ሕጂ ውን ንህግደፍን መሰልቶምን ካ&#470
نشر من قبل omaal في 01:38 صباحا - 12 11 1435 هـ (06 09 2014 م)

ሕጂ ውን ንህግደፍን መሰልቶምን

ካብ ምብዳህ ዓዲ ኣይውዕልን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

1ይ ክፋል

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ሕጂ ውን ንህግደፍን መሰልቶምን

ካብ ምብዳህ ዓዲ ኣይውዕልን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

1ይ ክፋል

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

أخبار

 

ሕድሪ ዓዋተ ክነዕውቶ

ክትግበር ናይ ሐርነት ሕቶ

ኣብ መስከረም ቃል ንእቶ//

ኣብሺርካ ሐምድ እድሪስ ዓወተ

በጠል ውድ ኤረትራ ሐሊብ ሰተ

ጅግና ኤረትራዊ ገድሊ ህዝቢ ዝመስረተ//

ኣዳል ተዛረቢ

ዓዋተ ጎቦ ኣዳል ምስ ደበ

ቀልሃ ኣቡ ዓሸራ ምስ ዘነበ

ንህዝቢ ኤረትራ ብስራት ምስ ሃበ

እንታይ በለ ንዓዋተ ዝሰዓበ//

ኣዳል ተዛረቢ

ዕላማ መስከረም ክትርጎም

ህዝቢ ክነብር ብሰላም

ኤረትራ ክትከውን ለምለም//

ኣዳል ተዛረቢ

እንታይ በለ ናይ ኤረትራ ህዝቢ

እወ ንነጻነት ንመግዛእቲ እንቢ//

ዝዓበኻ ዝነኣስካ

ኣሰር ዓዋተ ዝተኸተልካ

ሕድሪ ስዉኣት ዘይጠለምካ

ህያውዩ ታሪኪ ታሪካ//

 ኣለና እወ ሕድሪ

ናይ መስከረም ነድሪ

እወ ንሕና ደቂ ቀይሕ ባሕሪ//

መስከረም ያኣክል በልና ሎሚሲ

ደምሲስኩም ነቲ ደም ምፍሰሲ

ኣብ ሃገርኩም ተኸሉ ደሞክራሲ//

መስከረም ኤረትራ ንመን

ህግደፍ ወካሊና ኣይኮነን

 ትምኒት ጸላእትና ክምህምን

ኤረትራ ንኤረታራዊያን ክትከውን//

መልእኽቱ ሰሚሩ ጠላም

ነጻነት ዊሒጥዎ ጸላም

ንኽልተ ጎራሕት ንመክቶም

ከም ትኪ ክበንን ሕልሞም//

ቃልስና መበል 53 ዓመቱ

ሕልምና ኣንፈቱ ስሒቱ

ህዝቢ ሲኢኑ ሐርነቱ

ሃገር ብሸፋቱ ተባሒቱ//

 ን53ዓመት ንብዕል ሎሚ

ፋሕ ንብል ንመን ጠቕሚ

ዓገብ እብል ብተደጋጋሚ//

ንህግደፍ ሐቍፍና

ህግደፍ ጸላእትና

እንተ ጨራሕና

ማዓስ የምሕረልና//

ዘራጊ ኮሎ ዶ ለተ

ጹሩይ ማይ ይስተ

ሕልሚ ሐርበኛ ዓዋተ

53 ዓመቱ ከይተ ዓወተ//

ካድር ዝተጸወዔ

ተልእኹኡ ምስ ረሰዔ

እንገራ ልማኖ ምስ ጎስዔ

ሹዑ እዩ ህዝቢ ዝተረሰዔ//

ንበታኒ ኣለሊና ሃየ

ማይ ሃሪሙ ከይጸሐየ

ናብ ስራሕ ንጓየ//

ማይ ከም ዝዓሞኸ ኢድና

