Asatafi Democraseyawe Mehnas Hto they Cones Gdata EU
نشر من قبل omaal في 07:57 صباحا - 07 02 1435 هـ (10 12 2013 م)

ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ ናይ ምርጫ ሕቶ ዘይኮነስ ግድነታዊ’ዩ!!


تفاصيل الخبر

Eritrean Unity For Dem Change Slogan.jpg

ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ ናይ ምርጫ ሕቶ ዘይኮነስ ግድነታዊ’ዩ!!

ብድሕሪ’ቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ነዊሕን መሪርን ነጻነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ሃገራዊ ነጻነት ምስ ተጋህደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓርነት ክድበስን መጻኢ ዕድሉ ብሓባራዊ ጻዕርታቱ ክበርህን ጥራሕ’ዩ ነይሩ ትምኒቱ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ድሕሪ ሕጂ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከቢድ ገበን’ዩ ዝቑጸር ብዝብል ገባትን ኣግላልን ኣዋጅ ስርዓት ህግደፍ ተቦኲሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ በሓቲ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ነቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ውሑዳት ዝመስሉ ወይ ከም ጸረ-ሃገራዊ ነጻነትን ከደዓትን ዝቁጸሩ ዝነበሩ ተቓወምቲ ዝነፍግ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀስ ብቀስ ንተሳትፎን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ድማ ብፍላይ ዓምጺጹ ንከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ኣዕናዊ ውሳኔ ምዃኑ፡ ብኣግኡ ኣውያቶም ዘስምዑ ወገናት’ኳ እንተነበሩ ሽዑ ግን ሰማዒ እዝኒስ ኣይረኸቡን።

እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክኸይድ ዝጸንሐ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝወሰደ ሰራም ፖሎቲካዊ ጸለመታትን ቅንጸላታትን ኣብ ምድኻሙ ዘይነኣኣስ ተራ ክህልዎ ጌይሩ’ዩ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘልዕሎ መሰረታዊ ሕቶታት ኣቓልቦ ናይቲ ሰፊሕን ውጹዕን ህዝቢ ከይረኸበ፡ ብጽምኢ ሓድሽ ተሳትፎ መንእሰይ ክሳቐ ጸኒሑ’ዩ። ይኹን እምበር ኩሉ-መዳያዊ ጭቆና ክሳብ ዝሃለወ፡ ቁጥዐ ህዝብን ቃልስን ምቕጻሉ ስለዘይተርፍ በብእዋኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝጽንበር ሓድሽ ሓይሊ እናበርከተ ክመጽእ ታሪኻዊ ግድነት ነይሩ። እዚ ሕጂ ኣቓልብኡ ንቃልስን ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ዝገብር ዘሎ ሓይሊ ምርጭኡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ነባር ደንበ ተቓውሞ ኣትዩ ንዕኡ ምሕያሉን ምድንፍዑን ዝኸውን ሓድሽ ምንቅስቓሳት ምፍጣር ይኸውን ኣሎ።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝኾነ ንመሪርን ሕሱምን ኩሉ መዳያዊ ጭቆና ገባቲ ሰርዓት ህግደፍ ዘስተማቐረ ኣካል በቲ ንሱ ጥራይ ዝመርጾ ምርጫ ተወዲቡ ክቃልስ ማንም ዘይህቦን ዘይነፍጎን ዘይተደረተ መሰሉ ምዃኑ ይኣምን። ንምርጭኡን ውሳኔኡን ድማ ብዘየወላውል መንገዲ ዘኽብረሉ ደኣንበር ዝነፍገሉ ምክንያት ከም ዘይብሉ ከነብርህ ንደሊ። ይኹን ደኣምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ እቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትር ካብ ብርሰትን ምብትታንን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ብልቢ እቃለስ’የ ዝብል ኣካል፡ ንሕሉፍን ኣሉታውን ታሪኻዊ ተመክሮታት ብምንጻግ፡ ካብ ክልተ ጽንፊ ኣተሓሳስባ (extreme) ክድሕን ይግባእ ንብል።

1.     እቲ ነባር ደንበ ተቓውሞ ነዚ ሕጂ ዝጥርነፍ ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ብሓንጎፋ ምቕባል ኣበይ ዝነብሩ’ዮም ወይ ተዓብለልና ካብ ዝብል ፍርሒ ክጥርጥሮን ከግልሎን ኣይግባእን።

