Denounced Statement from Democratic Front for Eritrean Unity 04 015
نشر من قبل omaal في 01:03 مساء - 07 07 1436 هـ (25 04 2015 م)

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ናይ ሓዘን መግለጺ

Denounced Statement from Democratic Front for Eritrean Unity 04 015


تفاصيل الخبر

DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

/ደ.ግ.ሓ.ኤ./

ዝወጸ ናይ ሓዘን መግለጺ

ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ከባቢናን ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምን ናይ ዝተፈላለዩ ጥሩፋትን ኣሸበርትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ደቂ-ሰባት ዘብጽሕዎ ዘለዉ ህልቂትን ጭፍጨፋን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይኽሰትን ይዓብን ምህላዉ ንኩሉ ፈታው ሰላም ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዘይተሰወረ ኣዝዩ ኣጸያፍን ኣሰካፍን ተርእዮ እዩ።

ሓደ ካብዞም ጥሩፋትን ኣሸበርትን ኣካላት ፈጻሚ እከይ ተግባራት ድማ ብስም “እስላማዊ ስርዓት ክምስርት እየ” ብምባል ብሽፋን ሃይማኖት እስልምና እናሸቀጠ ዝነጥፍ፡ ግን ካኣ ንሃይማኖት እስልምናን ቅዱስ መምርሒኡን ስነ-ምግባሩን ዘይውክልን ዘየኽብርን ብISIS ዝፍለጥ ናይ ዕንወትን ህልቂትን ምንቅስቓስ እዩ።

እዚ ኣሽባሪ ምንቅስቓስ’ዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ-ፍጡራን ዝኾነ ጨካን ተግባራቱ ብዕለት19/04/2015 ኣብ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን 3 ኤርትራውያንን ዜጋታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብጋህዲ ዝፈጸሞ ኣጸያፍን ኣሰቃቕን ኣረሜናዊ ቅትለትን ጭፍጨፋን፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ። ንኣራዊታዊ ጨካን ተግባራቱ ድማ ብልዑል ይኹንን።

ንስድራ-ቤታት ናይ ግዳያትን ህዝብታትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብኩም ይብል። ጥሩፍነትን ኣሸባርነትን ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ከባብያውን ዓለማውን ቃልሲ ድማ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ተሓባቢሮምን ተደጋጊፎምን ብጽንዓት ክቃለሱ ድማ ይጽውዕ።

ክብርን ዝኽርን ንኑጹሃት ግዳያትና!!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡

/ደ.ግ.ሓ.ኤ/

23/04/2015