ገበነኛ ጉጅለ ብሓይሊ ይታኣለ
نشر من قبل omaal في 04:31 صباحا - 24 10 1431 هـ (02 10 2010 م)

ገበነኛ ጉጅለ ብሓይሊ ይታኣለ

 

ኪዳ.ን.ሰሚዕኩም ዶ መንእሰይ ከም ተላዒለ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

 

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ገበነኛ ጉጅለ ብሓይሊ ይታኣለ

 

ኪዳ.ን.ሰሚዕኩም ዶ መንእሰይ ከም ተላዒለ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

 

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ተማሃራይ ሓሪኑ ካብ ተላዕለ

 

ጭርሖኦም ገበነኛ ጉጅለ ብሓይሊ ይታኣለ

 

ኣብ ከተማታት ኣብ ገጠር ዝገበለ

 

ጃንዳ ህግደፍ ካብ ሱሩ ክእለ።

 

ኪ.ዳ.ን ሰመዕኩም.ዶ

 

ደም ጥዒምዎ መንእሰይ ዎሎዶ

 

ኣሎና በልዎ ንህግደፍ ክገዶ

 

ያኣክል ሎምስ ከላእ ትዋረዶ።

 

ኣፍርዩ  ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

መንእሰይ ተላዒሉ በርቲዕዎ ጸቕጢ

 

ተረዲእዎ ህግደፍ ምዃኑ ጠንቂ

 

ተላዒሉ ንሱር ነቀል ለውጢ

 

ክወጽእ ካብ ናይ ህግደፍ ሓለዋ

 

ድሕሪ ህግደፍ ሃገር ክርህዋ።

 

ጎምበለ ጥውዮ ሳሓቦ ካብ ሰርወ

 

ሓቦ ክገብር ብህግደፍ ዝጃጀወ

 

ዓይኑ ክከፍት እቲ ብስልጣን ዝዓሸወ

 

ሰማእታት ዝጠለመ ዓዲ ምስ ኣተወ።

 

ኣብ ማይ ነፍሒ ዝገንፈለ

 

ክልሕም እዩ ቀስ እንዳ በለ

 

ተቓወምቲ ኣሎና ብጸረ ህግደፍ ንልለ

 

መዋጽኦ የብሉን ህግደፍ ዝበለ እንተበለ።

 

ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንቐሉ

 

ጸረ ስለያ ህግደፍ ብረቱ ወላውሉ

 

ተማሃራይ እንተ ተላዒሉ ዓጋቲ ነይብሉ

 

ብህግደፍ መንእሰይ ዝባሉ ቖሲሉ።

 

ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ዶ ወዲ ሰብ ይግዛእ

 

ናይ 30 ዓመት ቓሊሲ ብከዳዓት ይትካእ

 

ንሰንሰለት መግዛእቲ ዝበተኸ

 

ድሕሪ ነጻነት ኣጋጢምዎ ዝኸፍኤ

 

መግዛእቲ ተሳዒሩ ብገዛእቲ ስለ ዝተተከኤ።

 

እቲ ክንደይ ንቑሓት ዝበልዔ

 

ኣብ ሜዳ ኮሎ ገስጋሲ ዝተጸወዔ

 

እቲ ሑብእ ዕላማ ሕጂ ተቐሊዔ።

 

ንህግድፍ ንእለዮ ደም ምፍሳስ ከብቅዕ

 

ህግደፍ ብኣምላኽ ብረቢ ክቕጻዕ

 

ክራማት ክምለስ ጎቦታትና ክጥጥዕ

 

ናብ ጎደና ምዕባለ ክምርሻ ዓደብ ምስ ምጽዋዕ።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

 

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

 

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

 

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን