ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንሰራዊ
نشر من قبل omaal في 08:00 صباحا - 11 10 1431 هـ (19 09 2010 م)

ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

ሰራዊትኩም ኣስምሩ ህዝቢ ንምድሓን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገርጀመን

ሉኡል ገብረኣብ ዘላፊት ማህጸን ኣደታታ


تفاصيل الخبر

ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

ሰራዊትኩም ኣስምሩ ህዝቢ ንምድሓን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገርጀመን

ኤረትርራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

ትጽቢት ነዊሑ ይበዝሕ ኣሎ ምሕራን

ሰራዊትኩም ኣስምሩ ህዝቢ ንምድሓን

ብህግድፋዊያን ዝመጽእ ለውጢ ኣይለውጥናን

ህዝቢ ጸሊኡ ኢሉኳ ፎእ

ከም ገበል ዊሒጡ ዝተፍእ

ብዓወት ንሓፋሽ ዕላምኡ ሑቡእ

ንዘአመኖን ዘይአመኖን በልማማ ዘጥፍእ።

ኣበይ ኣለዉ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ

ደሃዮም ኣረኸብኩን ንቡዙሓት ሓቲተ

ዳሓር ግን ሰሚዔ ተጨዊዮም ምስ ጸልመተ

ዘውገሔ ናብ ዓሰርተ ሾሞንተ።

እዚ ኩሉ ገጋና ናኣርም ስለ ዝበሉ

በቶም ካሕዳያት ተጠሊሞም ዝተበደሉ

ክትሕተቱ ኢኹም ናበይ ከይተብሉ

ገጊዚኡ ኣለዎ ንኹሉ ።

ኣብ ኤረትራ ስርዓት ህግደፍ እንበር

ህግደፍ ኮሎዶ ህዝባዊ ስርዓት ይትግበር

ህዝባዊ ስርዓት ክትከል ሓቢርና ገለ ብግበር 

ሓንቲ ማዓልቲ ሓቂ ከይመለቖቶ

ሓሳዊ ሕብሩ ዝላዋወጥ ከም ነፋሒቶ

ህዝቢ ኣጽኒቱ እንዳ ኣተወ ኣብዘይምልከቶ

ዊዲተኛ ቀንጻሊ ብጾቱ

ንህዝቢ ኣጥፊኡሉ እምነቱ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሒ ሸፋቱ

ብውሽጥ ብደገ አለዉ ምሱኡ ዝሕተቱ

ብምቕንጻል ሓቀኛታት ዝፍለጥ

ብፈራሕ ዓሰርተ ዝበትሩ ፉሉጥ

እቲ ጸልማት ምስ ዝቕንጠጥ

እቲ ካሕዳይ ሹዑ የንቀጥቅጥ።

ዝዓመጽካዮ ገንዘብ ከይበላዕካዮ ትብል ጋሕ

ውድቀትካ ትብል አላ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ

ምሕደራ ህግደፍ ክድምደም እቲ ከርፋሕ።

ኩሉ ንዑኡ ክጥዕሞ ጽቡቕ ይምነ

ከም ህግደፍ ተበላጺ ኣይራኣኹን ኣነ

ተጠርኒፍና ኢና ንፈድ ናይ ህዝቢ ሕነ

ክይተቓለስካ ውድቅት ምልኪ ኣይንመነ።

ኪዳን ዝበጥዎ አብቲ ዘሕምሞ

ንስለያ ህግደፍ ስበሮ ጨልግሞ

ናይቶም ዝተረፉ ህዝቢ ባዕሉ ካዓሞ

ወዲ  ሃገሩ መታን ክጥዕሞ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ነጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

**********************

ሉኡል ገብረኣብ ዘላፊት ማህጸን ኣደታታ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ዘላፊት ማህጸን መሳቱኣ ኣደታታ

ኣይንታያ ዘይደቃ እንተተኻላበታ

ኣይንታይ ደቂ ሓርበኛታት እንተሞታ

ዘለፋታት ኣብዚሓ ከም ኣሕሉቕታ

ስልጣን ኣስኪርዋ ከም መራሒኣ ሃውቲታ።

ሕድሪ ዝጠለመት ናይ ስዉኣት መቓልስታ

ናይተን ንድርብ ወጽዓ ንመግዛእቲ ዝመከታ

ደቂ ኣንስቲዮ ኣውሪዳተን ከም እኽሊ ሸመታ

ኣደወንበር ንሽሙ ዘጥፈኤት ናይ ኣደታት ያታ

እኒ ንስኺ ብጥልመት ጽባሕ ትሕተታ ።

እንታይ ከፊኢወን ዶ በልኪ

ዘረባ እቲ ሎኽመኛ ደጊምኪ

ኩሉ ኤረትራዊ ፎእ ኢሉኪ

ንስኺ ዶ ደቂ ኣንስቲዮ ምወከልኪ።

ካብ ኣምሓራ እንተ ወለዳ

ማዓስ ፈትየን ፈሪሔን ሰለዝተገደዳ

ክንዲ ትማጎትለብስ ድቓሉ ውለዳ

ብደዔ ናትኪ ጽባሕ ኣሎዎ ዕዳ።

ህግደፍ ልቢ ግበሩ

ክንደይ ሻዕ ክትምከሩ

ህግደፍ ቀሪቡ እዩ ካሓጽር ዕምሩ።

ዑሱባት ክትረኽቡ ኢኹም ማኣት

ሓርበኛታት ጀሚሮም ከፍርሱ ድፋዓት

ናይቶም ጸረ ህዝቢ ናይ ሸፋታ ሉኡኻት

ሕነ ክፈድዩ ናይቶም ዉጹዓት

ትቃራረብ ኣላ ናይ ውድቀትኩም ሳዓት።

ኣሃዱታት ኪዳን ወሱኹሉ ጉያ

ንስለያ  ኣእትዉ ኣብ ድብያ

ክንደይ ያዕ ኣደታት ክበኽያ

ሃገር ክትጋላገል ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ማፍያ

ሹዑ እኒ ሉኡል ገብርኣብ ከእዊያ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎድን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን