Gazetawey Maglasee
نشر من قبل omaal في 07:30 صباحا - 29 04 1435 هـ (01 03 2014 م)

ጋዜጣዊ መግለጺ

 ሰክረታርያ ኣቦ መንበራት ምስንዳእ ሓድነታዊ ጉባኤ

 


تفاصيل الخبر

ጋዜጣዊ መግለጺ

 ሰክረታርያ ኣቦ መንበራት ምስንዳእ ሓድነታዊ ጉባኤ

 

1 መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓደ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል  ብቕልጡፍ ክቐውምን ኣቦ-መንበራት ሓላፍነት ወሲዶም ናብ ሓድነታዊ ጉባኤ ከብጽሕዎን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ብ07 ለካቲት 2014 ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺኡ ብወግዒ ከምዝተገልጸ ዝፍለጥ ኢዩ። በዚ መሰረት ኣቦ-መንበራት ተኻታታሊ ኣኼባታት ብምክያድ ብዛዕባ ከመይነት ምስንዳእ ናይዚ ሓድነታዊ ጉባኤዚ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት ተገይሩሉ ብዓወት መታን ክጽንበል ብዕምቆት ተመያይጦም።

በዚ መሰረት ከኣ ነቲ ጉባኤ ዘድልዩ ሰነዳትን ካልእ ፖለቲካውን ተክኒካውን ምቅርራባትን ልዝባትን ንከማልኡ ብ5ተ ኣባላት ዝቖመት ስክርታርያን ናይ ስራሕ ኮሚቴታትን ብምውዳብ ብቕደም ተኸተል እቲ ዕማማ ዝዛዘመሉ ናይ ግዜ መደብ ሰሪዖም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ። ስክርታርያ ከኣ ምምሕዳራዊ ዕማማ ብምውዳብ ካብ ውሽጣ ኣቦ መንበርን ጻሓፊን ብምምራጽ ዕማማታ ኣብ ምስልሳል ትርከብ።

 2 ብዛዕባቲ ብ18 ለካቲት 2014 ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘሎና መርገጽ ንሓፋሽ ህዝብናን ተቃለስቲ ሓይልታቱን ክበርሁ እንደልዮም ጉዳያት ብዝምልከት፡-

ሀ- መግለጺ ሰደህኤ ኣድላዪ ኔሩ ኢልና ኣይንርእን። ፍልልያቶም ብቐጻሊ ልዝባት ክኣልዩ ይኽእሉ ኔሮም ዝብል እምነት ኣለና።

ለ- ኣዚ ቀጺልና እነቕርቦ መልሲ ነቲ ሰደህኤ ዝጠልብዎ ግልጽነት ሙሉእ ክኽውን እምበር ኣብ ናይ ዜና ሃልኪ ክንኣቱ ስለ ዝመረጽና ኣይኮነን። እንተዋሓደ ግን ናይቲ ካልእ ሸነኽ መልሲ ብምስማዕ ህዝብና ሚዛናዊ ፍርዲ ከቐምጥ ክሕግዝ ንማለት ጥራሕ እዩ። 

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ሹድሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክሳተፉ ከም ዝጸንሑን ኣብ ምቛም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓባራዊ ጽላል ከም ዝተሳማምዑ”ውን ዝፍለጥዩ። ካብዚ ሓሊፉን ውን ኣብቲ ድሮ ተመስሪቱ ዘሎ ስፊሕ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ከመይ ይሳተፉን ተርኦም ይጻወቱን ኣብ መስርሕ ናይ ምምኽኻር ምይይጣት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጨርሻ ጥሪ 2014 ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መድረኽ ዕቱብ ልዝባት ተኻይዱ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ተበጺሑ ኢዩ።

እዚ ከኣ እቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሕጂ ዝብገስ ዘሎ ምዃኑን ኣብ ምስንድኡ ከኣ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉን ንሶም ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣከላት እውን ክሳተፍዎ ምእንቲ ግዜ ክምጠጥ ክጥለብ ከም ዝካኣል ተሰማሚዕና። ናይ ዕለት 7 ለካቲት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ስተሰማምዑሉ መግለጺና እውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። ካብዚ ሓሊፉ ከኣ ንባዕሉ እቲ ዝቐውም ዘሎ ሓባራዊ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ናቱ ቀላሲ ተራ ክጻወት ምእንቲ ክኽእል ከምቶም ኩሎም ተሻራኽቲ ተረኦም ዝጻወቱ ሰደህኤ (ኢፒዲፒ) እውን ኣብ ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤን ምድላዋቱን ተሳትፍኡን ሕቶ መጻኢ መሪሕነቱን ተላዚቡ ናብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከብጽሖም ከምዝኽእል ዕማም ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣብ ምዕዋት ናቱ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከምዝኽእል ናይ ኩላትና ዕግበት ምዃኑ እውን  ኣረጋጊጽናሎም።  

