ህዝባዊ ኣኼባ…!ብጉዳይ ውጽኢት ሃገ&#46
äÔÑ ãä ÞÈá omaal Ýí 06:42 ÕÈÇÍÇ - 18 10 1431 åÜ (26 09 2010 ã)

ህዝባዊ ኣኼባ…!

ብጉዳይ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ኣብ  ከተማ ካርልስሩሀ ሃገር ጀርመን።


 


ÊÝÇÕíá ÇáÎÈÑ

ህዝባዊ ኣኼባ…!

ብጉዳይ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ኣብ  ከተማ ካርልስሩሀ ሃገር ጀርመን።

ንቀዳም ዕለት 16. 10. 2010፡ ሰዓት 1500 እቶም ካብ ህዝብን በርገሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ ደቂ ሃገር፡ ሓቀኛ ስእሊ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንተቐማጦ ካርልስሩሀን ካልኦት ናይ ባደን ከተማታትን ንምሕባር ተዳሊዮም ኣለዉ። ብተወሳኺ እውን ንድሕሪ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ተመዲቡ ዘሎ “ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ“ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንምድላው  ብሃገራዊ ዋዕላ ተመዚዛ ዘላ ኤርትራዊት ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ“፡ ወኪሎም ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይ መግለጺ ክህቡን፡ ሕቶታት ህዝቢ ክምልሱን፡ ተዓዲሞም ኣለዉ። ስለ‘ዚ ኩሉ እቲ፡ ወልቀ-መላኪ ህግደፍ ተኣሊዩ፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ ዝቃለሱ ደቂ ሃገር፡ ኣብ‘ዚ ኣኼባ እዚ ክርከቡ፡ ኣዳለውቲ መደብ ብኣኽብሮት ይዕድሙ።

 

ተዳሊዩ ዘሎ መደብ ኣኼባ

1. ንካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ ዝተገበረ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝምልከት Dokumentar Film ክርአ እዩ።

2. ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ሓበሬታ ምስ ተዋህበ ንዝቀርብ ሕቶታት፡ ብተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ መልሲ ክወሃብ እዩ።

3. ንምድላው „ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ“ ብዛዕባ ተመዚዛ ዘላ ሓዳሽ ኮምሽን፡ ብዛዕባ መደባታ መግለጺ ክዋሃብን፡ ንዝቀረብ ሕቶታት’ውን መልሲ ክዋሃቦን እዩ።

    

 

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታን ዕለትን ሰዓትን፥
 

ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ (Karlsruhe)

Gewerbehof

Steinstr.23

76131 Karlsruhe

ዕለት 16 ጥቅምቲ 2010፥

ሰዓት 1500 ድ.ቀ.

MAP GARMANY.jpg

ካብ መዕረፍ ባቡር ካርልስሩሀ (Karlsruhe Hbf) ብትራም ቍጽሪ 3 ካሳብ መዓርፎ ትራም መንደልሶን ፕላትስ “ Mendelson Platz “ ይመጻእ። ኣብ “Mendelson Platz“ ወረድኩም/ክን፡ ብድሕሪቲ ኣብ ፊትኩም/ክን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሽታይን ስትራሰ ቁጽሪ 23 (Steinstr. 23) ዝበሃል መንገዲ ኢዩ።

ብዳሓን ምጽኡ ..!!

ካብ ኣዳላዊ ኣኼባ፡