“USA BRUNCH” “ደምዳሚ መግልጺ”
äÔÑ ãä ÞÈá omaal Ýí 08:33 ÕÈÇÍÇ - 14 11 1435 åÜ (08 09 2014 ã)

“USA BRUNCH”

ደምዳሚ መግልጺ”

ሳልሳይ ዞባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።


ÊÝÇÕíá ÇáÎÈÑ

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

“USA BRUNCH”

ደምዳሚ መግልጺ”

ሳልሳይ ዞባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።

    ሳልሳይ ዞባዊ ጉባኤና “ምድሓን ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ሰሪዕና ንቃለስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ዕለት ሓደ መስከረም 2014 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ መዓልታት ብድምቀት ተቓኒዑ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ሰልሳይ ዞባዊ ጉባኤና ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ሓደ መስከረም” ኣብ እነብዕለሉን እንዝክረሉን ታሪኻዊ እዋን እግበር ብምህላዉ ከኣ ፍሉይ ተዘክሮን ድምቀትን ዓሲልዎ እዩ ተሰላሲሉ። ዞባዊ ጉባኤና ነቲ ካብ ዕለት 13-17 ሚያዝያ 2014 ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ዝተዛዘመ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ውድብና ድሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዘሕለፎም ፖለቲካዊ ውሳኔታትን፡ ውድባዊ መደብ-ዕዮን ዓንዲ-ሕግን ተቐቢሉ ብስጥመት ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምርግጋጽ እዩ መደባት ሳልሳይ ጉባኤኡ ዝኸፈተ።

    ሳልሳይ ዞባዊ ጉባኤና ድሕሪ ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ምስምዑን ምቕባሉን፣ካብ ዝሓለፈ ካልኣይ ዞባዊ ጉባኤና ክሳብ እዚ እዋን እዚ ናይ ዝተኻየዱ ዞባዊ ስርሓት፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቶም ብምግምጋም ነቶም ጉድለታት ብምእራም ንመጻኢ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ብምስምማዕ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን፣ ኣብ ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን፣ ኣብ ውደባን ስርርዕን፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ጉዳይ፣ ኣብ ዲፕሎማስያውን ሓድነታውን ጉዳይ፣ ኣብ ማሕበራውን ጉዳይ ስደትኛታትን ኣልዒሉ ብዕምቝት ተመያይጡ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን፡ መጸዋዕታን ለበዋታትን ኣመሓላሊፉ።

    ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ትቑረን እንሆ 23ተን ዓመታት ኣቕጺራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መረርቲ ናይ ስቓይን ወሓዚ ስደትን መቕዘፍትን ዓመታት ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳ ኸፍአን እንዳ ገደደን መጺኡ እንሆ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጥርዙ ከም ዝበጽሐ መዚኑ። ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን ናይ እዚ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ምውጋድ እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት እዚ ብደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ እቕረ ዘይበሃሎ ድኽመትን፡ ብሓድነት ሰጢምካ ዘይምቅላስን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቀዳምነት ሰሪዕካ ዘይምብጋስን ዝፈጥሮ ዘሎ ናይ ቃልሲ ክፍተት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ እውን ኣስሚርሉ ሓሊፉ።

   መንእሰይ ወለዶ ኣብ መድረኽ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ እጃሙ ከበርክት ምእንቲ ካብ ሕሉፍ ኣሉታዊ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ተሞኽሮ ምፍንጫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድሒኑ፡ ካብ ድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማትን፡ ትምክሕትን ጽበትን ተጋላጊሉ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን ኣብ ክሊ ሓደ ዝሰመረ ማሕበር ተጠርኒፉ ክቃለስ ጸዊዑ። ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንደምክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ብምሉእ ዓቕሙ ክተሓጋገዞም ድማ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ።

    ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተሸኪምዎ ዘሎ ህዝባዊ ሓላፍነት ከይዘንገዐ ከጋጥምዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ዕንቅፋታትን ርኡይ ድኽመታትን ብምውጋድ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ክዛዘም ካብ ሕሉፍ ጉዕዝኡ ተማሂሩ ጽፉፍ ቅድመ ምድላዋት ክገብር ጸዊዑ፡ ኣባላት ደግሓኤ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ካባና ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክነማልእ ምዃና ነረጋግጽ።

   ማፍያታት ነጋዶ ደቂ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸምዎን ጌና’ውን ዝፍጽምዎ ዘለዉን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኣትሪሩ ድሕሪ ምኹናን፤ ሃገራውያን ምሕበራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብሓፈሻ፡ ንጉዳይ መሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ትካላት ከኣ ብፍላይ ነዚ ነውራም ተግባራት ንምግጣምን፡ ሕጋዊ መሰላት ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምውሓስን ሓላፍነታዊ ተርኦም ብግብሪ ከበርክቱ ጸዊዑ።

   ጉባኤና ንኹሎም ፈተውቲ ሰላምን ደሞክራስያዊ ፍትሕን ዞባውን ኣህጉራውን መሓዙት ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ብሓፈሻ ንሕዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ከኣ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ምእንቲ ክነብር ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ደው ብምባል ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንኽገብርዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ኩሉ ደገፋትን ምትብባዕን፡ ከምኡ’ውን ንኤርትራውያን ስደተኛታት  ዝገብርዎ ዘለዉ ኩሉ መዳያዊ ምትእንጋድን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ልዑል ምስጋና ኣመሓላሊፉ።

   ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ ሃገራዊ ጅግንነታዊ መርገጽ ብምውሳድ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርታራ ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉ ጸዊዑ።

   ዑጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ኣሃዱታትና ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ብጽንዕትን ተወፋይነትን ንዘሰላስልዎ ዘሎዉ ዕማማትን ምስ ህዝቢ ዝገብርዎ ዘሎዉ ምትሕብባርን ልዑል ሞጎሱ ብምቕራብ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ጉባኤና ኣብ ጎኑ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

  ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ናይ ራዕድን ፍርሕን ናይ ጭቆና ማግዛእቲ ኮይኖም ህይወቶም ኣወፍዮም ሃገራዊ መሪር እዋናዊ ጸዋዒት ዝገበሩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡናትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ካህናትን ሸኻትን ልዑል ኣድናቖትን ምስጋናን ኣቕሪቡ።

   ኣብ መደምደምታ ጉባኤና ንዝቕጽል ዓመት ዝመርሕ ዞባ ሽማግለን ተቖጻጻርን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ድሕሪ ምምራጽ፡ ብዝኽሪ ስዉኣት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ዝተሰውአ ጅግና ብጻይና ገብረመድህን መሓሪን ካልኦት ገዳይም ሓርበኛታት ብጾትን፡ ከምኡ እውን ኣብ በረኻታት ሲናይን ፈቐዶ ባሕርታትን (ብፍላይ ደሴት ላምፕዱዛ) ዝሃለቁ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምዝካር ብዓወት ተደምዲሙ።

ዓወት ንሓርንታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ ሰላም ስርዓት ህግደፍ!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

                            ደግሓኤ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

                                    01 መስከረም 2014