 

እዚ ብሕጋውን ፖለቲካውን ሸነኹ ኣገዳሲ ተራ ናይዚ ምትእኽካብ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው እዩ ኣብቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ኮይኑ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ዕዙዝ ተርኡ’ዚ ከንጸባርቆ ዝፈተነ።  

እንተኾነ ሰደህኤ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ገሊጾሞ ዘለው እንከላይ ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ምስንዳእ ሓላፍነት ዝወስድ መድረኽ ናይ ኣቦ መንበራት ጌርና ኢና ወሲድናዮ ዝበልዎ፡ ስምምዕ ናይቲ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ከምኡ ከምዘይነበረ ክንገልጽ ንደሊ። ከምኡ ስለ ዘይኮነ ከኣዩ ኣብቲ ዝወጸ ሓባራዊ ደምዳሚ መግለጺ ካላኣይ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ፡ “ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤሃባደለ ሓዲሽ ሓይሊ ንምስታፍ ክካኣል ምእንቲ ግዜ ስለ ዘድሊ ክሳጋገር ከምዘለዎ ርእዩ፡  ክብል እንከሎ ካልእ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝውስን ኣካል ስለ ዘሎ ደኣምበር መድረኽ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ሕጋዊ ሓላፍነት እንተዝህልዎ ነይሩ ርእዩ ዘይኮነስ ወሲኑ ክብል ምኣወጀ።  

ግን ከኣ እዚ ንምስግጋር ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ባይቶ ዝጠልብ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት’ዚ ኣብ ምዕዋት እዚ ሓሳብ እዚ ናቱ ዕዙዝ ተራ ሰለ ዘለዎን ንባዕሉ እቲ ናይ ምስንዳእ ዕማም ሕጂ ይበጋገስ ምህላዉ ጠለብ ናይ ሰደህኤን ናይ ካልኦት ክሻረኹ ዝኽእሉን ኣብ ግምት ብምእታው ምስንድኡ ግዜ ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው እዩ ተደላይነት ናይ ምስግጋሩ ዝራኣየ። ከምኡ  ስለ ዝኾነ ከኣዩ ኣብ መድረኽ ናይ ምምኽኻር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት እቲ ናይ ጉባኤ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ናብ መሪሕነት ባይቶ ተማሓለሊፉ ንተግባራውነቱ ክስረሓሉ ሓሳባት ዝዋሃበሉ ዝነበረ።

 

ብዝተረፈ ባይቶ ይሕመቕ ይጸብቕ ናይ ብዙሓት ተሻረኽቲ ኣካላት ሕጋዊ ኣካል ክሳብ ዝኾነ ነዚ ሰፊሕ ጽላል ናይ ባይቶ ኣፍሪሱ ወይ ጎስዩ ብሓዲሽ ናይ መራሕቲ ውድባት ጥራሕ ክትክኦ ትኽክል ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ደሞክራስያዊ ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ክሊ እዚ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኩሉ ዝካኣል ምትዕጽጻፋት ጌርካ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ተሳቲፎሞ ተረኦም ዝጻወትሉ ውጽኢቱ ከኣ ናይ ሰዓራይን ተሳዓራይን ዘይኮነ ናይ ኩሎም ተሳተፍቱ ናይ ሓባር ዓወት (win win) ክኸውን ዝኽእል። እዚ እቲ እንኮ መዋጽኢ ኢሉ ስለ ዝራኣየ ጥራሕ‘ዩ እቲ ናይ ልዝብ መስርሕ ኣብ ዕላውን ዘይዕላውን መድረኻት  ብክልታውን ሰለስታውን ካብኡ ንላዕሊ እንዳ ተራኸብካን እና ተራዳድእካን ኣብ’ቲ ሰፊሕ መድረኽ ናብ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝተበጽሐ።

ካልእ ሰደህኤ ክልተ ጽላላት ከነቕውም ኢና ተረዳዲእና ኢሉ ኣብ ጋዜጣዊ መግሊጺኡን ዜናዊ ሓበሬታቱን ዝገለጾ ሓቅነት የብሉን። ንሕና ኩለና ብቀንዱ ኣብ ናይ መጀመርያ ልዝብናን ምርድዳእናን ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ደ”ኣምበር ኣብ ናይ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ጽላልስ ሓባራዊ ተረድኦ ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ሰፊሕ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ካልኣይ ጉባኤኡ ናይ ምስታፍ ጉዳይን ሓቢርና ክንጓዕዝ ምእንቲ ክንክእል ዘጸግሞዎም ጉዳያት ኣብ ምእላይ ኩልና ተራና ክንጻወት ብሸነኽና ብዝቀረበ ተበግሶን ክትዕን ሓባራዊ ናይ ኩልና ናይ እንካን ሃባን ልዝባት ተኻይዱ ናብ’ዚ ሕጂ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ እዩ ክብርኽ ዝኾነ።  

