ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤ&#465
نشر من قبل omaal في 11:16 صباحا - 13 07 1431 هـ (24 06 2010 م)

ER 2010A.jpg

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም


تفاصيل الخبر

 ER 2010A.jpg
 

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ማለት ካብ ሎስኣንጀለስ፤ ሳንበርናርዲኖ፤ ሳንድያጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብምእካብ ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ሰባት ካብ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ብዝተካእለ መጠን እውን ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታትን  ከባብን ዝውክሉ ኮይኖም ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ሓራ ዝኮኑ ምኳኖም እቲ ገዛ ርእዩ። እቶም ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት ዘድሊ ምክርን ለበዋን እውን ሰኒቖም። ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ ብምውካል ከኣ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራን ካብ'ቲ ዘለዎ ግብ ዝበለ ጸላም ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ከእትዎ ዘክእል ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክሰርሑን ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ኣድማዒ ተራ ክጻወቱን ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ መብጽዓ ኣትዮም።ቕድሚ ምብጋሶም ከኣ ቓለ መሓላ ጌሮም ክብገሱ ተወሲኑ።

ኣምራጺት ሽማግለ ዋዕላ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ

ሰነ 19፤ 2010