ክንዲ ንጎዪ ዶብ ሰጊርና

ይበልዎ ንብል ገሌና

ኣብ ጎረቤት ካብ ምድቃስ

ሐርበኛ ሕጂ ተበገስ

ውዲት ከይድገም ቀስብቐስ//

ህላወና እሞ ነራጋግጽ

ብኽልተ እግርና ክንረግጽ

 ሹዑ ያዕ ንበሎ ክንመርጽ//

ብኸ ብኸ እመጻኒ

ወረ መዓስ ኢና ነሳኒ

እንታይ ሽግርና

ኩሉ ሳዕ ምስ ተሰዓርና

ህላወና ከየራጋገጽና

ዘበት ድሒኑ ህዝብና//

ንመስከረ ቃል ንእቶ ውድባት

ቅድሚት ዝኸውን ንድሕሪት

ኣብ ሐደ ይጠርነፍ ሰራዊት//

ደላይ ፍትሒ መርገጽ ክወስድ

ምስ ናይ ሐርነት ቅዲ ዝቐድድ

ምስ ብቅጽበት ባይታ ንዝወርድ//

ንባይታ ዓደቦና ንጠቐመሉ

ይጽበ ሎ መርሓባ ዝኣመሉ

እንባ ኩርባ ጀጋኑ ዝወደቑሉ//

ህላወና እሞ ኣራጋግጽና

ካብ ብማዕዶ ምዕዛብ

ብስኒት ንበል ዘብዘብ

ተሰዲድካ የለን ክብረት

ተናዒቕና በዚሕ ውርደት

ሰብ ርስቲ ከለና ሰብ ንብረት//

ጀማሪት ሰውራ መስከረም

እዚ ካብ ኮነ ሕልሞም

ይትረፈና ሞራሎም ደገፎም//

ኣነስ ምበልኩ ሕደጉና

ግዝየ ኣይተናውሑልና

ሽግርና ክንፈትሖ ባዕልና//

ኣብ መስከረም ንሳማማዕ

ንህግደፍ የስምዖም ስላዕ

ብበላዕተኛታት እኒ ከዳዕ

ብመሰልቶምን ካብ ንግፋዕ//

መስከረም እቲ ዝኸፍኤ

ብሰንኮም ካብ ዓዱ ዝጠፍኤ

ተመሊሱ ኢድ ዝነስኤ

ናብ ናይ ህግደፍ ምስሌነ

ነዚኦም ጸላእኩ ኣነ//

ካብ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ንህግደፍ ክውድሱ በሻሐት ዝወጹ

ካብ ሐርበት ባርነት ዝመረጹ//

ሑቑኡ ሂቡ ዝኸይድ

ሑቖ ከዳዓት ዘሰውድ

ኣንፈቱ ሲሒቱ ዝዓብድ//

መስከረም መበል 53 ዓመታ

ንኤረትራ ድሕሪ ነጻነታ

ሐርነት ሲኢኖም ህዝብታታ

ህግደፍ በቲኖሞ ናትና ያታ//

ኣብ መስከረም ቃል ንእቶ

ትኽስ ግደፉ ውድባት

ካብ ንግሆ ናብ ምሸት

ጽረ ፋሽሽታዊ ስርዓት

 ለውጢ ይካኣል ብውሕዳት//

ኣብ ምፍንጫል ካብ ንሕልፎ

ቀልጢፍና ውሽጥና ነጽፍፎ

ቅልጽምና ኣብ ሐደ ንጠርንፎ

ህግደፍ ካብ ሱሩ ክመሖ

ይኹን ናይ ሐባር ጭርሖ

ህዝቢ ክረክብ መስተርሆ

ናይ ደገ ማሕለኻ ንብተኮ//

ኣይንንበር ኣብ ሕልሚ

ጓል ዶ ትፋኖ ብዘይ ገዝሚ

ብዘይ ላሕሚ ኣሎዶ ጠስሚ

ክትግበር ናይ ስዉኣት ሕልሚ

ንወስን ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ሎሚ ዓመት ናይ ግድንዩ ዓወትና

ሸዊት ለምለም ክኸውን ዓድና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዝብሉ ይንበረልና