›ዚ ይገልጽ፡፡ ከምእ›ውን ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ ለውጢ ምሰዝደሊ ሓይሊ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ቁሩብ ምኻኑ ደጊሙ ይገልጽ፡፡ እቲ ማህሚኑ ዘሎ ሰርዓት ጊዜ ክይበለዔ ሓንሳብን ንሓዋሩን እነቃብጸሉን ጸበባ ህዝብናን ድሕነት ሃገርን እነረጋግጸሉ እዋን ሕጂ ሰለዝኾነን መላእ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ በዚ አጋጣሚ ይጽውዕ፡፡

 

ዓወት ንውጹዓት ህዝብታት!!

ውድቀት ንመዝማዚ ሰርዓት ህግደፍ!!