መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርት&#
نشر من قبل omaal في 07:00 صباحا - 24 06 1431 هـ (06 06 2010 م)
Cltur ER _.jpg

መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ኣብ በርሚንጋሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብድሙቕ ከቢሩ።


تفاصيل الخبر

Eritrean Cultural Forum in Birmingham   
ኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ኣብ በርሚንጋሃም
المنتدى الثقافي الإريتري في برمنجهام

Cltur ER _.jpg

መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ኣብ በርሚንጋሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብድሙቕ ከቢሩ።

ብኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ኣብ በርሚንጋሃም ዝተዳለወ፡ ኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተጋዳለይ ተወልደ ገብረስላሴን  ኣቦ-ወንበር ኣሰናዳዊት ኮሚቴ  ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተጋዳላይ በሺር ይስሓቕ ዝዋዓልዎ መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ብቀዳም 29 ግንቦት 2010 ኣብ በርሚንጋሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብድሙቕ ከቢሩ።

Tawaldy Basher1.jpg

እቲ ጽምብል ብኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ኣብ በርሚንጋሃም ኣቶ ኢብራሂም ሓምድ ብምኽንያት ማዓልቲ ናጽነት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። ኣቶ ኢብራሂም ኣብ መደርኡ፡ ግንቦት 24 ናይቲ ብ1961 ብጀግና ስዉእ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተፈለመ ሳውራ ኤርትራ ዝዛዘመት ታሪኻዊት ዕለት ኮይና፡ እቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲን ናይ ህዝብና ሕልምን ግን ብስርዓት ኢሰያስ ተጨውዩ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንኽትገልጾ ኣዚዩ ዘሸግር ኣብ ኣደዳ ስቅያትን: ማእሰርትን: ስደትን ይርከብ ኣሎ ኢሉ።

ብድሕሪኡ፡ ነቲ መሸት ዝያዳ ድምቀት ሂቦሞ ዘምሰዩ ኣጋይሽ፡ብጻይ ተጋዳለይ ተወልደ ገብሬስላሴ ኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ኪዳንን ተጋዳለይ በሺር ይስሓቕ ኣቦ-ወንበር ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከምኡውን እቲ ዓቢ ደረፋይ/ሑሴን መሓመድ ዓሊ ብምኽንያት ማዓልቲ ናጽነት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም።

 

 

ER FUR BER .jpg

ተጋዳላይ ተወልደ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምድሓን ናይ ኤርትራዊ ዲምክራሲያዊ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሓላፍነት ኮይኑ፡ ነዚ ክጋባእ ዝቀራረብ ዘሎ ዋዕላ ንምዕዋት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ታርኡ ክጻወት ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ። 

ኣስዒቡ፡ ተጋዳላይ በሺር ይስሓቕ፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝምልከት ብዓረበኛን ትግሪኛን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ቀጺሉ፡እቲ ዓቢ ደራፈይ/ሑሴን መሓመድ ዓሊ በቲ ተዘክሮታት ናይ ሳውራ ብዓረበኛንን ትግረን ትግሪኛን ሃገራዊ ደርፊታቱ ነቲ ምሸት ዝያዳ ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበ ሕቶታት ብግቡእ ብምምላስ እቲ ጽምብል ብዓወት ተዛዚሙ።

ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ኣብ በርሚንጋሃም

31 ግንቦት 2010