ዛኣኽለን ጥሒነን ባዓለማርያም ይ&#4709
نشر من قبل omaal في 07:28 صباحا - 29 09 1431 هـ (07 09 2010 م)

ዛኣኽለን ጥሒነን ባዓለማርያም ይብላ

ጹሑፋትካ ኮይኑ ናይ ዓይንና ሓበላ

 

ሕድሩ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁብቅዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ዛኣኽለን ጥሒነን ባዓለማርያም ይብላ

ጹሑፋትካ ኮይኑ ናይ ዓይንና ሓበላ

 

ሕድሩ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁብቅዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ባዓል ሕነ ዝባሃልስ ከማኻ

ንተኻፈልት ዋዕላ ዘጸለምካ

ብመስከረም ቶጎልቢብካ

ሕጂ ውን ቑንቡላ ደርቢኻ

ጸማም ሓደ ደርፉ ኣይፋልካ

ኣብ ዋዕላ እንተ ትካፈል ነርካ

ክንደይ ፍሳሃ ሰላም ማሓደረካ

ታሓጕስካ ምተመለስካ ንቦታኻ

ካብ ሉኡኽ ሓሊቦ ምባል ምድሓንካ

ምስ እቶም ወጽዓ ዝመረሮም ምዘተኽ። 

ዓገብ ዝበለካ ኢልካዩ ባዓል ሕነ

ንዘናኣእሱ ትም ምባል ማዓስ ይኽእሎ ኮይነ

ብንቕሓት እንበር ባሃውሪ ኣይዛረብን ኣነ።

 

ኣብ ቅድመይ ዝወደቑ ሕድሪ ብጾት ኣሎኒ

ይቃለስ ኣለኹ ከተግብሮ እቲ ሕድሪ ዘሸከሙኒ

ንህግደፍን  መሰልቱን ከቃልዕ መብጻዓ ኣሎኒ። 

እንቲ እቲ ሕድሪ ስዉኣት ዘክር ዝበልካዮ

ትምክሕቲ ኮይኑ ንኸምዚ ከምኻ ስለ ዝራኣዮ

ሕድሪ ስዉኣቱ ዘይጠለመ ዝብል ሕጂ ቀይረዮ።

 

ወለቕ ዘለቕ ዝብልስ ከማካ ኣነ ኢለ ኣይፈልጥን

ኣፍልበይ ገቲረ ኢየ ዝኸይድ ከይበልኩ ድንን

ንምልካዊያን ካብ ምምካት ድሕር ኣይብልን

ኣብ ልብኻ  ክሳብ ትምለስ ዳሓን ኩን

ንቕሓትካ ተጠቐመሉ ሃሱስ ኣይትኹን።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን