ሓበሬታዊ ጸብጻብ ካብ ኣሰናዳኢት &#466
نشر من قبل omaal في 05:24 مساء - 05 08 1431 هـ (16 07 2010 م)

ER 2010A.jpg

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣኼባታታ ትቕጽል ከም ዘላ እናሓበረት ኩለን ንኡሳን ሽማግለታት ዕለታዊ መደባተን ንዝተረፉ ናይ ምስንዳእ ስራሓት ንምምላእ ይቕጽላ ኣለዋ።


تفاصيل الخبر

ER 2010A.jpg

ሓበሬታዊ ጸብጻብ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣኼባታታ ትቕጽል ከም ዘላ እናሓበረት ኩለን ንኡሳን ሽማግለታት ዕለታዊ መደባተን ንዝተረፉ ናይ ምስንዳእ ስራሓት ንምምላእ ይቕጽላ ኣለዋ። ከምኡ’ውን ሕጹያት ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ዝተወሰነሎም ቦታን ግዜን ንኽበጽሓ ይጽዕራ ኣለዋ። ስለዝኾነ ከኣ ኹለን ንኡሳን ኮሚቴታት ዝተዋህበን ሓላፊነት ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ገለ ንኡሳን ሽማግለታት ስራሓተን ክዛዝማ እንከለዋ ገሊኤን ድማ ዝተዋህበን ዕማማት ሓላፍነትን ናብ ምውዳእ ገጸን ይኸዳ ከም ዘለዋ ተረጋግጽ። በዚ መሰረት ድማ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣቕልብኡ ናብ ዋዕላ ኣንፈቶም ገይሮም ኣለው። ከምኡ’ውን ሕጹያት ተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝተወሰነሎም ግዜ ንኽበጽሑ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ። ዋዕላ ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ማለት 30 ሓምለ 2010 ንክጋባእ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘድልዩዎ ተክኒካዊ ስጉምትታት እናወሰደት ተማልእ ከም ዘላ ተረጋግጽ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

16 ሓምለ /2010