ERITREAN PEOPLE'S DEMOCRATIC FRONT መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁ&a
نشر من قبل omaal في 09:27 صباحا - 15 08 1431 هـ (26 07 2010 م)

Tsfa Ho Ney 1.jpg

ናይ ሓዘን መግለጺ
Tsfa Ho Ney

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን


تفاصيل الخبر

ER. PE. DEM FRONT.jpg

Tsfa Ho Ney 1.jpg

ናይ ሓዘን መግለጺ
Tsfa Ho Ney

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ብረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ከምዝተፈልየ ብመርድእ ምስተሓበረ ንኩሎም ስድራ-ቤቱን ንምሉኣት ናይ መቃለስቲ ብጾቱን ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን መሪር ናይ ሓዘን እዋን ኣእትዩና ይርከብ።

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤን) ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ብትብዓትን ቆራጽነትን ግቡኡ ከወፊ ዝጸንሐ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ተቓላሳይ ኢዩ።

ብጻይ ተስፉሁነይ ንሕዝባዊ ደሞክራሲያዊ ዕላማታት ውድብናን ዕማማት ውድብን፡ ከምኡን ዕማማት ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርትናን ንምዕዋት ከይሰልከዮ ክቃለስ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ኢዩ። ሃገርና ካብ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ፍሽሽታዊ ስርዓት ተገላጊላ፡ ራህዋን ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ንክትከውን ዘካየዶ ተጋድሎ፡ ኣብ መዕረፊኡ ከይበጽሐን ፍረ ውጽኢቱ ከይረኣየን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ንቡር ሓመድ ድበ ከይረኸበን ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ`ኳ እንተተፈለየ፡ ጅግንነታዊ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ንዘልኣለም ነባርን ህያውን ኢዩ።

ብጻይ ተስፉሁነይ፡ ክቃለሰሎም ዝጸንሐ ክቡራት ህዝባዊ ደሞክርስያዊ ዕላማታት ሰውራና ኣብ ማዕርፎኦም ንምብጻሕ፡ ብዘይምስልካይ ከም እንዋደቐሎም በዚ ኣጋጣሚዚ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

በዚ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ናይ ሓደጋ መሪር መስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ብጻይና ተስፍሁነይ መስፍን፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱን ናይ ቀረባን ርሑቕን ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ ወሪዱ ኣብ ዘሎ ሐዘን ጽንዓት ኪረኽቡ፡ ብፍላይ ድማ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፉሁነይ ወሪዱ ኣብ ዘሎ ሐዘን ንብዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ትርሓስን ንደቅና መሪሕን እልልታን፡ ንዞባ ሱዳን ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን  ከምኡውን  ንመላእ ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ወሪዱ ኣብ ዘሎ ሐዘን   

ጽንዓት ኪህልዎምን ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዲሞክራሲያዊ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ንከብጽሑ ቃልሶም ኣሕኒኖም ኪቕጽሉ እናተባባዕና፡ ንብጻይና ተጋዳላይ ተስፉሁነይ መስፍን ከኣ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ እናበልና፡ ብስምናን ብስም ኩሎም ኣባላት ውድብና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ህ.ደ.ግ.ኤ.)ን፡ ኣብቲ መሪር ሐዘን ተካፋልነትን ዓሚቚ ምዃኑ እናገለጽና፡  ንመላእ ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ምሉኣት ስድራ-ቤቱን ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ንኩሎም ተቓለስቲ ከኣ ሓቦን ገድላዊ ኒሕን  ሒዞም ብጽንዓት ቃልሶም ከሕንኑ ንጽውዕ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንኩሎም ስዉኣትና!

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)

ዞባ ኤውሮጳ

23 ሓምለ 2010

Tsfa Ho Ney 1.jpg

ተጋዳላይ ተስፋሁነይ መስፉን ምክትል ኣቦ መንበር ህዝባዊ

ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ትማሊ ረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩና ስለ ዘሎ ንኹልኹም  መቃልስቱን ኣሕዋቱን መስዋእቱ እናሓበርና ብሓባር ከነፋንዎ ንሰንበት 25 ሓምለ 2010 ሓዘን ጌርናሉ ከም ዘለና ንሕብር።

ቦታ  Grusasgränd 76  Lindgård Sandsborg Stockholm

              T-bana station

              Tåg mot Farsta

 ስዓት 13.00---------17.00

 ንሓበረታ ተለን. 070 046 2275  // 076 240 1254.

ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ/ህደግኤ/

 ጨንፈር ስካንድናቭያን።