አባላት መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ው&#4853
نشر من قبل omaal في 03:39 مساء - 19 11 1435 هـ (13 09 2014 م)

አባላት መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ

 ባሕሪ ሰፊሕ መብርሂ አኼባታት አብ አውሮፓ የካይዱ አለዉ፡፡


تفاصيل الخبر

Red sea afar 2011.jpg

አባላት መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

ሰፊሕ መብርሂ አኼባታት አብ አውሮፓ የካይዱ አለዉ፡፡

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

07-09-2014

አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ጉባኤ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ውጽኢታቱን ውሳኔታቱን ንምብራህ አብ ሃገራት አውሮፓ ዑደት ዘካይድ ዘሎ አባል ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዲ.ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተጋዳላይ ዓብደላ ዑመርን ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ተጋዳላይ መሐመድ መዓርን ያሲን መሐመድ ዓብደላ ብሓባር አብ  ሃገረ ሽወደን ሰፊሕ ህዝባዊ መብርሂ አኻባ አካይዶም፡፡ አብቲ አኼባ ንውጽኢታት ህዝባዊ ጉባኤ አመልኪቱ ብጻይ ዓብደላ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ፡፡ ንሱ አብ መደርኡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ቃሉ ዘሐደሰሉን አብ ጎኒ መሪሕ ውድቡ ኮይኑ ክሳብ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ አድላይ ዘበለ ቃልሲ ከካይድ ምኻኑ ዳግም ዘረጋገጸሉ ጉባኤ ምኻኑ ድሕሪ ምብራህ፡፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ሓድነቱ አረጋጊጹ አንጻር መሰሉ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ዝግበሩ ኩሎም ዓይነት ዉዲታት ጸላእቲ ንኽምክት ተላቢዩ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ በቲ ስርዓት ዘናዝሖም ዘለዉ ሓሶታት ከይታተልን መስል ህዝቡ ንምርግጋጽ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክስከም ጸዊዑ፡፡ አብቲ ጉባኤ ዝተሳተፋ ፖሎቲካዊያን ሓይልታት አመልኪቱ ብጻይ ዓብደላ ዲ.ውድብና ካብ መትከሉ ብምብጋስ ምስ እዘን ተቓወምቲ ፖሎቲካዊያን ሓይልታት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብሓባር ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ክቃለስ ዝጸነሐ ውድብ ምኻኑ ድሕሪ ምስማር፡ ሕጂ ውን ደምበ ተቓውሞ ናብ ዝሕይለሉ መድረኽ አበርቲዑ ክሰርሕ መኻኑ አብሪሁ፡፡ አብቲ አኼባ ልዕሊ 300 ዝኹኑ ከምዝተሳተፉን ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ከበርክቱ ድሉዋት ምኻኖምም አረጋጊጾም፡ አብ አውሮፓ ዝርከቡ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ተመሳሳሊ አኼባታት ክገብሩ ምኻኖም ካብቲ ቦታ ዝበጻሐና ዜና ይሕብር፡፡