http://www.mesel-biherat.com/meselbiherat/index.php/tigirinya/786-2010-03-14-16-00-03
نشر من قبل omaal في 10:27 صباحا - 30 03 1431 هـ (15 03 2010 م)

ኣገናዕ ኣገናዕ ተቃለስቲ ዲምሓኩኤ (ዲሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ)!


تفاصيل الخبر

ኣገናዕ ኣገናዕ ተቃለስቲ ዲምሓኩኤ (ዲሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ)!

ተቃለስቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ዕለት 03-13 መጋቢት ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ መጥቓዕቲ ከምዝገበሩ ኣብ' ዝስዕብ ብምጥዋቕ ክርኣ/ክንበብ ይከኣል።

ብትግርኛ http://www.mesel-biherat.com/meselbiherat/index.php/tigirinya/786-2010-03-14-16-00-03

ብእንግሊዝ http://www.mesel-biherat.com/meselbiherat/index.php/component/content/article/1-latest-news/787-detailed-report-of-the-dmleks-military-communique

እዚ መጥቃዕቲ እዚ ብፍላይ ኣብ' ንህዝብን ንሰራዊትን ዘበሳብስ ዝነበረ ስለያ ናይ ህግደፍን ኣብ' ቀንዲ ንቁጠባ ኤርትራ ገቢቱ ሒዙ ዘሎ ኩባንያ ሰገን (ናይ ህግደፍ ኩባንያ) ብምኳኑ ኣገናዕ ዘብል ስራሕ እዩ። ኣብ' ነዚ ስርዓት እዚ ዘሕምሞ ኩሉ ካብ ህዝቢ ፈሊካ ክውቛዕ ከሎ እውን እዚ ንህዝብና ሞራል ዝህብን ንደንበ ተቃውሞ እውን ኣብነት ዝከውን ኣለናልኩም ዘብል ስራሕ ጀጋኑ እዩ። እወ ውድብ ዲምሓኩኤ ውድብና እዩ። ኩሉ ብተግባር ንስርዓት ህግደፍ ፈልዩ ዝዘብጥ ሓይሊ ተስፋ ህዝቢ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኮኑ ኣባላት ስለያ ከኣ ኢድኩም ረኪባትኩም እብሎም። ስለ' ኩሉ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ዋርሳይ ይኩን ይከኣሎ ከኣ ብረቱ ንህዝቡ ይኩን ንተቃወምቲ ሓይልታት ከይወቕዓሉን እንታይ ደኣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ከቕንዖን እላበዎም። እዚ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ እዚ እውን ዲምሓኩኤ ክቅጽሎን ነዚ ስርዓት እዚ ክሳብ ካብ ሱራ ተበርቒቑ ዝከይድ ከተግብሮን ከኣ እላቦ። በዚ ምክንያት እዚ ሞራላዊ ድጋፈይ እንዳገለጽኩ ዓቕመይ ዘፍቕዶ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ንተቃለስቲ ዲምሓኩኤ ክገብረሎም ድልው ከምዝኮንኩ እውን እመባጻዕ። ኩሉ ኤርትራዊ ከኣ ነተን ብተግባር ነዚ ስርዓት እዚ ዝዘብጣ ዘለዋ ውድባት ክሕግዘንን ነዚ ስርዓት ኣስመራ ምሕዩ ከውጽኦን ክብገስ ከምዘለዎ እምሕጸን።

ዓወት ንህዝብና!

ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ናይ ግድን እዩ!

ዲምሓኩኤ ይዓንብብ! ኩሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ከፊሉ ዘድሕን ሓይሊ ነባሪ እዩ!

ተመስገን ዓንደብርሃን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