ሰሚናር ብምኽንያት መበል 52 ዝኽሪ ም&#
نشر من قبل omaal في 08:58 صباحا - 02 11 1434 هـ (06 09 2013 م)

ሰሚናር ብምኽንያት መበል 52 ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

 


تفاصيل الخبر

ERITREAN YOUTH MOVEMENT.jpg

 

ሰሚናር ብምኽንያት መበል 52 ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

 

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፡  መበል 52 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ “ ሃገራዊ ሓድነትን ብድሆታቱን” ዝብል ዛዕባ ኣልዒሉ ብሰንበት 1 መስከረም 2013 ኣብ በርሚንጋሃም ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ።

ብመጀመሪያ ንምንቅስቃስ ኤርትራዊ ምንእሰይ ወኪሉ ኣቶ ኣሕመዲን ማሕሙድ ንዕዱማት ኣጋይሽ ከምኡውን ንኣኸበኛታት እንቋዕ ብዳሓን መጻእኩም ኢሉ።

ስዒቡ ኣቶ ኢድሪስ ሁመድ ንባሕቲ መስከረም ኣመልኪቱ፡ እዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘለና መበል 52 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ : ሓደ ኣገዳሲ መድረኽ ናይ ሓድነትና ስለ ዝኾነን እዩ ክብል ሓጺር መደረ ሂቡ።

ካብኡ ብምቅጻል ኣሕዋት ሓምድ ድራር፡ ዓብዱ ዓብደላን ኢብራሂም ሓምድን “ ሃገራዊ ሓድነትን ብድሆታቱን” ዝብል ዛዕባ ኣልዒሎም ሰፊሕ ሰሚናር ሂቦም።

ኣብ መጨረሽታ እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምንባሩ ሓያል ዘተን ሰሚናራትን ከም ዘድለዮ ኣኸበኛታት ብሓባር ኣስሚሮሙሉ።

ዘልኣላማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ዓወት ንውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

01-09-2013