ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ማለት ካብ ሎስኣንጀለስ፤ ሳንበርናርዲኖ፤ ሳንድያጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብምእካብ ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ሰባት ካብ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ብዝተካእለ መጠን እውን ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታትን ከባብን ዝውክሉ ኮይኖም ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ሓራ ዝኮኑ ምኳኖም እቲ ገዛ ርእዩ። እቶም ንዋዕላ ዝከዱ ሰባት ዘድሊ ምክርን ለበዋን እውን ሰኒቖም። ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ ብምውካል ከኣ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራን ካብ'ቲ ዘለዎ ግብ ዝበለ ጸላም ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ከእትዎ ዘክእል ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክሰርሑን ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ኣድማዒ ተራ ክጻወቱን ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ መብጽዓ ኣትዮም።ቕድሚ ምብጋሶም ከኣ ቓለ መሓላ ጌሮም ክብገሱ ተወሲኑ።
ኣምራጺት ሽማግለ ዋዕላ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ
ሰነ 19፤ 2010