ካብዚ ወጻኢ ትካላዊ ኣስራርሑኡ ወጊድና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቦ መንበራት ውድባት ኣሳናዳእቲ ኮይኖም ክሰርሑ እሞ ሓዲሽ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ሀ ኢልና ክንምስረት ዝብል ስምምዕ ኣይነበረናን። ብሸነኾም እዚ ድሒሩ ዝተላዕለ ሓዲሽ ርእይቶዚ ኣብቲ ስፊሕ መድረኽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተላዕለ ኣይነበረን። ድሒሩዩ ኣብ ናይ ኣቦ መንበራት መድረኽ ዝተላዕለን ዳግም ክርእይዎ ብምዝኽኻር ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይ መጨርሻ ስዓት ናይ ምፍዳስ መልሶም ንሱ ምዃኑ ዝተቀየረ ከምዘየለ ዝገለጹ። ብድሕሪኡ ክትዕ ተኻይድሉ መጨረሻ መዕለቢኡ እንታይ ይኸውን መዛዛሚ ሓሳብ ከይተዋህበሉ ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕን ብወግዓዊ መግለጺኦም ክንሕበርን ዝተጸበናዮ ኣይነበረን። ዝኾነ ፍልልያት ብቐጻሊ ዘተታት ክፍታሕ ደኣ ምነበሮ እምበር ከምዚ ዝበለ መግለጺታት ንናይ ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ሓባር ጉዕዞ ይኹን ንናይ ህዝብና ንያት ከምጽኦ ዝኽእል ፋይዳ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ንስለ ግልጽነት እንተኮይኑ ድማ ናይ ክልቲኡ ሸነኻት ሚዛናዊ ትረኻ ክወሃብ ኔርዎ ንብል።

ስለዚ እዚ ሰደህኤ ካብቲ ስምምዕ ወጻኢ ዘቅርብዎ ዘለው ድሒሩ ዝማዕበለ ሓሳባት ዋላኳ ዝኾነ ሓይሊ ኣብቲ ጽላል ወይ ጽላላት ክስሕብ ይኹን ክቕጽል መሰሉ ሕልው እንተኾነ ናዓና ግን እዚ ንምስሓቦም ዘቕርብዎ ዘለው ሓሳባት ምኽንያታውን ወደዓውንዩ ኢልና ኣይንርእን። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሃገርና ተሓልፎ ዘላ ተሃዋሲ ናይ ሓደጋ ህሞትን ህጹጽነት ናይ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ቃልሲን ሓድነትን ዕዘት ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ ክረኣ እንከሎ እዞም ፍልልያት እዚኣቶም ክስገሩ ዝክእሉ እዮም ኔሮም ዝብል እምነት ኣለና።  ከም’ቲ ኣብ ዝተፋለለየ ናይ ልዝብ መድረኻት ብዕምቆት ንገለጾም ዝነበርና ብዙሕ ክስገር ዝካኣል እንዳሃለወ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ጉባኤታትን ውጽኢታቶምን ዝተኸስቱ ጌጋታት ከመይ ክፍወሱ ንርኢ ከምዘለና ብግልጺ እናሓበርናዮም እንከሎና ምሳና ሓቢሮም ኣብ ምዕራዩ ተርኦም ክጻወቱን ሓቢርና ክንጓዓዝ ከም እንኽእል ኣብ ብዙሕ ነጥብታት ሓባራዊ ምርድዳእ እንዳኣጥረና ከለና መበገስኡ ብዘየገድስ ካብዚ ቁዱስ ሃገራዊ ሓድነታዊ ጉዕዞ’ዚ እንደገና ሕጂውን ተኾሊፍካ ምትራፍ ጽቡቕ ኣይኮነን ንብል። ሰለ ዝኾነ ሕጂ ውን ኣብ መርገጾም ዳግመ ርእይቶ ገይሮም ብመሰረት እቲ ዝተበጸሐ ስምምዕ ሓቢርና ክንጓዓዝ ገድላዊ ጻዋዒትና ነቕርበሎም።

 

ሰክረታርያ ኣቦ መንበራት ምስንዳእ ሓድነታዊ ጉባኤ

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

   

                22 ለካቲት 2014