ኣኼባ ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲ&#46
نشر من قبل omaal في 06:53 صباحا - 25 06 1431 هـ (07 06 2010 م)

 ኣኼባ ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ 

 ኣብ በይ ኤርያ ካሊፈርነያ U.S.A  ብጉብእ ተሳላሲሉ

Calfor USA 1.jpg
 


تفاصيل الخبر

         Eritrea 2010.jpg

 ኣኼባ ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ 

 ኣብ በይ ኤርያ ካሊፈርነያ U.S.A  ብጉብእ ተሳላሲሉ

Calfor USA.jpg

ኣብ ኦኩላንድ ካሊፈርነያ ንምዕዋት መስርሕ ዋዕላ ንዲመኩራስያዊ ለውጢ ብዕለት 5/6/2010 ተኻይዱ ኣብዚ ኣኬባዚ ብግዳይ ህዝብን ሃገርን ዝሕለቁ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሃናጺ ንዋዕላ ዘዕውት ሓሳብን ምኽርን ለበዋን ሒዞም ናብ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣኼባ መስርሕ ናይ ዋዕላ  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መኽፈቲ ዝኽረ ሰማእታት ናይ ሕልና ጾሎት ተከፊቱ።

ድሕሪ ዝኽረ ሰማእታት ኣኼባ በቲ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ዝሰርዓቶ ኣጀንዳ ኣቡኡ ብዕምቆት መግለጺ ተዋሂቡዎ                      

ብድሕሪ ብዑምቆት መግለጺ ክኣ ካብ ህዝቢ ኣባላት ውድባት ዘይኮኑ ንሪኢቶታትን ሓሳባትን ሎቦዋታትን ሒዞም ንዋዕላ ዝሳተፉ ኣኼበኛ ወከልቱ ዝኾኑ ብዕሊ ነዞም ብስእሎም ዝስዕቡ 7 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም መርጾም።       

        Calfor USA 2.jpg

 እቶም ተመሪጾም ንዋዕላ ዝኸዱ ክኣ ነቲ መድረኽ ተቐቢሎም ነቲ ኣኼባ ብቀጻልነት መሪሖሞ።ብዙሕ ጠቃምን ሃናጽን ኣብ ዋዕላ ክዝተየሎም ዝግቦኦ ብዙሕ ሓሳባት ምኽርታትን ሎቦዋትን ነቶም ብምርጫ ንዋዕላ ዝኸዱ ካብ ኣኺባ ተለግሱሎም።

Calfor USA5.jpg

ንመስርሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣከበኛታት ዘርኣዮ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኹሉ ኣብዝብል ቴማ ጸቂቶም ሪኢቶታትን ሓሳባትን ከቕሩቡ ከለው ናይ ቃልስኻ ሽውሃት ዘሔድስን ዘባራትዕን ኮይኑ ክንድምንታይ ንስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ብዘስካሕክሕ መከራን ሓሳርን ዘውርደሉ ዘሎ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብምልኪ ዝገበተ ዲክታይተራዊ ስርዓት ብኹሉ ኣጋባብ ተጠቂምካ ከልክስ ኣለዎ ዝብል ድምጺ ካብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ብምብጋስ  ብብዝሒ ይስማዕ ነይሩ።

 Calfor USA 4.jpg
Calfor USA 1.jpg

    ብምክብባር ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ዝሰርዔ ዓኼባ ጽማቅቕ ናቱ ነዚ ዝተጠቅሰ ይመስል ነይሩ።

ዓወት ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንድሞኩራስያዊ ለውጢ

   ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ መንደፍ

       ዕለት 6/6/2010

 በይ ኤርያ ካሊፎርነያ U.S.A