ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይግቦ&#4774
نشر من قبل omaal في 05:40 صباحا - 14 10 1431 هـ (22 09 2010 م)

ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይግቦኦ ክምጎስ

ሽግርና ክንፈትሖ ስለ ዝበልና ሃሰስ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሃገራዊ ዋዕላ ይግቦኦ ክምጎስ

 


تفاصيل الخبر

ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይግቦኦ ክምጎስ

ሽግርና ክንፈትሖ ስለ ዝበልና ሃሰስ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሃገራዊ ዋዕላ ይግቦኦ ክምጎስ

ሽግርና ክንፈትሖ ስለ ዝበና ሃሰስ

ኤረትራዊያን ቀሪብና ኢና ክንሕጎስ

ካብ ሃገርና ምልኪ ካብ ሰሩ ክብንቆስ

ሰላም ክነግስ ህዝቢ ክድሕን ካብ መልቀስ

ህዝቢ ካብ ሰደት ናብ ሃገሩ ክምለስ።

ገባቲ ስርዓት ሰንቢዱ መሲሉ ከሰል

ሓድነትና  ሰሚዑ ልቡ ኢልዎ ጠልጠል

ድሕሪ ሕጂ የሎን ብህዝቢ ኣሽካዕላል

ካብ ክሰጉልካ ምጽባይ ሓቢርካ ሓሕ ይቐልል

ኣብ ለውጢ ዛኣምን ናብ ኢ.ዲ.ኪ ይዕሰል

ወዲ ሃገር  ሃገሩ ተመሊሱ ከማዕብል።

እንተ እቶም ኣሉታ ዋዕላ ተዕልሉ

ኩሉ ዶ ሓደ ዕላማ ኣምጺእዎ

ገለ ከፍሽል ተልእኾ ነርዎ

ክሕጎሱ እቶም ዝላኣኽዎ።

ስለ ዘይተዓወቱ ሕማቕ ወረ ይነዝሑ

ቁሩባት ስለ ትነበሩ ፍሽለት ዋዕላ ከባዝሑ

ተሳዒሮም ግና ደለይቲ ሕድነት ስለ ዝበዝሑ

ጥራዮም ተሪፎም ንሃገራዊ ዋዕላ ዝተጻቡኡ።

መንሽሮ ህዝብና ሰሚዕኩምዶ

መግለጺኹም ምስማዕ ጋዶ

ከክንደይ ገዚኦምኹም እቶም ነጋዶ

ዝበልናዮ ኮይኑ ክብሉ ዝታሃንደዱ።

ተጻባእቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣይትኹኑ

ውሳነታት ዋዕላ ክትጥምዝዙ ኣይትፈትኑ

ኣብ ጉድለታት ኣቲኹም ኣይተጋንኑ

ንብህዝቢ ዝተፈንፈነ ስርዓት ክተድሕኑ።

ከራር ነዚ ድዩ ነሩ ካመራ ሒዝካ ኮለል

ኮሊልካ ገጋታት ምውህላል

ኣብ ፓልቶክ ክጥዕመካ ኣሉታ ዕላል

ድምጺ ብዙሓት ምንእኣስ እዩ በደል።

እኒ መስከረም ጸብጻብካ ደስ ኢልወን

መርበባት ህግደፍ ስእልኻ ለጢፈን

ኣብ ጥርናፈ ጠቕሚ ስለ ዘይብለን

ገለ ውን  ጀሚሪም ኣይፋለይ

ምሳኻትኩም ቃልሲ ኣይደልን እንብለይ

መን ኢኹም ወንበር ሕዝኡለይ።

ካብ በልካ ሓቢረ ኣሰርሕን ምስ ህዝበይ

ሓንጊድካ ካብ በልካ ዕጭለይ

ምስ ይራሕራሕ ዝብሉ ዘተ ነይብለይ

ምስ ቶም ዘተ ዛኣምኑ ይቕጽሎ ቃልሰይ።

ጉድለታት ምጽብጻ ግዚኡ ኣይኮነን

ሃገራዊ ዋዕላ ታዓዊቱ እንበር ኣይፈሸለን

ህዝብና ንምድሓን ናይ ሓባር ቃልስና ይሕንን።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቲን