Safeeh Agdacee Slamawe Salfe Newyork 29 Oc 015
نشر من قبل omaal في 12:28 صباحا - 16 01 1437 هـ (29 10 2015 م)

ሰፊሕ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ  

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ


تفاصيل الخبر

ሰፊሕ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ  

Dimo in Newyork 29 oct 015 AA.jpg

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ብጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽን ተኣፋፊን ምዕብልናታት ማለት፡ ኣብ በረኻታት ሲናይን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ንምቅላሕን ምዅናን፡ ነቲ ነዞም ግህሰታት እዚኣቶም ንክወርድ ዝገበረ ዲክታቶር ብዝምልከት ንእዋናዊ ኩነታትና ብንጹር ዝገልጽ ሓባራዊ ሰፊሕ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንሓሙስ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2015 ንምክያድ ተመዲቡ ኣሎ

ገለ ካብቶም እዋናውያን ጥርዓናትን ጠለባትን ነዚኦም ይመስሉ

1. ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ምድጋፍ፣ 

2. ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዕሉላት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ክልተ ግዜ ዘመሓላለፎ እገዳ ክተርርን ክትግበርን ምድጋፍ፣

3. ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምዃኑ፡ ስለዚ ከኣ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ክኽበር፣

4. ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ምስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተደጋጊፉ ክሰርሕ፡ ወዘተ።

ነዚ ዝሕግዝ መደብ ኣብ ዝተፈላልያ ወብሳይታት ናይ ጥርዓን ጽሑፍ (Petition) ተዳልዩ ኣሎ። ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣብ ሓጸረ ጊዜ ብዘለዎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ነትዎርክ ተጠቒሙ መሊኡ ክልእኮ ይሕተት

https://www.change.org/p/ban-ki-moon-a-call-for-action-to-stop-human-rights-abuses-in-eritrea#petition-letter

ንስለ መሰል ህዝብና

ምስ ሕቡራት መንግስታት ኮይ

ተቓሊስና ክንዕወት ኢና !

ገረገር ወብሳይት ዳለውቲ

ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ፍትሒ ተቓለስ