ደምዳሚ መግለጺ መድረኽ ምምኽኻር &#495
نشر من قبل omaal في 10:34 صباحا - 11 04 1435 هـ (11 02 2014 م)

ደምዳሚ መግለጺ

መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

 


تفاصيل الخبر

ደምዳሚ መግለጺ

መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

እቶም ኣብ ነሓሰ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣኼባ ዘካየዱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 04 ለካቲት 2014 ኣብ ዘሎ ግዝያት እንደገና ካልኣይ ኣኼባ ኣካይዶም። እዞም ኩሎም ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኦም ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን ንምስፋን ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ  ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ሓያልን ድኹምን ጎኒ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ንዝገምገሞም ብደረጃ ኣቦ መንበራት ቀጻልነት ረኺቡ ናብ ሓደ መዕለቢ ዝበጽሓሉ ካልኣይ መድረኽ ክእቶ ብዝተወሰነ መሰረት እዩ እዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሰላሰለ።

ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነቶም ካብ ቀዳማይ ኣኼባ ብደረጃ ኣቦ መንበራት ወይ ተወከልቶም ቀጻልነት ረኺቦም ኣብ ሓደ መዕለቢ ካብ ዝበጽሑዎም ናይ ድኹማት ጎንታት መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ናብ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምብጻሕ ክሕግዙ ዝኽእሉ ፍሉይ ትኹረት ዝተዋህቦም ነጥብታትን መፍትሕታትን ንምይይጣትን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን ኣብ መደምደምታ ኸኣ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ንምርኣይን ነበረ። በዚ መስረት ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ክልተ ኣጀንዳታት ማእከል ገይሩ ተመያይጠ፡-

1.     ብናይ ኣቦ መንበራትን ወከልትን ንዝቀረበ ሰነዳት ምምያይጥን ኣብ ናይ ሓባር ግንዛቤ ምብጻሕን።

2.    ሓደ ዝሰመረ ሓባራዊ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ምቛም ብዝምልከት ምርኣይ።

ኣኼባ ነቶም ዘቐረብዎ ሰነዳት በብሓደ ብምርኣይን ብምይያጥን ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባርን ኣብ ክሊ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ሓቢሮም ከቃልስዎን ከሳማምዕዎን ኣብ ሓደ ዝሰመረ ናይ ሓባር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ከብጽሕዎን ጽገማቱ ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝዎን ኣብ ምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከምዘኽእል እውን ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ገባቲ /ዲክተታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝገጥሞዎ ዘሎው ሓደጋታትን ህጹጽነት ናይዚ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ቃልሲን ሓድነትን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዞም ዝስዕቡ ስምምዓት /ምርድዳኣት/ በጺሑ።

1.     ሓደ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጽላል ብቕልጡፍ ክቐውም ተረዳዲኡ።

2.    ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓዲሽ ሓይሊ ንምስታፍ ክከኣል ግዜ ስለዘድሊ ክሰጋገር ከምዘለዎ ርእዩ።

3.    እዚ ብሓድነታዊ ጉባኤ ኣቢሉ ዝብጻሕ ዝሰመረ ሓባራዊ ጽላል እዚ ኣቦ መንበራት ንምዕዋቱ ዘድሊ ምድላዋት ከካይዱ ሓላፍነት ክወስዱ ተሳማሚዑ።

ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2012 ንጀማሪ ብረታዊ ተጋድሎ ስውራ ኤርትራ ንዝኾነ ስውእ፡ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ኣመልኪቲ ዝወጸ መግለጺኦም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ፖለቲካ ኤርትራ ዝፈጠሮ ቅልውላው ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ መደምደምታ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ኣኼባ ብዓወት ክዛዘም ክገብሩልና ንዝጽንሑ ኩሉ ሽነኻዊ ምድግጋፍ ልዑል ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

 

መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

07 ለካቲት 2014