Poloticawey pet Sehefat ne Kaderat kedan nay mebrhe akhaba akayedo
نشر من قبل omaal في 07:15 صباحا - 29 04 1435 هـ (01 03 2014 م)

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንካድራት ኤርትራዊ ኪዳን ናይ መብርሂ ኣኼባ ኣካይዱ

 


تفاصيل الخبر

 

Alaince 00[1].jpg

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንካድራት ኤርትራዊ ኪዳን ናይ መብርሂ ኣኼባ ኣካይዱ

ብ26 የካቲት 2014 ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታቱ ንዝነጥፉ ካድራቱ፡ ውጽኢታት ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ መብርሂ ሂቡ። እቲ መብርሂ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ውድዕነት ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ መዳይ ምምሕዳር ኤዲኪ፡ ካድራት ኣብ ቃልሲ ክገብርዎ ዝጸንሑ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ብምጥቓስ፡ብዝበለጸ ንጥፈታቶም ኣብ ገድላዊ ዕዮ ክብ ንምባል፡ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ መድረኻዊ መደብ ዕዮን ዕማምን ኣተኲሩ መግለጺ ሂቡ።

ካድራት ብወገኖም ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ ሒዝዎ ዝወጸ ውጽኢታት ኣገዳሲ ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ሓባራዊ ጽላል ፖሎቲካዊ ውድባት ንምምስራት ዘለዎ ድልውነት ምርግጋጹ፡ ኣብ ሃገራዊ መዳይ ንከጋጥም ዝኽእል ተኽእሎታት ንምግጣም ዘኽእል፡ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ቃልሲ ኣውንታዊ ስጉምትታት ምዃኑ ኣረጋገጹ።

ምስኡ ብምትእስሳር ኤዲኪ ንሰፊሕ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ዝሓቁፍ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን ንካልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ግዲኡ ዓቢ ከም ዝኾነ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ መላእ ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ ኩሉ ሓይሉ ኣብ ንጡፍ ዝኾነ ብመልክዕ ክፍልታቱ ወዲቡ፡ ንምዕዋት ዕማም ምስንዳእን ኣብዚ ዓመት’ዚ ክጋባእ ትጽቢት ዝግበረሉ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ውሕስነት ዓወቱ ንምርግጋጽ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ ርኽብ ምምሕዳራዊ መምርሒታት ብምሃብን ለበዋታት ብምቕባልን ተዛዚሙ።

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

27 ለካቲት 2014