2.     እቲ ሓድሽ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ድማ ነቲ ትልኽ እናበለ ተስፋ ከይቆረጸ ክቃለስ ዝጸንሐ ነባር ደንበ ተቓውሞ ነዊሕ ዓመታት ተቓሊሱ ሓንቲ ቁም-ነገር ኣይገበረን ብዝብል ንዕቀት ክነፍጎ ግቡእ ኣይኮነን።

ኣግላሊ ዝኾነ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ተጸሚምዎ ክኸይድ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ገለ ገሊኡ’ውን ኣብ ደረጃ ምጽማም ከይበጽሐ ከየስተማቐሮ ጸንሑ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከመይ’ሲ እቲ ድሕሪ ነዊሕ ቃልስን ረዚን መስዋእትነትን ዝተረኸበ ሃገራዊ ነጻነት ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ በደላት ብካልኣዊ ደረጃ ክስራዕ ጌይርዎ’ዩ። እቲ ዝሓለፈ መስዋእቲ ከይኣክል ድሕሪ ነጻነት’ውን ደኒንካ ምዃድ ሓደ ካብቲ ምእንቲ ነጻነት (ሃገር) ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ጌርካ ናይ ምውሳድ ዝምባሌ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን። ኣይፋሉን ሎሚስ ይኣክል!! ክብል ንዝጀመረ ኩሉ ከም ጸረ መንግስታዊ ፖሊሲ ዘይኮነስ ከም ጸረ ሃገር ክቑጸረሉ ዝጸንሐ ኣጋጣሚ ውሑድ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ሕጂ’ውን ዘይበለየ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ባሓቲ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ኣግላሊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍን ካብ ክንጽመሞ ዝግበኣና ንላዕሊ ስለ ዝተጸመምናዮ ናብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ውርደትን ዕንወትን ክንወርድ ጌይሩና’ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ህዝብና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዕናዊ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባ ክጻወሮ ዘይኽእል ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ዝኾነ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ መተካእትኡ ካልእ ስርዓት ክተክል’የ ዝብል ኣካል ይትረፍ ብሓቲ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ንምትግባር ክሓስብ ብጨንኡ ዝተለኽፈ እንተኮይኑ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክጻወሮ ዝኽእል ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕቶ ኣሳታፊ ዝኾነ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ፡ ምእንቲ ድሕነትና ቀጻሊ ህልውናና ክንብል ክንሰርሓሉ ዝግባእ መትከላዊ ኣረኣእያ ደኣምበር ምስ ንደሊ ንትግብሮ ምስ ዘይንደሊ ንነጽጎ ዊንታዊ ምርጫ ኣይኮነን። ብድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንኹሉ ዘሳትፍ ስርዓት ምስ ንተኽል ህዝብን ሃገርን ነድሕን፡ ካልእ ተመሳሳሊ ባሓትን ነጻግን ስርዓት ንምምስረት ምስ ንህቕን ድማ ንጠፍኣሉ እዋን እምበር ከምሻሙ ብምባል ዝሕለፍ እዋን ኣይኮነን። ፖለቲካዉን ማሕበረ ቁጠባውን ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንድሕነት’ዶ ወይስ ንብርሰት ምርጫታቱ ብኣሳታፊ’ዶ ወይስ ብበሓቲ ኣረኣእያ ጥራሕ ዝምለስ ሕቶ’ዩ። ካልእ ኣብ መንጎ’ዚ ዝረአ ምርጫታት የብልናን።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነዚ ዝበጋገስ ዘሎ ምትእኽኻብ ምሁራት፡ መንእሰያት፡ ገዳይም ተቓለስቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ካልእ ዝተፈላለየ ውዳቤታት ዝድግፎን ዘተባብዖን ደኣምበር ብኣሉታ ዝጥምቶ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ፡ ንኩልና ብሓባር ዝነፍግ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኤርትራ’ውን ናይ ኩልና ንኩልና ብማዕረ ትብጽሓና ክሳብ ዝኾነት፡ ካብ ነጻጊ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ተናጊፎም፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ምብትታንን ብርሰትን ምድሓን ሓባራውን ቀዳማይን ዕላማ ምዃኑ ብምእማን፡ ምስ ኩሉ ሓይልታት ሰናይ ዝምድናታት ንምግባር ጽዑቕ ጻዕርታት ከካይዱ ነተባብዕ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኩሉ ጸገማትና ብልዙብ ዘተ፡ ምጽውዋርን ምክብባርን ዝፍታሕ ምዃኑ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መትከላዊ እምነት ብምብጋስ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ዕላማታት ንምዕዋት ምስ ዝኾነ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ምትሕብባር  ክገብር ወትሩ ድልው ምዃኑ የረጋግጽ።   

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

01 ታሕሳስ 2013